ገለ ሰባት ብኸመይ’ዮም ጎየይቲ ዝዀኑ? ‘ጂን’ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይነግረና?

ጉያ፡ ኣብ ዓለም፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣትን ብዙሓት ሰባት ዘዘውትሩዎ ዘለውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ፡ ኣስታት 64 ሚሊዮን ጎየይቲ ኣለው። ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ወጋሕታ ገስጊሶም ወይ'ውን ኣማስዮም ብውሑድ ካብ 5 ክሳብ 10 ኪሎ ሜትሮ ብምጉያይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይገብሩ'ዮም።

ካብቶም ስሩዓት ውድድራት ወጻእ ብዙሓት ሰባት ክኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዝዳለው ውድድራት ማራቶን ይሳተፉ ኣለው።

ንኣብነት፡ ኣብ ኬንያ ዝተፈላለዩ ባንክታትን ካልኦት ኣካላትን ዘዳልዩዎም ማራቶናት፣ ኣብ ታንዛንያ ዝዳሎ ማራቶን ኪሊማንጃሮ ምጥቃስ ይክኣል።

እዚ ካብ 2021 ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ መተገብሪ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ስታርቫ ይገልጽ።

ኣብ 2023 ድማ፡ ልዕሊ 8.5 ሚሊዮን ጎየይቲ ሰሙናዊ ኣብ ዝካየዱ ፍጻሜታት ጉያ ንክሳተፉ ከም ዝተመዝገቡ ፓርክራን ይሕብር።

ጉያ፡ ክቡር ወጻኢታትን ናውታትን ዘይሓትት ኣካላዊ ምንቅስቓስ እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ብዙሓት ዝብሉዎ ናብ ክቡር 'ጂም' ምኻድ ወይ ክቡራት ናውታት ስፖርት ምዕዳግ ኣየድልየናን።

እንታይ ድኣ፡ ቅልል ዝበለ ናይ ስፖርት ክዳን ተኸዲንካ፡ ካብ ገዛኻ ምውጻእ ጥራይ እዩ ዝሓትት። ቀሊል’ዩ፤ ምናልባት?

ግን ድማ፡ እቶም ብቅልጡፋት ክጎዩ ዝኽእሉ ሰባት፡ ካብቶም ብዝወሓደ ናህሪ ዝጎዩ ሰባት እንታይ ይፈልዮም?

ኣብዚ ዙርያ፡ ሰረት ወለዶታት (ጀነቲክስ) ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ዘመላኽቱ መርትዖታት እናወሰኹ ይመጽኡ ኣለው።

ኪራ ማጌን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኦሎምፒክ 2024 ንምድላው ኣብ ኣሪዞና ኣብ ልዑል ቁመት ልምምድ ትገብር ኣላ።

ንሳ፡ ኣብ ጸወታታት ኮመንዌልዝን ቻምፒዮንሺፓት ኤውሮጳን ሜዳልያታት ብሩር ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ኣየርላንድ ብ800 ሜትሮ፡ 1000 ሜትሮ፡ 1500 ሜትሮን ክብረወሰን ኣለዋ።

ጓል 31 ኪራ ማጌን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንውድድር 5 ኪሎ ሜተር ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕን 13 ካልኢትን ጥራይ ብምዝዛም ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ፓርክራን ኰይና እያ።

እዚ ድማ ትሕቲ ፍርቂ ናይቲ ማእከላይ ናይ ምዝዛም ግዜ እዩ።

ኪራ ማጌን፡ ባህ ዝብል እወንታውነትን ፍቕሪ ጉያን ዘለዋ መንእሰይ እያ። ክእለታ ኣብ ጉያ ማእከላይ ርሕቐት ጐሊሑ ይርኣይ።

ኣብ ውሽጣ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ናይ ተወዳዳራይነት ወነ’ዩ ናብዚ መሪሑዋ።

“እቲ ኣብ ውድድር ዘሎ ፍናንን ኣድሪናሊንን ይፈትዎ’የ። ዝዀነ ነገር ንክገብር ክኣ ፍቓደኛ ነይረ። ተወዳዳሪት ንኽኸውን ንነብሰይ ኣብ ቃንዛ እንከይተረፈ ከጥሕላ ሰጋእ ዝብል ኣይነበርኩን። ግን፡ ኣዝየ ፈጣን ምዃነይ እፈልጥ ነይረ ድየ? ኣይፋልን” ትብል።

ከም ዕድል ኰይኑ ማጌን ብርግጽ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣትሌቲክስ ዝወስዳ ተፈጥሮኣዊ ክእለት ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።

“እቲ ጀነቲካዊ ባእታ ከይሓዝካ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣትሌቲክስ ክትወዳደር ዝክኣል ኰይኑ ኣይስምዓንን” ኢላ።

ተመራመርቲ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ “ፍጥነት ጂን” ኣሎ ድዩ ዝብል ክምርምሩ ጸኒሖም።

ንብቕዓት ስፖርት ክጸልዉ ዝኽእሉ ልዕሊ 200 ዝተፈላለዩ ጀነቲካዊ ፍልልያት ኣለው፤ ብውሑድ 20 ድማ ሓደ ሰብ ብሉጽ ኣትሌት ክኸውን ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ'ዮም።

እዚኦም ጥራይ ግን ንሓደ ሰብ ናብ ኣትሌት ኣይቕይሩዎን። ብሉጽ ኣትሌት ንምዃን ብዙሕ ዝተፈላለየ መንገድታት ኣሎ።

ግቡእ ስልጠናን ከባብያዊ ኩነታትን ተወሃሂዶም ንፉዕ ኣትሌት ክትኸውን ይሕግዙ።

እዚ ‘alpha-actinin-3’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ፍጥነት ጂን (ACTN3) ወይ ሰረት ወለዶ፡ ኣብ ጭዋዳታት ዘሎ ጭሕጐ ናይ ሓደ ሰብ ቅልጡፍ ምዝርጋሕን ጭዋዳን መሓውር ንክህሉ ዝሕግዝ ፕሮቲን እዩ።

ጭዋዳታት ዓጽሚ ብኣማኢት፡ ሓሓሊፉ ድማ ብኣሽሓት ብዝቑጸሩ ጽሕግታት ጭዋዳታት ዝቖሙ እዮም።

ዓይነት ሓደ ወይ "slow-twitch" ተባሂሎም ዝጽውዑ ጽሕጊታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጎየይቲ ነዊሕ ርሕቐትን ብሽክለኛታትን ዝርከቡ ኰይኖም፡ ዓይነት ክልተ ወይ "fast-twitch" ዝብሃሉ ድማ፡ ኣብ ከም ክብደት ዘልዕሉን ቅጽበታዊ ውድድራትን ዝነጥፉ ሰባት ብብዝሒ ይርከቡ።

ተመራማሪ ስፖርት ሄንሪ ቸንግን ጉጅልኡን፡ ሙሁራት ዩኒቨርሲቲ ኤሰክስ ዓባይ ብሪጣንያ እዮም።

እዞም ተመራመርቲ፡ ሰረት ወለዶ ኣብ ኣትሌቲክስ ዝምልከት መርመራታት ሓደ ስጉምቲ ንላዕሊ ወሲዶሞ ኣለዉ።

ኣብ ዲኤንኤ ካብ 20 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም 45 እንግሊዛውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡ ኣሽሓት ኣሰር ወለዶታት ኣጽኒዖም።

እዚኦም፡ ንክልተ ወርሒ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ን30 ደቓይቕ ይጐዩ ነይሮም።

“ብልሙድ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ኣብ ብቕዓት ልብን ስርዓት ምስትንፋስን ወይ VO2 max --ኦክስጂን ከም ሓይሊ ናይ ምጥቃም ዓቕሚ-- ብ10 ሚኢታዊት ምምሕያሽ ኢኻ ትርኢ። ሕጂ ግን፡ ኣብ ገሊኦም ሰባት 20 ኣብ ገሊኦም ድማ 5 ሚኢታዊት ጥራይ ምምሕያሽ ርኢና። ዝዀነ ዓይነት ምምሕያሽ ዘየርኣዩ’ውን ኣለው” ኢሉ።

ኣብዚ መጽናዕቲ ካብ ዝተራእዩ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዝተፈላለዩ ጂናት፡ 19 ፍሉያት 'ጂናት' ተራእዮም።

ካብዚኦም እቲ ሓደ ተዋጋኢ ጂን - ‘ዋርየር ጂን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰረት ወለዶ እዩ።

እዚ ኤምኤኦኤ [ሞኖኦሚን ኦክሲዳይዝ ኤ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጂን ፡ ምስ ጐነጻውን ሓደ ነገር ክትገብር ዘይምፍራሕን ዝበሉ ባህርያት ዝተኣሳሰር ወይ ዘበግስ’ዩ።

“ዋሪየር ጂን፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ነብስኻ ናይ ምድሓን ባህርያዊ ድሌት ክለዓዓል ይገብሮ፤ 'ክጎዪ ኣለኒ፡ ምንቅስቓስ ክጅምር ኣለኒ' ኢልካ ክትሓስብ ይድርኸኻ” ይብል ቹንግ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ መጽናዕቲ 31 ሚኢታዊት ሰባት ዝያዳ ልምምድ ክገብሩ ዝደፋፍኦም ሰረት ወለዶ ከም ዘለዎም እዩ ኣርእዩ።

መጽናዕትታት፡ ካብ ፈለማ ዘመናዊ ኦሎምፒክ ጀሚሩ ኣብ ፍጥነት ጉያ ዝረአ ዘሎ ኣንጸባራቒ ክብረወሰን ዓለም፡ ኣብ ኣገባብ ልምምድ ብዝተራእየ ምዕባለታት ዝመጽአ ኰይኑ፡ ምስ ምምሕያሻት መጉየዪ ሜዳን ጫማን’ውን ዝተሓሓዝ ከም ዝዀነ የመልክቱ።

“ቀልጢፍካ ምጉያይ ቀሊል'ዩ። በቃ ምስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሚዛን ኣካላት ብዝተኣሳሰር ዓበይቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ምጥቃም ጥራይ’ዩ ዘድልየካ። ብዝቐልጠፈ ክትጎዪ እንተደሊኻ፡ ኣብ መሬት ዝያዳ ሓይሊ ከተዕርፍ ጥራይ’ዩ ዘድልየካ” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባዝ ዓባይ ብሪጣንያ ክኢላ ባዮሜካኒክስ ዝዀነት ስቴፊ ኮለየር።

ይኹን’ምበር፡ እቲ መካኒካዊ ጠለባት ቅጽበታዊ ውድድር፡ ፍጥነት ብቕጽበት ዝቕየር ምዃኑ ተረድእ።

ቅልጣፈ፡ ኣብ መጀመርታ ብርኪ እንከሎ ጀሚሩ ጸኒሑ እናነከየ ይኸይድ ኢላ።

ፍጥነት እናወሰኸ ምስ ከደ ምስ መሬት እትራኸበሉ ግዜ እውን ይንኪ። ስለዚ፡ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ዕድልካ ይንኪ - ክሳብ እቲ ናይ ርክብ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ስለ ዝዀነ፡ ንኽትቅልጥፍ ዘድሊ ሓይልታት ከተመንጩ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ፡ ኣብ ዝለዓለ ፍጥነት ድማ ትበጽሕ።

“ድሕሪኡ ነዚ ፍጥነት ክትዕቅብ ትደሊ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ 100 ሜትሮ ኩሉ-መዳያዊ ውድድር፡ ኣብ መወዳእታ'ውን ንእሽቶ ናይ ምዝሕሓል ምዕራፍ ኢኻ ትዕዘብ”።

ብዝተኽኣለ መጠን እቲ ዘለካ ልዑል ፍጥነት ንነዊሕ እዋን ንምዕቃብ፡ ጭዋዳታትካ ሓይሊ ንከመንጭዩ ብዝተዋደደ መንገዲ ከተነቓቕሖም ኣለካ ትብል ኮለየር። ስለዚ ፍጥነት ውህደት ሓይሊ፣ ጥንካረን ሜላን እዩ ኢላ።

ጉያ ብርክት ዝበሉ ጥዕናዊ ረብሓታት ከም ዘለዎ ይፍለጥ። እዚ ድማ፡ ንልብን ንኣዕጽምትን ጽቡቕ እዩ።

ጥዕና ኣእምሮ ከማሓይሽ ይኽእል እዩ፣ ንነዊሕ ዕድመ ክትነብር’ውን ክሕግዝ ይኽእል።

ፍጥነት ካብ ዘለዎ ጉያ ቀስ ኢልካ እትገብሮ ዓይነት ጉያ ዝሓሸ ንጥዕና ጠቓሚ ከም ዝዀነ መጽናዕታት የመልክቱ።