ጽምዶ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ

ባህታ ሓጐስ

ምንጪ ስእሊ, SM

ከም መእተዊ፡ 'ደግያት ባህታ ሓጎስ ብታሕሳስ 1894 ንሓይሊ ጣልያን ብጅግንነት ብምድፋር ናዕቢ ዝፈጠሩ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ነበሩ' ኢልና ምስ ኣንባቢ ከነፋልጦም ንኽእል።

ታሪኽ ባህታ ሓጎስ ካበይ እንተ ጀመርናዮ ይሓይሽ? ኢጣልያውያን ንባጽዕ ድሕሪ ምሓዞም፡ ንመላእ ኤርትራ ግዝኣቶም ንኽገብሩ ተበገሱ። እዚ ምስቲ ናይ ብ1884–1885 ኣብ በርሊን ዝተኻየደ ዋዕላ ኤውሮጳውያን - እዚ ማለት ምስቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ሰፊሕ መደብ ሃጸይነት (ኤውሮጳዊ "ሻማ-ሻማ ኣፍሪቃ") ዝተኣሳሰር'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብ1889 ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ምስ ሞቱ ንኸበሳ ንምክልኻል ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓሳት ምስ ሞቶም ኣብቅዐ። ሽዑ ጣልያን ብኣሽሓት ተሓባበርቲ ኤርትራውያን ተሓጊዞም ቀልጢፎም ንኸበሳ ኤርትራ ተቘጻጸርዎ።

እቲ ጎበጣ'ቲ በቶም ሓድሽ ንጉስ ኢትዮጵያ - ዳግማዊ ሚኒሊክ ምዃኖም'ዩ - ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ፡ ንጉስ ጣልያን ብ1 ጥሪ 1890፡ ኤርትራ ግዝኣት ጣልያን ምዃና ኣወጀ። ባጽዕ ከኣ ከም ዋና-ከተማ ኤርትራ ኰይና ቀረበት። ሽዑ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ዘመን ተኣታተወ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ናይ ሽዑ ኵነታት ከም ሓደ መእተዊ'ኳ ንጠቀመሉ፡ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታዊ ታሪኽ ደግያት ባህታ ሓጎስ ብዙሕ ኣየነጽርን። ስለዚ፡ ብዛዕባኦም ዝተሰነደ ስሑው ሓበሬታ ኣዕጋቢ ከም ዘይኰነ ንምርዳእ ይሕግዘና።

ንኣብነት፡ ባህታ ሓጎስ መዓስ ከም ዝሞቱ'ምበር መዓስ ከም ዝተወልዱ ኣይፍለጥን። ኣብ ሰገነይቲ ኣስታት 1839-1850 ከም ዝተወልዱ ኣብ ኢንሳክሎፒድያ ኤትዮፒካ ተመዝጊቡ ንረኽቦ።

ንዛንታ ደግያት ባህታ መልክዕ ንኸነትሕዞ ብሰገነይቲ ንጀምር።

ብዘመን ደጃዝማች ዉበ፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኢትዮጵያ ዓቢይ ተራ ዝነበሮም ብዓልመዚ፡ ከምኡ'ውን ናይ ትግራይ ገዛኢ ዝነበሩ፡ ንመረብ ምላሽ ዳርጋ ይቈጻጸርዎ ነበሩ። ሽዑ'ዮም ምስዮናዊ ጁስቲኖ ደ-ጃኮቢስ ኣብ ሰገነይቲ ካቶሊካዊ ሕብረተሰብ ዝመስረቱ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ምድረ ኣከለጉዛይ ማእከል ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ክኸውን ከኣለ።

ሰገነይቲ ኣብ ሞንጎ ደቀምሓረን ዓዲቐይሕን እትርከብ ንእሽቶ ታሪኻዊት ከተማ ኰይና፡ ናይ ወረዳ ጸንዓደግለ ማእከል መራኸቢ ቦታ ነበረት። ሽዑ - ኣብ ከባቢ 1875 - ካብ 900 ዘይበዝሑ ተቐማጦ ነበርዋ። ብ1883 ድማ በቶም ላዛሪስት ዝተሃንጸ ናይ ካቶሊክ ቤት-ትምህርቲ ማዕሪጋ ዝነበረት ፍልይቲ ንእሽቶ ከተማ ነበረት።

ሰገነይቲ ስትራተጅያዊት ቦታ'ያ ነይራ። ንማእከል ከበሳ ኤርትራ ዘእቱ በሪ ስለ ዝነበረት ከኣ ጣልያን ነቶም ኣብ ዝባን ሰገነይቲ ዝርከቡ ጐቦታት ከም ዕርድታት ተጠቒሞም ማእከል ምምሕዳሮም ገበሩዋ።

እምበኣርከስ ባህታ ሓጎስ ሽዑ'ዮም እምነት ካቶሊክ ተቐቢሎም ዝኮትለኹ። ምስኡ ድማ ሰገነይቲ ሰፈር ሓይልታት ባንዳ (ዘይስሩዓት ወተሃደራት ጣልያን) ስለ ዝነበረት፡ ባህታ ኣባል ባንዳ ነበሩ።

ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝብልዎ ብ1885 ባህታ ከም'ቶም ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ባጽዕ ከም ዝተዓስከሩ'ዩ ዝዝንቶ። ሓለቓ ባንዳ ኰይኖም ድማ ልዕሊ ብጾቶም ጸብለል በሉ።

ኣብ ሰገነይቲ ድማ ምስቲ ሓለቓኦም ዝነበረ፡ ተለንተ ሳንግዊኒ ዝበሃል ጣልያን ሓቢሮም ከም ኣዛዚ ሓይልታት ባንዳ የገልግሉ ነበሩ።

ሓደ ካብ'ቶም ብዛዕባ ባህታ ሓጎስ ዝተጻሕፉ ታሪኻት ንምጥቃስ ኣብታ ብደራሲ ይስሓቕ ዮሴፍ 'ቀድሞት ጀጋኑ ኤርትራን ባህልናን' ዘርእስታ መጽሓፎም ዝሰፈረ ዛንታ ክንውከስ ንኽእል።

ደራሲ ይስሓቕ ዮሴፍ ብትግርኛ ብርክት ዝበሉ ንኡሳን መጻሕፍቲ - ካብ ዘመን ንጉስ ሃይለስላሰ ጀሚሮም - ዘበርከቱ ህቡብ ጸሓፊ እዮም። ንሶም ከም 'ሓይሎም ወዲ ኣስመራ'፡ 'ሕንዛም ፍቕሪ ህድኣት' 'ዛንታ ከተማ ኣስመራ' ዘኣመሰሉ መጻሕፍቲ ዘበርከቱ ብቛንቋን ባህልታትን ኤርትራ ዝገደሱ ህርኩት መምህር'ዮም።

ቍሩብ ንድሕሪት ክንምለስ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ደራሲ ይስሓቕ ዮሴፍ መልክዕ ደግያት ባህታ ሓጎስ ክገልጹ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፤ ባህታ ቀጢን፡ ነዊሕ፡ ሓንሓን ዝርእሶም፡ ምልምል ዝኣፍንጭኦም፡ ከደራይ፡ ግፍሕ ዝበለ እንግድዓ ዝነበሮም ጐያዪን ብዓል ጽኑዕ ኣካላትን ኰይኖም ኣብ እምነቶም ከኣ ጽኑዕ ከም ዝነበሩ ይገልጽዎም።

ትምህርቲ ከም ዘይነበሮም ግን ኣብ መጽሓፎም ይጠቕሱ። ይዅን'ምበር፡ 'ብተፈጥሮኦም በሊሕን ቀልጢፎም ዝሓስቡን ጥራይ ዘይኰነስ ብድፍረቶም ፍሉጥ፡ ኣብ ዘረባኦም ከኣ ሰገጥ ዘይብሉ ሰብ ነበሩ' ይብሉ ይስሓቕ ዮሴፍ።

ብ1875 ባህታ ብጐበዞም፡ ስሞም ክምዕርግ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ንወዲ ትግራዋይ ራእሲ ኣርኣያ ስላሰ ድምጹ - ፊተውራሪ እምባየ ምዃኖም'ዩ - ቀተልዎም። ራእሲ ኣርኣያ ድምጹ ንሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ብኣደኦም ኣቢሎም ኣኮኦም'ዮም ዝብጽሕዎም ዝነበሩ።

ፊተውራሪ እምባየ ንምድረ ኣከለጉዛይ ንኸመሕድሩ ንኤርትራ ምስ መጽኡ፡ ወተሃደራቶም ንብረት ደቀ'ባት ክዘምቱ ጀመሩ ይበሃል፣ ምስኡ ከኣ ይስሓቕ ዮሴፍ ኣብ መጽሓፎም ከም ዘስፈሩዎ፡ ፊተውራሪ እምባየ ጐበዝ ስለ ዝነበሩ 'ብመስፍንነቶም ተተባቢዖም ጐራዙን ሓያማትን ብምእዛዝ ብድዐ ይፍጽሙ ነበሩ' ይብሉ።

ባህታ ብኣካይዳ እምባየ ስለ ዘይተሓጐሱ ነሃሩ'ሞ ኣብ ቅትለቶም ወዓሉዎ። እዚ ግን ብኣፈ-ታሪኽ ዝተመሓላለፈ ታሪኽ ምዃኑ ይስሓቕ ዮሴፍ ናይ ባዕሎም ትዕዝብቲ ኣንበርሉ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ ባህታ በቲ ዝፈጸምዎ ቅትለት ምስ ተጋሩ ተባእሱ'ሞ ኣብ መሬት ዓሳውርታ ሸፈቱ ይበሃል። ክንዝክሮ ዝግብኣና ሓቂ ልኡኻት ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣብ ኤርትራ - ኣብ ፈቐድኡ - ይገዝኡ ነበሩ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም መዋቲ - ፊተውራሪ እምባየ ወዲ ራእሲ ኣርኣያ - ተሸይሞም'ዮም ንኣከለጉዛይ ዝተመደቡ።

ባህታ ምስ ተለንተ ግራሲኒን ካልኦትን

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ባህታ ምስ ተለንተ ግራሲኒን ካልኦትን

መሊስና 'ስከ ቍሩብ ንድሕሪት ንመለስ ...

እቲ ዘመን'ቲ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ምእንቲ ክንርድኦ እስከ ኣብቶም ዳን ኮኔል ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ዘስፈሮም እምነ-ምዕራፋት ነተኵር።

ግዝኣት ግብጺ መዓስ'ዩ ኣብቂዑ? ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ዓሰብ ብ1882 ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጣልያን ምስ ኣተወት ምስኡ ግዝኣት ግብጺ ከም ዘብቅዐ ንርዳእ።

ካብኡ ቍሩብ ምልስ ኢልና ተራ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ እንተ ርኣና ድማ ዝሓሸ መረዳእታ ክህልወና ስለ ዝኽእል፡ እስከ ንወፍሪ እንግሊዛዊ ናፔር ንርቍሓዮ።

ናፔር ንወፍሪ እንግሊዝ ብምምራሕ (1867-68) ንሃጸይ ቴዎድሮስ ሰዓሮም። ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ መቕደላ ምስ ሞቱ ናፔር ባላባት ናይቲ ዞባ ኰይኑ የገልግል ነበረ። ስለዚ እንግሊዝ፡ ቅድሚ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ምእታዎም፡ ተራ ከም ዝነበሮም ክንርዳእ ንኽእል።

ብ1872 ግብጻውያን ንባጽዕ ጥራይ ዘይኰነስ ንሕርጊጎ ክሳብ ከረን - ብዘመን ምምሕዳር ቨርነር ሙዚንገር ማለት'ዩ - ይቈጻጸርዎ ስለ ዝነበሩ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣንጻር ግብጻውያን ተላዒሎም ኣብ ጐዳጕድን ጉራዕን ለሽ ኣበሉዎም፣ ንኸበሳ ኤርትራ ክሳብ ምቍጽጻር'ውን በጽሑ።

በቲ ዘመን'ቲ እቲ ኣገዳሲ ግን ብዙሕ ዘይርቋሕ ናይ 1884 'ውዕል ሂዊት' (Hewett Treaty) ኣብ ሞንጎ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ግብጽን ዝተፈረመ ውዕል ነበረ።

እቲ ውዕል ንግብጻውያን ካብቲ ዞባ ከርሕቕ ዝኸኣለ፡ እቲ ዝቈጻጸርዎ ዝነበሩ መሬት ቦገስ (ኣብ ኤርትራ) ከኣ ንኢትዮጵያ ኣረኪቦም ከም ዝወጽኡ ዝገበረ፣ ምስኡ ከኣ ንኣገልግሎት ባጽዕ ንኽጥቀምሉ መንገዲ ዝኸፈተ ውዕል ነበረ።

እቲ ውዕል ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ጸብለልነት ረኸቡ፣ ሽዑ ንመሸጣ ባሮት ደው ከብሉ ከም ዝኸኣሉ'ውን ይዝንቶ'ዩ።

ይዅን'ምበር፡ እንግሊዝ ንግብጻውያን ከምክኑ ንመገዲ ባጽዕ ምስ ከፈትዎ ንጣልያን ንባጽዕ ክወሩ ዕድል ከፈቱሎም። ጣልያን ከኣ ብለካቲት 1885 ንባጽዕ ተቘጻጸርዋ።

ዋላ'ኳ ራእሲ ኣሉላ ንጣልያን ኣብ ዶግዓሊ ይስዓሩዎም፡ ጣልያን ግዝኣቶም ካብ ምስፍሕፋሕ ዓዲ ኣይወዓሉን። እኳ ደኣ መገዲ ባቡር ኣጽፊፎም ብምህናጽ ካብ ባጽዕ ክሳብ መታሕት ከብጽሕዎ ከም ዝኸኣሉ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ 1889 ጣልያን ንኣስመራ ብምሓዝ ክሳብ መረብ በጽሑ።

ሕጂ ናብ ደግያት ባህታ ሓጎስ ንስገር

እቲ ብዛዕባ ደግያት ባህታ ሓጎስ (ኣባጥመር) ዘሎ ሓበሬታ ምስ እንውከስ ብሓጺሩ ኣዝዮም ክቡር ኣመሓዳሪ ኣከለጉዛይ ከም ዝነበሩ፡ ብታሕሳስ 1894 ከኣ ኣብ ልዕሊ ጣልያን ናዕቢ ከም ዝመርሑ ይንገረሎም። ከመይ ኢሎም ንሓይልታት ጣልያን ንምጥቃዕ ከም ዝተበገሱ ንምርዳእ ድማ ጣልያን ብባጽዕ ክኣቱ ዝተጻወትዎ ተራ ንጀምር።

ዝዝከር'ዩ፡ ውዕል ውጫሌ ብዘመን ንጉስ ዳግማይ ሚነሊክ ብ2 ግንቦት 1889 እዩ ተፈሪሙ። እቲ ውዕል ንጣልያን ንኸበሳ ኤርትራ - ካብ ኢራፋይለ ክሳብ ሓላይ፡ ሰገነይቲ፡ ኣስመራ፡ ዓዲ ንፋስ፡ ዓዲ ሃንስ ... ማዕረ-ማዕረ ሩባ ባርካ፡ ንምብራቓዊ ሓማሴን ከቲቱ ክሳብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኤርትራ ይበጽሕ ነበረ። ጣልያን ግን ነቲ ስምምዕ ጥሒሶም ንመላእ መረብ-ምላሽ ክሳብ መረብ-በለዛ-ማይምነ በጽሑ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ድሮ ባህታ ንወዲ ራእሲ ኣርኣያ ቀቲሎም ምስ ክልተ ኣሕዋቶም - ሰንጋልን ካሕሱን - ሸፊቶም ከም ዝነበሩ ንገንዘብ። ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ን ራእሲ ኣሉላ ሸይሞም ንኤርትራ ምስ ለእኹዎም ባህታ ምስ ኣሕዋቶምን ሰዓብቶምን ካብ መጥቃዕቲ ኣሉላ ርሒቖም ኣብ ሓባብ ተዓቝቦም ነበሩ።

ኰይኑ ግን ባህታ ንናይ ኣሉላ ኮሎኛ-ንግዲ መሳርያ ንኽዘምቱ ሓሓሊፎም ካብ ሓባብ ተበጊሶም የጥቅዑ ነበሩ። ባህታ እናሓየሉ ምስ ከዱ ከኣ ምስ ካልኦት ዝሸፈቱ ብጾቶም ኰይኖም ንራእሲ ኣሉላ ክገጥምዎም ከም ዝጀመሩ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ንረኽቦ ሓቂ'ዩ።

ግብጻውያን ምስ ወጽኡ ግን ራእሲ ኣሉላ ክሳብ ሓባብን ስንጭሮ ዓንሰባን ደፊኦም ከጥቕዑ ምስ ጀመሩ ባህታ ንራእሲ ኣሉላ ክከላኸሉ ሓገዝ ጣልያን ከም ዘድልዮም ተገንዘቡ፣ ረኸቡ ከኣ።

ደግያት ባህታ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ኤርትራውያን ዝወስድዎ ዝነበሩ ተመሳሳሊ ስጕምትታት፡ ጣልያን ብባጽዕ ክኣቱ ተቐቢሎም ተጸንቢሮምዎ'ዮም። ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ጣልያን ኰይኖም ድማ ንኸበሳ ኤርትራ ንኽቈጻጸሩ ሓጊዞሞም'ዮም። ስለዚ፡ ጣልያን ንባህታ ብጽቡቕ ይርእይዎም ስለ ዝነበሩ ምስለነ ገበሩዎም፡ ሽመት ሃቡዎም።

ብተወሳኺ፡ ባህታ ካቶሊክ ብምንባሮም፡ ምስኡ ከኣ ምስ ሓይልታት ጣልያን ምውህሃድ ስለ ዝነበሮም እሙን'ዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል። ይዅን'ምበር፡ ንኣካይዳ ጣልያን ሽዓ ኢሎም ክግንዘቡዎ ጀመሩ።

ጣልያን ስቡሕ መሬት ክህግሩ፡ ምስ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘርእይዎ ዝነበሩ ዘይንቡር ባህሊ፡ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ማሕበረሰብን ዝወስድዎ ዝነበሩ ናይ ምእሳር ተግባራት፡ ባህላዊ ስርዓታት ህዝቢ ኣከለጉዛይ ዘይምኽባር ተዓዚቦም ፈጽ ክሳብ ዝብሉ ገበሮም።

ብሕቡእ ምስ ሓለፍቲ ትግራይ ተሰማሚዖም ድማ ብ14 ታሕሳስ 1894 ብርክት ዝበሉ ባንዳ መሪሖም (1,600 – 2,000 ዝኣኽሉ) ንሓይልታት ጣልያን ኣብ ሓላይ ኣጥቅዑዎም። ገለ መራሕቲ ኣከለጉዛይ ሓገዙዎም፣ ካልኦት ግን ንጣልያን ብምድጋፍ ኣንጸር ደግያት ባህታ ተላዓሉ።

እቲ ኣንጻሮም ዝተሰርዐ ሓይሊ ብግቡእ ክገጥምዎ ስለ ዘይከኣሉ ባህታ ኣብ ውግእ ብ17 ታሕሳስ 1894 ወደቑ። ሓዎም ሰንጋል 400 ተዋጋእቲ ሒዞም ንኰዓቲት ከዱ፣ ኣብኡ ኰይኖም'ውን ቃልሶም ቀጸሉ ይበሃል። ኣይጸንሐን ኣብ ዓመቱ ጣልያን ንትግራይ ኣጥቅዑ። ብ1896 ከኣ ውግእ ዓድዋ ምስ ኣርከበ ጣልያን ተሳዕሩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ባህታ ሓጎስ

ምንጪ ስእሊ, DM

ብዕለት 10 መጋቢት 2007፡ ኣብ 'ፕሮፋይል' ዝበሃል ናይ መንግስቲ ጋዜጣ ብዛዕባ ዓስከሬን ደግያት ባህታ ሓጎስ ዝሰፈረ ጽሑፍ ንረክብ።

ባህታ ብ17 ታሕሳስ 1894 ኣብ ሓላይ ምስ ወደቑ ብሕቡእ ተቐቢሮም ነበሩ፣ ድሒሩ ድማ ብ1953 ሬስኦም ናብ ሰገነይቲ ተሰጋጊሩ ነበረ። ብ4 መጋቢት 2007 – 123 ዓመት ድሕሪ ሞቶም - ኣብ ሓድሽ ዝተሃንጸ መቓብር ብዓጀባ ንዝኽሪ ቃልሶም ዳግም ኣብ ዓዶም ከም ዝተቕብሩ ይጠቅስ።