እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተኣሲሮም ዝጸንሑ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ይፍትሑ ኣለዉ
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጐ መንግስታት ኢትዮጵያን ትግራይን ድሕሪ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ ይፍትሑ ኣለዉ።
እቶም ነበር ኣባላት ሰራዊት፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጸሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ እዩ ዝፍትሑ ዘለዉ።
ኣብ ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ፡ ነቲ ክልል ዝመርሕ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕሪ ምምስራቱ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ላዕለዎት ሲቪልን ወተሃደራውን መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ከምዝተፈትሑ ዝዝከር እዩ።
ሰብ መዚ ትግራይ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ልዕሊ 17 ሸሕ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፈደራልን ዝነበሩ ተጋሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝገለጹ ኰይኖም መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግን “ፖለቲካዊ” ውሳነ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ብዛዕባ ብዝሒ እቶም ኣባላት ሰራዊት ይዅን ምኽንያት መእሰሪኦም ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን ነይሮም።
እንተዀነ ምስ ህወሓት ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ እዚ ሰሜን ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክፍጸም ገይሮም ኢሎም ንዝኸሰሱዎም ተጋሩ፡ ወተደራዊ መራሕቲ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ገሊጾም ነይሮም።
'ቅትለታት ነይሩ'
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ከባቢ ጂግጀጋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዝተፈትሑ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ቴሌቪዥን ትግራይ ብወገና ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኣባያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ልዕሊ 1500 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ ተጋሩ 8 ሚያዝያ 2023 ከምዝተፈትሑ ጸብጺባ።
እቶም ኣባላት ብ 13 ሕዳር 2020 ከምዝተኣሰሩ ዝሓበረት ተሌቪዥን ትግራይ፡ ካልኦት ካብ ጂግጂጋ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ገርባሳ ዝነበሩ ኣስታት 2000 ኣባላት እውን ብዓርቢ ከምዝተፈትሑ ኣቃሊሓ።
ካብቶም ኣብ ምዕራብ ኣባያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓደ ዝዀነ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ሰራዊት፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክፍትሑ ምዃኖም ከምዝተነገሮምን፡ ብቐዳም ከምዝተፈትሑን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ናይ ሓደ ወርሒ ፍቓድ ተዋሂቡና ኣሎ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ በብክፍልና ኣቲና ሪፖርት ክንገብር፤ ድሕሪኡ እንተስ ኣብ ዝነበርናዮ ክንቅጽል ወይ እውን ናብ ካልእ ክንምደብ ንኽእል ኢና” ኢሉ።
“ንሕና ብመንነትና ምኽንያት ኢና ተኣሲርና ኢልና ኢና እንኣምን” ዝብል እቲ ውልቀ ሰብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ “ንዝበጽሓና በደላት ይቕረታ ክሓቱና ተጸቢና ኔርና” ኢሉ።
“ንስኻትኩም ዝተኣሰርኩምሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ስዒቡ ነታ ሃገር ንምድሓን፡ ብወገንኩም እውን ኣድላዪ ዘይኮነ ምንቅስቓሳት ስለዝነበረ፡ ብዘለና ዓቕሚ ንምቍጽጻር፡ ከምኡ'ውን ንድሕነትኩም ክበሃል፡ ተገዲድና ናብ መዳጐኒ ኣእቲናኩም። ብናይ ውልቀ ሰባት ኣተሓሕዛ ምኽንያት እውን በደል በጺሕኩም ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሎምና ይብል።
ኣብቲ ንሱ ዝተኣሰረሉ ምዕራብ ኣባያ ጽቡቕ ዘይኰነ ኣተሓሕዛ እሱራት ከምዝነበረ ዝገልጽ እቲ ነበር ኣባል ሰራዊት ምክልኻል፡ መውቃዕትን ቅትለትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሞም ተዛሪቡ።
“ብዙሕ መውቃዕቲ ነይሩ። ኢዶም ዝተሰበሩ ኣለዉ። ቅትለት እውን ነይሩ። ህይወት ልዕሊ 80 ሰባት ዝኸፈልናሉ ቅትለት ነይሩ። እቲ ኣተሓሕዛ ምስቲ ኵነታት ይለዋወጥ ነይሩ። ኲናት ኣብ ዘይብሉ እዋን እቲ ኣተሓሕዛ ደሓን ይኸውን። ኲናት ኣብ ዝጅምረሉ ግና እቲ ገመድ ይጠብቅ ነይሩ።”
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ፡ ምፍታሕ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ተዳጒኖም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ነበር ዝተወሃበ መግለጺ የለን።
ቢቢሲ ብዛዕባ ምፍታሕ እቶም ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ነበርን ዘቕረብዎም ክስታት ጥሕሰት መሰላትን ኣምልኪቱ ካብ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምላሽን መብርህን ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ተጀሚሩ ንኸልተ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ህይወት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከምዝበልዐ ዝግመት ኰይኑ ብሚልዮን ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ቤቶም ክፈናቐሉን ንሕሱም ሰብኣዊ ቅልውላው ክሳጥሑን ገይሩ እዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ድማ ኲናት ደው ዝበለ ኰይኑ ክልቲኦም ወገናት ኵነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሑ ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ።