ምስ ባርዕን ውሕጅን ዝቃለሳ ዘለዋ ከተማታት ኣውስትራልያ

ብስግኣት ባርዕ ሓዊ ተዋሒጠን ዝጸንሓ ሓያለ ከተማታት ኣውስትራልያ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ንውሕጅ ይዳለዋ ኣለዋ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባ ቪክቶርያ ጊፕስላንድን ደቡባዊ ገማግም ኒው ሳውዝ ወልስን ጫካታት ብባርዕ ሓዊ ተቓጺሎም እዮም።

ክልቲኦም ከባቢታት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብባርዕ ጫካታት ኣውስትራልያ “ጸሊም ሓጋይ” ኣዝዮም ተሃስዮም ነይሮም።

ሕጂ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ ገለ ዕረፍቲ ይህብ ኣሎ፤ እንተዀነ መጠንቀቕታ ውሕጅ እውን ኣበጊሱ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ እታ ሃገር ብክሊማዊ ለውጢ ካብ ምህሳያ ብዝብገስ ካብ ሓደ ሓደጋ ናብ ካልእ ሓደጋ ክትሰጋገር ጸኒሓ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ሎሚ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “እዚ ሓደ ካብቲ መንግሰተይ … ኣብ ለውጢ ክሊማ ስጕምቲ ቈራጽ ውሳነ ዝወሰደሉ ምኽንያት'ዩ” ኢሉ።

ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣብቲ ሰብመዚ ድሕሪ ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ሓደገኛ ናይ ባርዕ ወቕቲ ክኸውን ዝጽበይዎ ወቕቲ ኣብ እትኣትወሉ ዘላ እዋን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሓደጋ ባርዕ ከጋጥም ጸኒሑ።

ኣብ ጊፕስላንድ - ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቪክቶርያ ዝርከብ ገጠር - ኣማኢት ኣባላት ምጥፋእ ሓዊ ንሓያሎ መዓልታት ክልተ ከበድቲ ባርዕ ክቃለሱ ቀንዮም።

በዚ ምኽንያት ሰባት ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ክወጽኡ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ብውሑድ ሓደ ገዛ ጉድኣት ወሪድዎ።

ከምኡ’ውን ሰበስልጣን ኒው ሳውዝ ወልስ’ውን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጐልጐል ቤጋ ሓያሎ ኣባይቲ ብባርዕ ሓዊ ከም ዝዓነዉ ኣረጋጊጾም።

ኣብ መላእ ክልቲአን ግዝኣታት፡ እቲ ባርዕ ኣስታት 25 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣቃጺሉ'ሎ - እዚ ድማ ብግምት ሓሙሽተ ዕጽፊ ደሴት ማንሃተን እዩ።

ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ ብርቱዕ ዛሕሊ ክኣ ሎሚ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ብርቱዕ ዝናብ ኣስዒቡ ኣሎ።

እዚ ድማ ሰበስልጣን መጠንቀቕታታት ንኽህቡ ምኽንያት ኰይኑ፡ ሰባት ክመጽእ ንዝኽእል ብልጭታን ውሕጅ ሩባታትን ክዳለዉ ኣተሓሳሲቦም።

በቲ ሃልሃልታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቓ ከተማታት ዞባ ጊፕስላንድ፡ ሕጂ ብሓደጋ ውሕጅ ከይጥቅዓ ልዑል ስግኣት ሓዲሩ ኣሎ።

ዋና ሓላፊ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ግዝኣት ቪክቶርያ ቲም ዊቡሽ ትማሊ ሰሉስ ንነበርቲ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡”በቶም ውሕጅ ዝበዝሖ ማያት መኪና ክትዝውሩ ኣይትፈትኑ፤ እዚ ናይ መወዳእታ እትወስድዎ ውሳነ’ዩ ክኸውን ዝኽእል” ኣጠንቂቑ።

ኣብ ደቡባዊ ገማግም ኒው ሳውዝ ዌልስን፡ እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታታት ገለ ዝናብ ረኺቡ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ቀንዲ ሓደጋ ውሕጅ ግን ኣብ ውሽጢ ኣብ ማእከል እታ ዓዲ ከም ዘጋጥም ተፈሊጡ።

ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ግዝኣት፡ ጽንኩር ሓደጋ ባርዕ ይቕጽል ኣሎ - ውዑይ፡ ደረቕን ንፋስ ዝበዝሖን ኵነታት ክኣ ኣብ ገለ ከባቢታት ፍጹም ባርዕ ሓዊ የበግስ።

ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተኸታታሊ ሓደጋታት ተሃስያ እያ - ከቢድ ድርቅን ታሪኻዊ ባርዕ ጫካን፡ ንተኸታተልቲ ዓመታት ክብረወሰን ዝሰበረ ውሕጅ ዝኣመሰሉ ከበድቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣሕሊፋ።

ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ መጻኢ ካብዚ ዝኸፍአ ሓደጋታት ክስዕብ ከም ዝኽእል ፓነል ለውጢ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት (IPCC) ኣብ ቀረባ ዘውጽኦ መግለጺ የጠንቅቕ።