እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚሸልን ባራክ ኦቦማን ተፋቲሖም ድዮም?
ሚሸል ኦቦማ፡ ምስ ባራክ ኦቦማ ነዊሕ ዝጸንሐ ሓዳራ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝብል ወረታት ነጺጋ።
እታ ቀዳመይቲ እመቤት ነበር፡ ኣብ ወግዓዊ መድረኽ ምሻም ዶናልድ ትራምፕን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ነበር ጅሚ ካርተርን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ፍጻመታት ኣብ ጐድኒ ብዓልቤታ ኣይተረኸበትን። እዚ ድማ ተፈላልዮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት ንኽዓቢይ መንቀሊ ኰይኑ።
ሚሸል ነዞም ኣጋጣሚታት ብግልጺ ከይጠቐሰት፡ ሕጂ ከም "ብቕዕቲ ሰበይቲ" መደባት ገዛእ-ርእሳ ክትቈጻጸር ኣብ እትኽእለሉ ደረጃ ከም ዘላ፡ ኣብቲ ብተዋሳኢት ሶፍያ ቡሽ ዝተዳለወ ፖድካስት 'ወርክ ኢን ፕሮግረስ' ኣብ ዝሃበቶ መልሲ ተዛሪባ።
ሰባት ናይ ባዕላ "ውሳነታት ትወስድ" ከም ዘላ ክቕበሉ ከም ዘይከኣሉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ክንድኡ "ኣነን ብዓልቤተይን ንፋታሕ ከም ዘለና ክኣምኑ መሪጾም፡" ኢላ።
ካብ ዝተወሰኑ ዕማማት ንድሕሪት ብምትራፋ፡ ገለ ናይ ጥፍኣት ስምዒት ከም ዝስምዓ'ውን ኣካፊላ።
"እዚ እዩ እቲ ንሕና ከም ደቂ ኣንስትዮ፡ ተስፋ ምስ ዘቝርጹ ሰባት ንቃለሰሉ ዝመስለኒ፡" ኢላ።
ኣስዒባ "ማለተይ፡ ክሳብ'ዚ እዋን ሰባት ናይ ነብሰይ ምርጫ ይገብር ከም ዘለኹ'ውን ክግንዘቡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣነን ብዓል ቤተይን ንፋታሕ ከም ዘለና ክግምቱ ተገዲዶም፡" ክትብል ወሲኻ።
"ሓንቲ ብቕዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ባዕላ ውሳነታት ክትወስድ እንተዀይና፡ ከምኡ ክኸውን ኣይምተገብአንዶ ሓቀይ? ግን ሕብረተሰብ እዩ ከምኡ ዝገብረና ዘሎ፡" ኢላ።
ቀጺላ፡ "ንዓይ ዝሕሸኒ ነገር ክገብር መሪጸ'ለኹ። ክገብሮ ዝተወሃበኒ ነገር ወይ ካልኦት ሰባት ክገብሮ ይጽበዩኒ እዮም ዝበልኩዎ ነገር ኣይኰንኩን ዝገብር ዘለኹ፡" ክትብል ተዛሪባ።
ኣብ በዓለ-ሽይመት ፕረዚደንት ትራምፕ ዘይምስታፋ ሓዳሮም ከም ዝተበተነ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ደደሞክራትስ ተረኺባ ድማ ዓቢይ መደረ ኣስሚዓ ነይራ።
ሽዑ ንዝተኣከቡ ኣሽሓት ነበርቲ ቺካጎ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ደገፎም ኣብቲ እዋን ንፕረዚደንትነት እትወዳደር ንዝነበረት ካማላ ሃሪስ ክህቡ ጸዊዓ።
ዋላ'ኳ ንነብሳ ዝያዳ ግዜ ትህብ እንተ ሃለወት፡ ሕጂ'ውን "መደረታት ክተስምዕ፡ ኣብ መድረኻት ክትሳተፍን ኣብ ፕሮጀክትታት ክትነጥፍን፡" ምዃና ዝሓበረት እታ ቀዳመይቲ እመቤት ነበር፡ "ሕጂ'ውን ብዛዕባ ትምህርቲ ንኣዋልድ ይግደስ እየ፡" ኢላ።
ሚሸልን ባራክ ኦቦማን ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ መበል 32 ዓመት ሓዳሮም ኣኽቢሮም ነይሮም።
ንሳ ብሰንኪ ኦቦማ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ድልየትን ኣብ ዋይት ሃውስ ዝጸንሐሉ ግዜን፡ ኣብ ሓዳራ ዘጋጠማ ብድሆታት ኣብታ ብብዝሒ ዝተሸጠት 'ቢካሚንግ' ዘርእስታ መጽሓፋ ብግልጺ ኣስፊራ ነይራ።
ባህጊ ብዓልቤታ፡ ጽምዋን ድኻምን ከም ዘስዓበላ'ውን ኣብታ መጽሓፍ ጠቒሳ።