ኣልጋነሽ፡ ብባህላዊ መግቢ ኣብ ኣሜሪካ ዝና ዝረኸበት ከሻኒት

ኣልጋነሽ፡ ኣብታ ትሽዓተ ውሉዳት ዝፈረየት ስድራቤት፡ ንወላዲታ ክትሕግዝ ክትብል ብዝለመደቶ ሞያ እያ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ፍልጥቲ ከሻኒት ክትከውን በቒዓ ዘላ።

“ኣብ ገዛና 9 ኣሕዋት ኢና። ኣነ ድማ ካብ ኣዋልድ ኣሕዋተይ በዅሪ ብምዃነይ ምስ ኣደይ ምስውስው እናበልኩ ምኽሻን ተማሂረ። በዚ ኸኣ ኣሜሪካ ምስ ኣተኹ ኣይተሸገርኩን፡” ኢላ ዕላላ ትጅምር ኣልጋነሽ።

ምግቢ ሰሪሕካ ሰባት ምዕዳም ኣመና የሐጕሳ ስለዝነበረ ኸኣ፡ ብፍላይ ኣብ መዓልቲ “ታንክስ ጊቪን” ንኣሕዋተይን ኣዕሩኽቶምን ንዝፈልጡና ኤርትራዊያንን እዕድም ነይረ፡” ብምባል፡ ክእለታ ካብ ክሊ ስድራቤታ ወጺኡ ብኻልኦት ክፍለጠላ ዘይሓሰበቶ መገዲ ፈጠረ።

ሓደ መዓልቲ ኸኣ፡ ነዚ ምግቢ ከሺና ንቀረብታን ፈተውታን እትጋብዘሉ ዝነበረት ልምዲ ዝቕይር ኣጋጣሚ ተኸስተ።

ንኽእለታን ልምዳን እትፈልጥ ኣሜሪካዊት መሓዛኣ፡ “ኣርትስ ራይት ዝበሃሉ ሓደስቲ ቤት መግቢ ስለዘለው ምስኦም ኴንኪ ናይ ባህልኹም መግቢታት ዘይትሰርሒ፡ ብዙሕነት ባህሊ’ውን ስለዘየሎ ፈትንዮ፡” ዝብል ሓሳብ ሃበታ።

ኣልጋነሽ ግን ፈጺሙ ኣብ ሓሳባ ስለዘይነበረ ተማትአት። እታ መሓዛኣ ግን ንዓቕሚ ኣልጋነሽ ጽቡቕ ገይራ ስለዝተረድኣቶ ደጋጊማ ኣተባብዓታ። ብድሕሪ’ዚ ንሓንቲ ካልእ ኤርትራዊት መሓዛኣ እቲ ሓሳብ ኣካፈለታ’ሞ፡ ንሳውን፡ “እሞ ዘይንፍትኖ” ምስ በለታ፡ ተሰማሚዐን ናብቲ ቤት መግቢ ኸዳ።

ዋና እቲ ቤት መግቢ ነቲ ርእይዎ ይዅን ጥዒምዎ ዘይፈልጥ ዓይነት መግቢታት ኣብ ክሽነኡ ከፍቅድ ኣይደልየን ነይሩ። እንተዀነ ብሳላ እታ ነቲ ሓሳብ ዘበገሰት ኣሜሪካዊት ምሓዛኣ ንሓደ መዓልቲ ይፈትና ብምባል ክጅምራ ኣፍቀደለን።

ልዕሊ 95 ሚእታዊት ነበርቲ እታ ከተማ ጸዓዱ ኰይኖም፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሓበሻ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ እዮም።

እቲ ዝገርም ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ስርሐን ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሰባት ኣብታ ሓዳስ ረስቶራንት መጽኡ። በዚ ድማ ንዝሰዓባ 3-4 ዓመታት፡ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ እናፍቀዱለን ሰርሓ።

ብድሕሪኡ ግን ኣልጋነሽ ምሉእ ኣተኵሮ ሂበ ክሰርሕ ኣለኒ ብምባል፡ ንዕኡ ገዲፋ ብውልቃ ክትዓዪ ጀመረት።

ስነመግቢ፡ ምድላው ጽንብልን ምኽሻንን ምምሃር ምስ ጀመረት ድማ ጽቡቕ ተቐባልነት ብምርካብ፡ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ኣብያተ መግቢታት ክትዕደም ጀመረት።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርከቡ ኣብያተ ምግብን ኣብያተ ትምህርትን ብዝገብሩላ ዕድመ ድማ ኣብ ክሽነኦምን ብሰራሕተኛታቶምን እናተሓገዘት ባህላን መግባን ከተላሊ ዕድላት ረኸበት።

ምስ ምምጻእ ኮቪድ ኵሉ ሰብ ኣብ ገዛኡ ተወሺቡ ብምንባሩ እቲ እናተንቀስቐሰት ትገብሮ ዝነበረት ስራሕ ደው ስለዝበለ፡ ካልእ መገዲ ምንዳይ ኣማራጺ ዘይነብሮ ጉዳይ ኰነ። በዓል ቤታ፡ ክልተአን ደቃ ኸኣ ትምህርቲ ኣቋሪጸን ኵሎም ኣብ ገዛ ስለዝነበሩ፡ እንታይ ንግበር ክብሉ ዘተዩ።

ንሳ እናከሸነት መግቢ ትሰርሕ፡ ደቃን በዓል ቤታን ከኣ ወብሳይት ብምስራሕ፡ ብምውዕዋዕ ይዅን መግቢ ናብ ዓማዊል ብምብጽጻሕ ሓገዝዋ። ንኤርትራን ኢትዮጵያን ክውክለላ ብምሕሳብ ከኣ ንትካላ “ቴስት ኦፍ ኣብሲንያ” [መቐረት ኣቢስንያ] ኢላ ሰመየቶ።

ብተወሳኺ፡ ኣሰራርሓ መግቢ ብማንዛ ክትምህር ጀመረት። ዕጽዋ ኮቪድ ኣብቂዑ፡ ኵሉ ናብ ንቡር ምስ ተመልሰ፡ ደቃ’ውን ናብ ትምህርተንን ስርሐንን ተምለሳ። ንሳ ኸኣ ነቲ ስርሓ ትእዛዝ ብምቕባል ናብ ወሲድካ ምኻድ (ቴክ ኣወይ) ብምቕያር ቀጸለት።

ነዛ ሎሚ ኣዝያ ጽቡቅ ትኸደላ ዘላ፡ ንሽልማት ጃምስ ቢርድ ኣዋርድ ዝተረቛሕኩ’ውን ብእኣ’ዩ ዝኸውን እትብላ ‘ፍሬንድስ ኤንድ ፋሚሊ ዲነር’ እትፍለጥ ወትሩ ረቡዕ እተዳልዋ’ውን እውን ድሕሪ ኮቪድ ዘተኣታተወታ እያ።

“ሰሙናዊ ክሳብ 85 ትእዛዝ እናተቐበልኩ እሰርሕ፡ ናይ መርዓን ካልእ ልዕሊ ዓሰርተ ሰብ ዝሓዘ እንግዶት ንዘለዎም እውን መግቢ የዳሉ እየ። ሕጂ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት ድሮ ተእዛዝ ተቐቢለ ኣለኹ” ብምባል እቲ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋትሉ ዘላ ሽልማት ‘ጀምስ ቢርድ ኣዋርድ’ ብስርሓ ጽቡቕ ተፈላጥነትን ዕዳጋን ክትረክብ ከምዘኽኣላ ትዛረብ።

ኣልጋነሽ፡ ንተመሃሮ መባእታ ደረጃን ኮለጅን ንደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ትምህር። ኣብቲ እትምህሮ ግብራውን ክልሰ ሓሳባውን ትምህርቲ፡ ኣሰራርሓ ባህላዊ መግቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ተመሃሮኣ ብባህላዊ ኣገባብ፡ ኣብ መኣዲ ከቢባ ኮፍ ብምባል ብዛዕባ ባህላዊ ስርዓተ መኣዲ ‘ውን ተስተምህር።

ጀምስ ቢርድ ኣዋርድ እንታይ እዩ?

ኣልጋነሽ፡ ኣብዚ እዋን ሓንቲ ካብቶም ንሽልማት ጀምስ ቢርድ ኣዋርድ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሑ ከሸንቲ ኰይና ተሓጽያ ኣላ። እዚ ብደረጃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝግበር ምርቛሕ ብሉጻት ከሸንቲ፡ ‘ኦስካር መግቢ ዓለም’ ተባሂሉ’ውን ይጥቀስ እዩ።

እዚ ብ 1990 ዝጀመረ ኣዝዩ ዓቢ ሽልማት፡ ዓቢይ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ኣብ ነፍስወከፍ ጥሪ ብዙሓት ዓበይቲ ከሸንቲ ኣሜሪካን ዓምዊሎምን ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ እዩ። እዚ ኣዋርድ፡ ነቶም ኣብ ዓውዲ ምግብን መስተን ዝነጥፉ ንምትብባዕን ንምሕጋዝን ዓሊሙ ዝተመስረተ እዩ።

ኣልጋነሽ መን እያ?

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እትነብር ኣልጋነሽ ሚኪኤል ቅድሚ 35 ዓመታት እያ ናብቲ ኣቦኣን ክልተ ኣሕዋታን ዝነብርዎ ሚኖሶታ ኣትያ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣልጋነሽ፡ መባእታ ኣብ ገዛ ከንሻ፡ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤ/ት ጐዳይፍ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ (ቀዳማዊ ሃይለስላሰ) ተማሂራ።

ስድራቤታ ኣብ ኣሜሪካ ስለዝጸንሑዋን ገና ንእሽቶ ብምንባራን፡ ከም ሓዳስ ስደተኛ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን’ኳ እንተዘይበለት፡ እትው ኢላ ክትመሃር ዝነበራ ድሌት ግን ኣይሰመረን።

ዝዀነ ሓገዝ ትምህርቲ ክትረክብ፡ ብውሑዱ ንሓደ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ክትቅመጥ ነይርዋ። ስለዚ ነታ ዓመት ምምራሕ መኪናን ትምህርቲ ቋንቋን እናተማህረት ኣሕለፈታ።

ብድሕሪ’ዚ ትምህርቲ ክትጅምር እንከላ፡ ዓበይቲ ኣሕዋታ፡ ኮምፒተር ሳይንስ ወይ ምህንድስና ክትመሃር ኣማኸርዋ። ወላዲኣ እውን እቲ ንሳ ትፈትዎን ትመሃሮን ክትገብር ኣተባባዓ።

ኣልጋነሽ ግን፡ ቀልጢፋ ስራሕ ትረኽበሉ ብምሕሳብ፡ ብ‘ኣስሰይት ዲግሪ’ ትምህርቲ ወሲዳ ብምምሃር ኣብ ሓደ ሆስፒታል ምስ ጕጅለ ሓካይም ስራሕ ጀመረት። ኣብኡ እናሰርሐት ድማ ማስተርስ ዲግሪ ዝነበረን ክኢልታት መደንዘዚ ዝዀና ነርሳት ደቀስንትዮ ትርኢ ስለዝነበረት፡ ከይተፈለጣ ኣላይት ሕሙማት ናይ ምዃን ባህጊን ፍቅርን ኣሕደረት።

ምርጫኣ ብምንጻር ከኣ ብነርሲን ዲግሪ ተማሂራ ወድአት። ብድሕሪ’ዚ ኣልጋነሽ ሓዳር ብምግባር ደቃ ከተዕቢ ስራሕ ኣቋረጸት። በዓል ቤታ ስራሕ ብምቕያሩ ድማ፡ ኣብ 2003 ምስ ክልተ ደቈም፡ ቨርሞንት ናብ እትብሃል ንእሽቶ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ገዓዙ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብኡ ይነብሩ። ዝተማህረቶ ነርሲን ይዅን እምበር፡ በቲ ድሒራ ዝጀመረቶ እትፈትዎን ትዓግበሉን ናይ ውልቃ ስራሕ ምኽሻን’ውን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ምስቶም ተሞክሮን ፍልጠትን ነዊሕ ዓመታት ዘለዎም ዓለምለኻውያን ከሸንቲ ክትርቋሕ ዝበቕዐት ወሓለ ከሻኒት እያ።

ኣልጋነሽ፡ ኣብ ስደት ዘለዋ ደቀንስትዮ ክመሃራ ትመክር። ብተወሳኺ ገለ ገለ ሰባት፡ “ካብ ሕክምናስ ናብ ክሽነ” ብምባል ዘየተባባዑኒ ኣለዉ፤ እዚ ግን ካብቲ ዝፈትዎን ዘዕግበንን ስራሕ ኣይዓገተንን። ስለዚ ደቅኽን እናዕበኽን ይዅን እናሰራሕክን እቲ ብውሽጥኽን ደስ ዝብለክን ኣለሊኽን ስራሕ ከይንዓቕክን ክትሰርሓን ሓደራ እብል፡” ክትብል ተመኵሮኣ ተካፍል።