እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰባት ንምስሓቕ ኣብ 4 ዓመት ሓደ ግዜ እትሕተም ፍልይቲ ጋዜጣ
ሎሚ 29 ለካቲት’ዩ፤ ኣብዛ ዕለት ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ’ዮም መዓልቲ ልደቶም ዘኽብሩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ እዛ ዕለት ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ እየ እትቕልቀል።
ሰባት ንክስሕቑ ብምሕሳብ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ጥራይ እትሕተም ኣብ ዓለምና ብሕታዊት ዝዀነት ጋዜጣ ድማ ኣላ።
እዛ ጋዜጣ፡ ኣብ ዓለምና ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ እትሕተም እንኰ ኰይና፡ ትሕዝቶታታ ብመልክዕ ሕጫጫ ወይ ዋዛ ይቐርቡ። ብቋንቋ ፈረንሳ ተጻሒፋ ኣብ ፈረንሳ'ያ ትሕተም።
እዛ ጋዜጣ ፍሉይ ዝገብራ፡ ወርሒ ለካቲት ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ 29 ኣብ እትዀነሉ ግዜ ትሕተም ምዃና’ዩ።
ኣብዛ 20 ገጽ ጥራይ ዘለዋ ጋዜጣ፡ ብዙሕ ስእልታትን ፍሉይ ኣቀራርባን ዘለዎም ትሕቶታት እናተዋዘዩ ይቐርቡ።
ቀዳማይ ሕታም ጋዜጣ ላ ቡዢ ዱ ሳፐር ብ1980 ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብቲ ግዜ 12 ጋዜጣታት ጥራይ ተሓቲመን ነይረን።
እታ ሕጂ ብዙሓት ፈረንሳውያን ዝጓየዩላ ጋዜጣ፡ ኣርባዕተ “ክስሕቑ ዝደልዩ ኣዕሩኽ” እዮም ኣበጊሶምዋ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጋዜጣ ላ ቡዢ ዱ ሳፐር (The Sapper's Candle) 200 ሽሕ ሕትመት ኣለዋ፤ ዋጋኣ €4.90 ጥራይ’ዩ።
“እታ ቀዳመይቲ ሕታም ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ምስ ተሸጠት፡ እተን መደበራት ጋዜጣ ተወሳኺ ቅዳሓት ንምርካብ ይሓታ ነይረን - ስለዚ ጽቡቕ፤ ግን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ!" ኢልናየን ይብል ኣሰናዳኢ ዣን ዲ’ኢንዲ።
ወሲኹ፡ “እታ ጋዜጣ ክሳብ ሕጂ ብውሑዳት መሓዙት እያ ትዝርጋሕ። ኣብ ሓደ ባር ተራኺብና እናሰተና ሓሳባት ንለዋወጥ ነይርና። ብዙሕ ተዛኒና፤ ኣንባቢ'ውን ከምዚ እንተተዛንዩ፡ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ።
እዛ ጋዜጣ፡ ከም ስሩዕ ጋዜጣ ዝተወደበት ኰይና፡ ብዛዕባ ፖለቲካ፣ ስፖርት፣ ኣህጉራዊ ጉዳያት፣ ስነ-ጥበብ፣ ሕንቅልሕንቅሊተይን ሕሜታ ፍሉጣት ሰባትን ዝምልከት ክፍልታት ኣለዋ።
እቶም ጽሑፋት ግን ብዋዛ ዝተዳለዉ’ዮም።
ኣርእስቲ ናይዚ ዓመት ሕታም - 'ኩላትና በላሕቲ ክንከውን ኢና' ዝብል ኰይኑ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ) ብኸመይ ፈተናታትን ምሁራዊ ዕማማትን ትርጉም ኣልቦ ይገብሮም ከም ዘሎ ተብርህ።
እቲ ካልኣይ መሪሕ ዛንታ - "ደቂ ተባዕትዮ ቅድሚ ደቂ ኣንስትዮ ምዃኖም ክፈልጥዎ ዘለዎም" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ - ኰይኑ ጾታኦም ክቕይሩ ዝደልዩ ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥሞም "ብድሆታት" ተዘንቱ።
“እዚ ናይ ፈረንሳ ፈረንሳ'ዩ፤ ናብ ካልእ ቋንቋታት'ውን ኣይትርጎምን" ይብል።
ኣብ ዓለማዊ ገጻት፡ ንፈረንሳውያን ካብ ዘመናውያን ቀዳሞት ሚኒስተራት እንግሊዝ ዝያዳ "ትርሳዕ" ዝነበረት - ሊዝ ትራስ - ዘዘኻኽር ሓጺር ጽሑፍ ኣሎ።
ከምኡ’ውን ኣብ ስፖርት፡ እቶም ኣዳለውቲ፡ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ንፈለማ እዋን ንዝተኣልየ ሰብ ዝወሃብ ሽልማት ዊንስተን ቸርችል ክዳሎ ኣለዎ ይብሉ።
እዚ ድማ ብመሰረት እታ ጋዜጣ "ስፖርት የለን" ዝብል መሪሕ ቃል ቸርችል መሰረት ብምግባር እዩ።
ብተወሳኺ ቀጻሊ ክፋሉ ኣብ መፃኢ 2028 ዝሕተም፡ ‘The Drowning in the Pool’ ዝብል ተኸታታሊ ዛንታ ኣሎ።
ላ ቡዢ ዱ ሳፐር ብስም ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ምስሊታት ‘ካርቱን’ፈረንሳ ዝዀነ ለ ሳፐር ካምበርት ዝተሰየመ እዩ።
ንሱ ኣብ 1890ታት ብዛዕባ ህይወት ሰራዊት ኣብ ዝገልጽ መስሐቒ ስእልታት ዝቐርብ ዝነበረ ስእሊ ወተሃደር እዩ ነይሩ።
እዛ ጋዜጣ፡ ኣብ መሸጢ ጋዜጣታት ጥራይ እያ ትሽየጥ። ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ቁሩብ ንጹህ ኣየር ንህብ ኢና ኢለ ተስፋ እገብር። ኣብዚ ግዜ'ዚ ሰባት ክስሕቑ ኣለዎም” ይብል ኣሰናዳኢ እታ ጋዜጣ።