እስራኤል፡ ንተካኢ ሓሰን ነስረላህ፡ ሓሸም ሳፋዲን ከምዝቐተለቶ ኣፍሊጣ

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ብደብዳብ ኣየር ዝተቐተለ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕዝቡላህ ሓሰን ነስረላህ ተኪኡ ንሕዝቡላህ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓሸም ሳፋዲን’ውን ከምዝቐተለቶ ኣፍሊጣ።

ብመሰረት ካብ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤለ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሓሸም ሳፈዲን ኣብ ወሰናስን ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት በይሩት ብደብዳብ ነፋሪት’ዩ ተቐቲሉ።

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቡላህ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሞት እቲ እስራኤል ቀቲለዮ ትብሎ ዘላ ሓሸም ሳፋዲን ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

እቲ ንነዊሕ እዋን ንሕዝቡላህ ዝመረሐ ሓሰን ነስረላህ ብ27 መስከረም ኣብ በይሩት ብደብዳብ ነፋሪት እስራኤል ከምዝተቐተለ ይዝከር።

ኣብ ከባቢ በይሩት ብ4 ጥቅምቲ ብዝተፈጸመ ሓያል ደብዳብ መራሕቲ ሕዝቡላህ ምስ ሓሸም ሳፋዲን ዝነበሮም ርክብ ከምዝተቋረጸ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ንሰብ መዚ እስራኤል ከም ምንጪ ብምጥቃስ ሓሸም ሰፋዲኦን ኣብታ ለይቲ እቲኣ ብደብዳብ ነፋሪት ከምዝተቐተለ ገሊጸን ነይረን።

ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰሉስ ኣማስይኡ ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ መግለጺ ሓሸም ሳፋደን ምስ ኣዛዚ ስለያ ሕዝቡላህ ዝኾነ ዓሊ ሑሰይን ሓዚማ ኣብ በይሩት ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስለያ ሕዝቡላህ እንከለዉ ብደብዳብ ነፋሪት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ንሓሸም ሳፋዲን “ንዓመታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንክፍጸም ዝኣዘዘ’ዩ” ከምኡ ኸኣ ቀንዲ ካብ ኣዘዝቲ ሕዝቡላህን’ዩ ብምባል’ያ ገሊጻቶ።

እቲ ኣብ ሊባኖስ ብፖሎቲካውን ወተሃደራውን ሓይሉ ኣዝዩ ጸላዊ ዝኾነ ሕዝቡላህ፡ ብእስራኤል፡ ኣመሪካን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሓያለ ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ’ዩ ዝፍለጥ።

ሓሸም ሳፋዲን’ውን ብውልቁ ኣብ 2017 ብኣመሪካን ብስዑድ ዓረብን “ዓለምለኻዊ ኣሸባሪ” ተባሂሉ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ንሓሰን ነስረላህ ወዲ ሓወብኡ ዝኾነ ሓሸም ሳፈዲን ኣብ ኢራን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምምሃር፡ ጓል እቲ ኣብ ኢራን ኣዝዩ ጸላዊ ወተሃደራዊ ሓላፊ ዝነበረ ጀነራል ቃስም ሶለይማኒ ከምዝተመርዓወ ይፍለጥ።

ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሶለይማኒ ኣብ 2020 ኣብ ኢራቕ እንከሎ ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝተቐተለ ይዝከር። ጀነራል ቃስም ኣብ እዋን ሞቱ ወዲ 60 ዓመት ኣቢሉ ምናባሩ’ዩ ዝግመት።

ሓሸም ሳፋዲን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ በይሩት ኮይኑ ኣብ ዘስምዖ መደረ ብዛዕባ ኣብ ሕዝቡላህ ዘሎ ናይ ሓላፍነት ምትክኻእ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ኣብቲ ንሕና እነካይዶ ናይ ተቓውሞ ቃልሲ ሓለፍትና ምስ ዝስውኡ ካልእ ነታ ባንዴራ ሒዙ ነቲ ቃልሲ ይቅጽሎ” ምባሉ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ ነይሩ።

እስራኤል ብሓማስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸማ ኣብ ቓዛ ተጸሚዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቶም ብደብዳብ ሮኬታት፡ ድሮናታን ሚሳኤላትን ሕዝቡላህ ካብ መንበሪ ቦታኦም ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ቦታኦም ውሕስነቱ ኣረጋጊጻ ንኽትመልሶም ናብ ዶብ ሊባኖስ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሕዝቡላህ መጥቃዕትታት ክትፍጽም ጸኒሓ’ያ።

ብመሰረት ካብ መንግስቲ ሊባኖስ ዝተውሃበ ሓበሬታ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቡላህ መጥቃዕትታት ከተካይድ ካብ እትጅምር ብውሕዱ 2464 ሊባኖሳውያን ከምዝተቐተሉን ኣስታት 12 ሽሕ ከቢድን ፎኲስን መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞምን ይግለጽ።

ሕዝቡላህ ብወገኑ ኣብ ሰሙናዊ ክፋል እስራኤልን ጎቦታት ጎላንን ኣሽሓት ደብዳባት ሮኬትን ድሮንን ብምፍጻም ብውሕዱ 59 እስራኤላውያን ከምዝቐተለ ሮይተርስ ይገልጽ።