ኣብ ዓለም 'ዝበዝሐ ዕልዋታት መንግስቲ ዝርኣየት ሃገር'

ወተሃደራት ቦሊቪያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቦሊቭያ ንመወዳእታ ግዜ ዕጡቓት ሓይልታት ስልጣን ከይሕዙ ምጭናቕ ካብ እትገድፎ ልዕሊ 40 ዓመታት ተቛጺሮም'ዮም።

እታ ሃገር ካብ 1964 ክሳብ 1982 ዳርጋ ብቐጻሊ ብወተሃደራዊ ስርዓታት ትመሓደር እኳ እንተነበረት፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ግን ዴሞክራሲያዊት ሃገር ኰይና እያ መጺኣ።

ኣብዚ ሰሙን ግን፡ ብሮቡዕ 26 ሰነ 2024 ወተሃደራት ኣብ ከተማ ፓ ፓዝ ናብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ምስ ኣምርሑ፡ ኣማኢት ወተሃደራትን ዝተዓጠቓ መካይንን ኣገደስቲ ህንጻታት መንግስቲ ኣብ ዝርከበሉ ኣደባባይ ሙሪሎ ዝተደላደለ ቦታ ሒዞም ተራእዮም።

ሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና ንመእተዊ ቤተ መንግስቲ ክትሰብር ፈቲና።

ድሕሪኡ ግን እቶም ወተሃደራት ካብታ ከተማ ኣንሳሒቦም።

መንግስቲ ድማ፡ መራሒ እቲ ፈተነ ዕልዋ’ዩ ንዝበሎ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሲሩ ኣሎ።

ነዚ ዝደረኹ ሰለስተ ምኽንያታት ኣለው።

1. ታሪኽ ዕልዋታት

ቦሊቭያ፡ ካብ 1950 ጀሚሩ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ዕልዋታት ዝተመዝገበላ ሃገር እያ።

ሎሚ ከኣ ወተሃደራት ነቲ ዝተመርጸ መንግስቲ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ክኣልይዎ ክፍትኑ እንከለው፡ ንሒደት ሰዓታት’ውን እንተዀነ ዘይርጕጽነት ክፍጠር፤ ሰባት ተዘክሮታት እቶም ናይ ጸልማት እዋናት ክመጽኦም ገይሩ'ሎ።

ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ታሪኽ ጆናታን ፓዌልን ክሌይተን ታይን ከምዝሕብርዎ ቦሊቪያ ኣብ ዝሓለፉ 74 ዓመታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዕልዋታት ሓሊፋ’ያ።

መብዛሕትኦም ድማ ፈሺሎም።

ጆናታን ፓዌል ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቦሊቪያ “ምናልባት” ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ዕልዋታት መንግስቲ ዝተመዝገላ ሃገር ክትኸውን ትኽእል እያ ኢሉ።

“ቅድሚ 1950 ብዛዕባ ዝነበሩ ኵሎም ፍጻመታት ግን ርጡብ ሓበሬታ ክትረክብ ኣጸጋሚ’ዩ” ይብል።

ብልክዕ ክንደይ ዝኣክል ዕልዋ’ዩ ተፈጺሙ ዝብል ንምፍላጥ ካብ መንጐ ዘጸግሙ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ማሕበራዊ ናዕቢ ወይ ዘይሕገ-መንግስታዊ ምቁጽጻር ስልጣን ንምፍላይ ዘሎ ጸገም ምዃኑ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ጸብጻብ ተመራማሪ ፖለቲካ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ካሮላይና ፋብሪስ ለሆክ፡ ካብ 1900 ጀሚሩ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣስታት 320 ወተሃደራዊ ዕልዋታት ከም ዝተኻየደ ይሕብር።

“[ኣብ መብዛሕቲኡ] ቦሊቭያ ምስ ኢኳዶርን ኣርጀንቲናን ርክብ ኣለዋ” ይብል።

ብሓፈሻ ፍርቂ ካብዞም ዕልዋታት ከም ዝተዓወቱ ዝገልጽ ለሆክ፡ ኣብ ቦሊቭያ ድማ ካብቲ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ንፕሬዝደንት ካብ ስልጣኑ ከም ዝኣለየ ይዛረብ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ብጀነራል ጁኣን ጆሴ ዙኒጋ ዝተመርሑ ወተሃደራት ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምሪሖም ነይሮም።

እቲ ጀነራል ካብ ሓላፍነቱ ክሳብ ዝእለ መራሒ እቲ ሰራዊት እዩ ነይሩ።

እቲ ጀነራል፡ ፕሬዝደንት ነበር ኢቮ ሞራለስ እቲ ሕገ-መንግስቲ ዘየፍቅደሉ እናሃለወ ኣብቲ ኣብ 2025 ዝካየድ መረጻ ዝወዳደር እንተዀይኑ ክኣስሮ እየ ምስ በለ፡ ፕሬዝደንት ሉዊስ ኣርስ ካብ ሓላፍነቱ ኣልዩዎ።

እቲ ጀነራል፡ ተግባራቱ “ንዳግመ ህንጸት ዴሞክራሲ” ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

ድሒሩ፡ እቲ ሰራዊት ብጠለብ እቲ ፕረዚደንት ምትእትታው ከም ዝገበረ ምስ ተዛረበ ዙኒጋ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ሉዊስ ኣርስ ነቲ "ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ" ዝበሎ ብምዅናን ህዝቢ “ኣብ ዙርያ ዴሞክራሲ ክዓስል” ጸዊዑ።

ኣማኢት ቦሊቪያውያን፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ደጊፎም ተሰሊፎም። እቲ ወጥሪ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ይሕይል ኣሎ።

2. ክልቲኦም ጐባልል - ኣርስን ሞራለስን

ፕሬዝደንት ሉዊስ ኣርስ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ዕልዋ ከም ዝተገብረ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ሉዊስ ኣርስ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ዕልዋ ከም ዝተገብረ ይገልጽ

ዘይርጕእ ቁጠባዊ ኵነታትን ኣብ መንጐ ፕሬዝደንት ኣርስን ሞራለስን ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥጥን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሰልፊታት ተቓውሞን ምክፍፋላትን ኣስዒቦም’ዮም።

ቅድሚ ሕጂ ፖለቲካዊ መላፍንቲ ነይሮም። ቅድሚ’ቲ ኣብ 2025 ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ግን ናብ ውድድር ስልጣን መን ወሰደ ኣትዮም ኣለው።

ክልቲኦም ኣባላት ሞቪሚዮን ኣል ሶሻሊዝሞ (MAS) ወይ ምንቅስቓስ ናብ ሶሻሊዝም ናይ ዝተባህለ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ’ዮም።

ሞራለስ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ንራብዓይ ግዜ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ክወዳደር ኣይኽእልን ኢሉ እንተኣገዶ’ውን፡ ንሱ ግን ኣብቲ መረጻ ክወዳደር እየ ምስ በለ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣፈላላይ ተፈጢሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ገደብ ስልጣን ሓደ ሰብ ንነብሱ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ንምግባር ዝዀነ ስጉምቲታት ከይወስድ ንምርግጋጽ ዘኽእል ምቹእ መለክዒ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

ዕላማ ሞራለስ፡ ነቲ ዳግማይ ክምረጽ ትጽቢት ዝገብር ኣርስ ብድሆ ምዃን ከም ዝዀነ ይግመት።

ሞራለስ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምትላል ፈቲኑ ዝብል ክሲ ስዒቡ ኣብ 2019 ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕን ካብታ ሃገር ክሃድምን ኣገዲዶሞ እዮም። ንሱ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጐ።

ካብ 2019 ክሳብ 2020፡ ማእከላይ የማን ፖለቲካ እተሰጉም ጂኒን ኣኔዝ ግዝያዊት መራሒት እታ ሃገር እኳ እንተነበረት፡ ድሕሪኡ ግን ንሞራለስ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ውጥን ዕልዋ መንግስቲ ገይራ ብዝብል ተኸሲሳ ንዓሰርተ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ።

ዳግም ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ከኣ ኣርስ ተዓዊቱ።

ሞራለስ፡ መሓዛ ኦፕሬዝደንት ኣርስ እዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሞራለስ፡ መሓዛ ኦፕሬዝደንት ኣርስ እዩ ነይሩ

ሞራለስ፡ ካብ ውድድር መረጻ ዝእለ እንተዀይኑ ኣብ ቦሊቭያ "ማሕበራዊ ናዕቢ ከም ዝለዓል ክገብር’የ" ክብል ድሕሪ ምሕናዩ፡ እቲ ንዕኡ ዝተክአ ፕሬዝደንት ሕጹይ ኰይነ ከይቐርብ የሰናኽለኒ ኣሎ ክብል ይኸሶ።

ንሱ፡ ፈላማይ ካብ ደቀ’ባት ዝመጽአ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኰይኑ፡ ካብ 2006 ክሳብ 2019 ኣብ ስልጣን ጸኒሑ። ክሳብ ሕጂ ድማ ተፈታዊ ግን ከኣ ኣካታዒ ሰብ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ሞራለስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ፕሬዝደንት ኣርስን ጀነራል ዙኒጋን ዝሳተፍሉ “ጸሊም ውጥን” ከም ዘሎ የጠንቅቕ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ወተሃደራት ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ኣብ ክንዲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ክሕዝ ምፍቃድ፡ ፕሬዝደንት ኣርስ ንሓጺር ግዜ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣለዎ ብምባል ህዝቢ ንዴሞክራሲ ክከላኸል ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ኣርስ፡ ነቲ ጀነራል ኣዛዚ ሰራዊት ክኸውን ብ2022 እዩ ሸይሙዎ። ክልቲኦም ድማ ነቐፍቲ ሞራለስ ኰይኖም ጸኒሖም።

ዙኒጋ ብሰኑይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር “ንሕገ መንግስቲ ከይረግጽ” ክኽልክሎ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ብሮቡዕ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ ግን እቲ ጀነራል፡ ኣርስ “ህዝባውነቱ ንምዕባይ” ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣወሃሂዱዎ ክብል ከሲሱ።

ዙኒጋ ነዚ መርትዖ ኣየቕረበን፤ ትርጉም ናይዞም ፍጻመታት’ውን ገና ኣይተፈልጠን።

3. ኣብ ስግኣት ዝወደቐ ቁጠባ ቦሊቪያ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቦሊቭያ፡ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ቁጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ኣብ ዘላትሉ ህሞት’ዩ ዘይምርግጋእ ዘጋጥም ዘሎ።

ብዙሓት ጐረባብታ ብልዑል ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ዝሳቐያሉ እዋን፡ ንዓመታት ቁጠባ ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣብ ላቲን ኣመሪካ ጐሊሑ ክረአ እንከሎ፡ ቅልጡፍ ዕብየት፣ ምርግጋእን ትሑት ዝቕባበ ዋጋን የስተማቕር ነይሩ።

ይኹን’ምበር ቦሊቭያ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ካብተን ዝለዓለ መጠን ድኽነት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።

ባጤራኣ ብቐጻሊ ምንቁልቋል ዋጋ የጋጥሞ ስለ ዘሎ ሰባት ወግዓዊ ብዘይኰነ መገዲ ዶላር ኣመሪካ እዮም ዝጥቀሙ።

ግን ድማ ዶላር ኣመሪካ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ሙሁራት ስነ-ቑጠባ “ቁጠባዊ ተኣምር ቦሊቭያ” ብምባል ዝገልጹዎ ዝነበሩ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ የውድቘ ኣሎ።

ሕጽረት ዶላር ኣመሪካ ንኣታውን ሰደድን ዝጸልዎ ኰይኑ ቦሊቭያውያን ድማ ከም ሩዝን ኮሚደረን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሃለኽቲ ንምዕዳግ ገንዘብ ክሓጽሮም ጀሚሩ ኣሎ።

ክኢላ ቁጠባ ጃሚ ደን፡ "እቲ ሕጽረት ዶላር ኣመሪካ፡ ብኸፊል ሞራለስ ብ2006 ኢንዳስትሪ ሃይድሮካርበን ድሕሪ ምትብባዑ ፍርያት ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ብምንካዩ ዝስዓበ’ዩ" ይብል።

እታ ሃገር፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ሞራለስን ኣርስን ዓበይቲ ማሕበራዊ መደባት ንምውጋን ዶላር ኣመሪካ ተጠቒማ እያ።

“እዚ ኣብታ ሃገር ቅልውላው ፈጢሩ። ዋላ እኳ እቶት እንተወረደ፡ እቲ ወጻኢታት ግን ኣዝዩ ልዑል ኰይኑ ጸኒሑ። ካብ 2014 ጀሚሩ፡ ኣታዊታት ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ብናይ ደገን ውሽጣውን ዕዳ ተተኪኡ” ይብል ዳን።

ቦሊቭያ 56 ሚኢታዊት ካብቲ እትጥቀመሉ ነዳዲን 86 ሚኢታዊት ናይቲ እትጥቀመሉ ናፍጣን ካብ ወጻኢ ከም እትኣቱ ፕረዚደንት ኣርስ ይገልጽ።

ሕጂ፡ ቦሊቭያ ዘድልያ ነዳዲ ካብ ወጻኢ ንምእታው እኹል ዶላር ከም ዘይብላ ክኢላታት የጠንቅቑ። እዚ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተቓውሞታት ክውስኽ ይገብር ኣሎ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ነቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ዝተባህለ ኰኒነንኦ እየን።

ተንተንቲ፡ እዚ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐን ብሕማቕ ዝተገምገመን ፍጻመ ወተሃደራዊ ናዕቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።