ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም እንታይ'ዩ ዘጋጥሞ ዘሎ?

ቡን ዝኣርያ ሰራሕተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክርከቦ ጸኒሑ’ሎ።

ኣብ በጀት ዓመት 2015 [ግእዝ] ድማ ልዕሊ 240 ሽሕ ቶን ቡን ናብ ዕዳጋ ወጻኢ ተላኢኹ።

ኣብዚ ዓመት ስዑዲ ዓረብ፡ ጀርመን፡ ኣሜሪካ፡ ኮርያ፡ ቤልጅየም፡ ጃፓንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቡን ኢትዮጵያ ብብዝሒ ዝገዝኣ ሃገራት እየን።

ኣብ 2014 [ግ] ከኣ ኣስታት 300 ሽሕ ቶን ቡን ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ ነይሩ።

ኣብዚ ዓመት 360 ሽሕ ቶን ቡን ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ መደብ ተታሒዙ፡ ካብዚ ኸኣ 1.8 ቢልዮን ዶላር ንምእካብ ውጥን ከምዝነበረ ይግለጽ።

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ሎሚ ዓመት ናብ ዕዳጋ ወጻኢ ዝቐርብ ቡን ብኣስታት 60 ሽሕ ቶን ነክዩ’ሎ።

ናብ ዕዳጋ ሰደድ ዝቐርብ መጠን ቡን ንምንካይ ከኣ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ይቐርቡ።

ዋና ዳይረክተር በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ እቲ ቀንዲ ፀገም ካብ ምንካይ ዋጋን ጠለብን ቡን ዓለም ዝነቅል ምዃኑ ይዛረብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ጸገም ጸጥታ እውን ቡን ናብ ዕዳጋ ንኸይቀርብ ዕንቅፋት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ካብ ገለ ከባቢታት ክሳብ 50 ሚእታዊት ቡን ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ከምዘይከኣለ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተዘርጊሑ ነይሩ።

ብዛዕባ’ዚ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ጸጥታዊ ጸገም ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ጉጂን ወለጋን - ክልል ኦሮሚያ - ፀገም ከምዝነበረ ሓቢሩ።

“ፈለማ ሰደድ ቡን ዝነከየሉ ኵነታት ነይሩ። ይዅን እምበር በዚ ደረጃ ፍርያት ቡን ነክዩ ምባል ዝተጋነነ እዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 300 ሽሕ ቶን፡ ኣብዚ ዓመት ድማ 240 ሽሕ ቶን ናብ ዕዳጋ ዓለም ከምዝቐረበ ብምሕባር፡ መጠን ሃልኪ ቡን ውሽጢ ዓዲ ኣብ ግምት ብምእታው ግን ሕጽረት ቡን ከምዘየለ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ "ንሰደድ ዝኸውን እኹል ቡን ኣብ ኢድና ኣሎ" ኢሉ።

ሓላፊ ክፍሊ ንግዲ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣፍረይቲ ቡን ኦሮሚያ ኣቶ ምትኩ በቀለ ብወገኑ፡ ካብ ክልል ኦሮምያ ብፍላይ ድማ ካብ ዞባ ወለጋ ዝመጽእ ቡን ነክዩ ንዝብል ሓበሬታ ከምዘይቅበሎ ይገልጽ።

ማሕበሮም ኣብቲ ክልል ቡን ምስ ዘፍርያ 12 ዞባታት ከምዝሰርሕ ብምሕባር፡ ኣብተን ከባቢታት "ዝወረደ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘየለ" ኣመልኪቱ።

ካብ ክልል ሲዳማ፡ ቡን ናብ ወጻኢ ዝልእኽ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ውልቀሰብ ድማ ካብ ከባቢኦም ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ቡን ዝተፈላለየ ስግኣታት ከምዘንጸላለዎ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ምንቁልቋል ዋጋታት ቡን ዓለም እዩ፤ ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ቁጠባዊ ምዝሕሓል ጠንቂ ምንካይ ጠለብ ቡን ከም ዝዀነ ይጠቅስ።

ነጋዶ ለኣኽቲ ቡን’ውን ንዕዳጋ ዓለም ኣብ ግምት ከየእተዉን ባጤራ ብር ኢትዮጵያ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ክዳኸም እዩ ካብ ዝብል ስግኣትን፡ ኣብቲ ቡን ብዝለዓለ መጠን ዝእከበሉ ወርሓት ታሕሳስን ጥሪን ብኽቡር ዋጋ ገዚኦም ከምዝኸዘኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብ6500 ብር ዝተዓደገ ኩንታል ቡን ኣብ ዕዳጋ ዓለም 5500 ብር እኳ ከምዘየምጽእ ንቢቢሲ ተዛሪቡ’ሎ።

ምንካይ ዋጋ ቡን ብጭቡጥ ከምዘሎ ዝሰማማዕ ዶክተር ኣዱኛ፡ "ዋጋ ቡን ዓለም ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብልዕሊ 30 ሚእታዊት ወሪዱ'ሎ" ይብል።

ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ቁጠባ ዓለም ብምዝሓሉ ጠለብ ምግዛእ ቡን ከምዝነከየ ኣመልኪቱ።

ነዚ ጸገም ንምቅላል ብዝብል ድማ ሓረስቶት፡ ኣቕረብቲን ሰደድትን ዓለምለኸ ዋጋታት ቡን በብእዋኑ ክፈልጡ ይግበር’ዩ ዘሎ። ዕላማኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ዋጋታት ቡን ብመሰረት ዓለምለኸ ዋጋታት ክምራሕ እዩ።

እቲ ካልእ ጸገም ድማ ምዝሕሓል ጠለብ ስለዝዀነ ሓደስቲ ዕድላት ዕዳጋ ንምስፋሕ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።

“ሓድሽ ዕድላት ዕዳጋ ምእላሽ፡ ኣብ ነባራት ዕዳጋታት ናይ ምጽናሕ ዕድላት ምስፋሕ፡ ብፍላይ ናብ ዕዳጋ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ንምእታው ሰፊሕ ጻዕሪታት ይግበር ኣሎ" ይብል ዶክተር ኣዱኛ።

ባንክታት፡ “ልቓሕ ምሃብ ኣቋሪጸን” ኣብ ዝበሃላሉ ደረጃ ከምዝርከባ ዝገልጽ፡ እቲ ቡን ሲዳማ ዝልእኽ ነጋዳይ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ጸገም ምዃኑ ይጠቅስ።

ቅድሚ ሎሚ ውዕል ሰደድ ዘይብሎም እውን ልቓሕ ይረኽቡ ከምዝነበሩ ዘዘኻኽር እቲ ለኣኺ ቡን፡ ኣብዚ እዋን ግን “ኮንትራት ይሃልኻ፡ ዋላ’ውን ዶላር ኣእቲኻ ልቓሕ ምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ሎ” ይብል።

እዚ ቅኑዕ ሓበሬታ ኣይኮነን ዝብል ዶክተር ኣዱኛ ግን፡ "እኹል ልቓሕ ተዋሂብዎም ቡን ዓዲጐም እዮም" ክብል ተቓውሞኡ ይገልፅ።

እቶም ለኣኽቲ ነቲ ቡን ናብ ዕዳጋ ዘየቕረቡሉ ምኽንያት፡ ዓለማዊ ዋጋታት ኣብ ግምት ብዘየእተወ ኣገባብ ቡን ስለዝገዝኡ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

እቲ ነጋዳይ ቡን ሲዳማ፡ ካልእ ብድሆ ከምዘለዎም'ውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ጸገም ከኣ ናይ ሎጂስቲክስን ስርቅን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

“ኣብ መንገዲ እንታይ ከም ዘጋጥመካ ፈጺምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ ቡን ይስረቕ’ዩ። ኣብ ኮንተይነር ተዓሺጉ እናሃለወ’ውን ኣብ ጅቡቲ ክስረቕ ይኽእል እዩ” ይብል።

ኣቕረብቲ ዝሓዝዎ ቡን ብቐጥታ ናብ ሰደድቲ ዘቕርብሉ ስርዓት ተዘርጊሑ እዩ ዘሎ። በዚ ኣገባብ ድማ ካብ ማእከል ኣዋሳ፡ ቡን ደረጃታት ይወሃቦ፤ መሰነይታ ምስክር ወረቐት ተዋሂብዎ ድማ ናብ ማእከላይ ዕዳጋ የምርሕ።

እቲ ዝወሃብ መረዳእታ ንመጠን እቲ ቡን፡ ደረጃኡ፡ ታርጋ መኪናን መንነት መራሒ መኪናን ዘጠቓልል እዩ።

ነዚ ሓበሬታ ብምጥቃም እቲ ቡን ንዝተፈላለዩ ኬላታት ሓሊፉ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምብጽሑ እቲ ዝዓበየ መፈተሺ ነቝጣ ቱሉ ዲምቱ እዩ ዘሎ።

ነዚ ዓብይ መፈተሺ ነቝጣ ድሕሪ ምሕላፉ ግን ልዕሊ ሓደ ግዜ ቡን ከም ዝተሰረቐ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነጋዳይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ ንኣብ ሓበሬታኡ እቶም፡ “ኣካላት መንግስቲ” ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት፡ “ካልእ ነገር ጽዒንካ ኣለኻ፤ ትድለ ኢኻ” ብዝብል ነተን መኻይን ምስ ጽዕነተንን ዘወርተንን ናብ ካልእ ቦታ ከምዝወስድዎም ተዛሪቡ።

በዚ ኵነታት ዝጠፍአት ሓንቲ መኪና ድሕሪ መዓልታት ከምዝተረኸበት እውን ጠቒሱ።

ኣብ ካልኦት ዝፈልጦም ክልተ ሰባት እውን ተመሳሳሊ ነገር ከም ዘጋጠሞም ብምሕባር፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግን እቲ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ሽፍታ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዘ ገሊጹ። ይዅን’ምበር እቲ በዚ ተግባር ኢድ ብኢድ ዝተታሕዘ ውልቀሰብ ዝዀነ መቕጻዕቲ ከምዘይተቐጽዐ ብቝጥዐ ተዛሪቡ።

ንሱ’ውን ካብ መኽዝን ብሚልዮናት ዝግመት ቡን ብተደጋጋሚ ከምዝተሰረቖን በዚ ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከምዘየለን ወሲኹ ይገልጽ።

"እዚ ኣብ መጻኢ ንሰደድ ስግኣት'ዩ" ይብል።

ወሲኹ፡ “ኣብ ምፍራይ ጸገም የለን። ኣብ መኽዘናት ቡን መሊኡ ኣሎ። እቲ ዕዳጋ ክቡር ስለዝዀነ እዩ ጠፊኡ ዘሎ። እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ነጋዳይ ስለዝፈርሕ ቡን የጽዕን የለን። ኣብዚ እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ቡን ምምጻእ ይዅን ኣብ መኽዘን ምኽዛን ዘፍርሕ ስለ ዝዀነ ርግጸኛ ኴንካ ኣምጺእካ ዕዳጋ ከተናዲ ኣይትደልይን” ክብል ኣረዲኡ።

ቡን

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock

ከምዚ ዓይነት ምልክታት ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ወርሒ’ውን ከምዝተራእየ ዝዛረብ ዶክተር ኣዱኛ፡ "እዚ ምስ ፖሊስ ፈደራልን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ብምትሕባባር ነቲ ናብታ ከተማ ዝኣቱ ቡን ሓለዋ ይግበር ብምህላዉ፡ ኣብዚ እዋን ጸገም የለን" ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ።

ኣቶ ምትኩ ብወገኑ፡ ምስ ስርቂ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሞ ጸገም ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

የግዳስ ብሰንኪ ድሕንነት ጸገም ጽሬት የጋጥሞም ከምዘሎ ጠቒሱ። ዋላ እኳ ቡን በብሓደ ብኢድ ክልቀም እንተተገብአ፡ ውሕስነት ኣብ ዘይብሉ ከባቢታት ዝርከቡ ሓረስቶት ግን ብሰንኪ ስግኣት ነቲ ቡን ቀልጢፎም ክእክብዎ እዮም ዝፍትኑ።

“ቡን ሰንባዲ እዩ፤ እዚ ከኣ ጽሬት ክጎድል ይገብር። ነዚ ዓመት ጥራይ ዘይኮነስ ንዝቕጽል ዓመት እውን ጽሬት ዘለዎ ቡን ንኸይፈሪ ምኽንያት ይኸውን። ብሰንኪ'ዚ ናባና ክመጽእ እንከሎ ዓዳጊ ይስእን" ኢሉ።

ዋና ዳይረክተር በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ዶክተር ኣዱኛ፡ ኣብ ጽሬት ቡን ብዙሓት ዕማማት ከምዝተሳልጡ፣ ኣብ ስልጠናን መቓን ጽሬትን ይሰርሑ ከምዘለውን ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ ማእከላት ምጥዓም ቡን ናብ ክልላት ንምስፋሕ፡ ኣብ ጂማን ሃዋሳን እውን ከምዝተመስረታ ኣፍሊጡ።

ካብ ክልል ሲዳማ ናብ ዕዳጋ ወጻኢ ቡን ዘቕርቡ ለኣኽቲ፡ ኣብ ኢዶም ዘሎ ቡን ናብ ዕዳጋ እንተቕረቡ’ኳ "ካልኦት ሰደድቲ ግን እንታይ ከምዝፍጠር ኮፍ ኢሎም ይጽበዩ ኣለው። ናይ መብዛሕትኦም ለኣኽቲ ቡን ኣብ መኽዘን ኮፍ ኢሉ እዩ ዘሎ" ይብል።

ንመፍትሒኡ ኣብ ዝምልከት ኣማራጺታት ተሓቲቱ ድማ፡ "እቲ ለኣኺ ከምዝኸሰረ ፈሊጡን ንነብሱ ኣእሚኑን ነቲ ቡን ናብ ዕዳጋ ከም ዝወጽእ ምግባር እዩ። ኣብ ጽላት ንግዲ ቡን ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን እዋን ኢና ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።

"ኣብ ሓንቲ ኮንተይነር ዝጸዓን ቡን፡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሚልዮን ብር እዩ ዋጋኡ። እዚ እንተጠፊኡ ከኣ ምልስ ኢሉ ዝርእየኒ ሰብ’ውን የለን። እዚ ኣብታ ሃገር እምነት ክትስእንን ተስፋ ቈሪጽካ ክትወጽእን እዩ ዝገብረካ። መንግስቲ ነዚ ቆላሕታ ክገብረሉ ይግባእ። ሰበስልጣን ንመሻርኽቲ ኣካላት ረኺቦም እንታይ ዓይነት ጸገማት ከምዝገጠሞም ክዝትዩ ኣለዎም። ሰበስልጣን ግን እናፈለጡ ስቕ'ዮም ዝብሉ" ኢሉ።

በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ካብ ቡን ዝረኽቦ እቶት ናብ 2 ቢልዮን ዶላር ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልጽ።

እኹል ምህርቲ ካብ ምህላው ብተወሳኺ፡ ሓደስቲ ቡን እውን ክፈርዩ ትፅቢት ይግበር። ጽሬት እውን ኣቓልቦ ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።