ብሞት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝተኸሰሰ ወዲ ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ነጻ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ ጃምላዊ መቓብር ኣስከሬናት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምርካቡ ስዒቡ ብቕትለትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ተኸሲሱ ዝነበረ ወዲ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ካብቲ ገበናት ብነጻ ተፋንዩ።

እቶም 29 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር እዮም ምልክት ኣብ ዘይነበሮ ጃምላዊ መቓብር ተቐቢሮም ተረኺቦም።

ኣብ ሞት እቶም ስደተኛታት ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ካብ ዝተኣሰሩ ተጠርጠርቲ ከኣ ወዱ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ዝዀነ ታዲኪራ ማፉብዛ ይርከቦም ነይሩ።

ፕረዚደንት ነበር ፒተር ሙታሪካ፡ ፖሊስ ምስ ኣየናይ ገበን ርክብ ከም ዘለዎ መርትዖ ከየቕረበ ንወዱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ከም ዘገረሞ ኣብቲ እዋን ምግላጹ ይዝከር።

ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ትሽዓተ ኣዋርሕ መስርሕ ፍርዲ ድማ ታዳኪራ ማፉብዛን መሻርኽቱ ዝተባህሉን ካብቲ ገበን ነጻ ተባሂሎም።

ጠበቓ ማፉብዛ ድሕሪ እቲ ውሳነ "በቲ ውጽኢት ሕጉሳት ኢና" ኢሉ።

"ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሚለይ ዝቐረበ መርትዖ ዘእምን ኣይነበረን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ይኹን'ምበር ሹመኛ ዳይሬክቶሬት ዓቃቢ ሕጊ ዝዀነ ድዚኮንዲያንቲ ማሉንዳ “እቲ ውሳነ ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

ብቤት ፍርዲ ነጻ ዝተባህለ ማፉብዛ ትማሊ ረቡዕ ካብቲ ቤት ፍርዲ ምስ ወጸ ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ፖሊስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ሬሳታት 29 ስደተኛታት ኣብ ከተማ ምዚምባ-ማላዊ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ከም ዝረኸበ ይዝከር።

እቶም ሬሳታት ብዃዕቲ ክወጽኡ ዝኸኣሉ ድማ መናእሰይ እቲ ከባቢ ኣብቲ ጫካ ዝህውኽ ጨና ከም ዘሎ ምስ ኣመልከቱ እዩ።

ኩሎም እቶም ሬሳታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምዃኖም ይግመት።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ማላዊ ብምትሕብባር ነቲ ፍጻመ ትምርምሮ ከም ዘላ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣምባሳደር መለስ በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ ውፅኢት እቲ ምርመራ ንህዝቢ ከፍልጡ ምዃኖም’ውን ገሊጹ።

ማላዊ ሓንቲ ካብተን ብዋሕዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጸለዋ ሃገራት እያ።

ካብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝብገሱ ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብማላዊ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳን ኣመሪካን ክኸዱ ይፍትኑ።