ናይጀርያዊ ዝሰርሓ 'ኣፍሮቢትስ' ሙዚቃ ስለምንታይ ኣብ ኣመሪካ ኣዘራራቢት ኰይና?

ሬማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይጀራዊ ወዲ 24 ዓመት ስነ ጥበባዊ ሬማ ዝሰርሓን ቅዲ ኣፍሮቢትስን ዝኾነት ንጽል ደርፊ ‘ካልም ዳውን’ ኣብ ኣመሪካ ኣመና ካብ ዝተሰምዓ ደርፍታት ሓንቲ ንምዃን በቒዓ።

“ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ጠለብቲ ዝረኸበት ናይ መጀመርታ ደርፊ ኣፍሮቢትስ ኮይና ኣላ" ክብል ኣብ ስራሕቲ ሙዚቃ ትንታነ ዝህብ ቻርት ዳታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቻርት ዳታ ነታ ደርፊ “ናይ ኩሉ ግዜ ብልጽቲ ኣፍሪቃዊት ደርፊ" ክብል ገሊጽዋ ነይሩ።

እታ ደርፊ ኣብ ለካቲት 2022’ያ ናብ ሰማዕቲ ተዘርጊሓ።

ሓቃዊ ስሙ ዲቫይን ኢኩቦር ዝኾነ ሬማ፡ ምስ ኣመሪካዊት ድምጻዊት ሰሌና ጎሜዝ ብምትሕብባር፡ ነታ ደርፊ ሪሚክስ ብምግባር፡ ኣብ ስትሪሚንግ ኣፕ ስፖቲፋይ ቢልዮን ኣድመጽቲ ክትረክብ ኣኽኢልዋ’ዩ።

ንጽል ደርፊ ሬማ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ሓንቲ ካብተን ኣብ ቢልቦርድ ሆት 100 ደርፍታት ክትጸንሕ ዝኸኣለት ኮይና ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ደርፊ’ያ።

እታ ደርፊ ኣብ ዩቱብ’ውን ኣስታት 894 ሚልዮን ረኣይቲ ረኺባ እያ።

ንሬማ ኣብ መሳርዕ ፍሉጣት ናይጀርያውያን ስነጥበባውያን ኣፍሮቢትስ ከም በዓል ቡርና ቦይ፡ ዊዝኪድን ዳቪዶን ንኽጽንበር ኣኽኢላቶ።

ሬማ፡ "ኣፍሮራቨ" ኢሉ ዝሰመዮ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዲ ኣፍሮቢትስ ከም ዘለዎ ይዛረብ።