ፔሎሲ ናብ ታይዋን እንተበጺሓ፡ ቻይና ሓይላ ከተርኢ ክትፍትን'ያ - ኣሜሪካ

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና፡ ነቲ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ክተካይዶ ምዃና ዛጊት ዘይነጸረ ዘሎ ዑደት ብወተሃደራዊ ትንኮያ ግብረ-መልሲ ክትህብ ከምእትኽእል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣጠንቂቝ።

እዚ ድማ ኣብ ጥቓ ታይዋን ሚሳይላት ምትኳስ ወይ ድማ ሰፊሕ ንጥፈታት ሓይሊ ኣየር ወይ ሓይሊ ባሕሪ ከጠቓልል ከምዝኽእል ወሃቢ ቃል ጆን ኪርቢ ኣፍሊጡ።

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ፡ ኣብ ኤስያ ዑደት ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።

ንሳ ናብ ግዝኣት ታይዋን ምብጻሕ ክትገብር ከምእትኽእል ማዕከናት ዜና ታይዋንን ኣሜሪካን'ኳ እንተገለጻ ብመንግስቲ ኣሜሪካ መረጋገፂ ኣይተወህበን ዘሎ።

ታይዋን ርእሳ ምምሕዳራዊት ደሴት ኰይና፡ ቻይና ግን ከምዝተነፀለት ግዝኣታ'ያ ትቘጽራ። ፔሎሲ ናብታ ግዝኣት ዑደት ክትገብር እንተዀይና "ከቢድ ሳዕቤን" ከምዝህልዎ መንግስቲ ቻይና ኣጠንቂቑ'ዩ።

ኣሜሪካ "ድልዱል፡ ዘይወግዓዊ ዝምድና" እትብሎ ርክብ ምስ ታይዋን ክትዕቅብ እንከላ፡ ወግዓዊ ርክባ ግን ምስ ቻይና እምበር ምስ ታይዋን ኣይኮነን።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ቻይና ዣንግ ጁን፡ እቲ ዑደት ኣብ መንጐ በይጂንን ዋሽንግተንን ንዘሎ ርክብ ከዳኽሞ ከምዝኽእል ትማሊ ሰኑይ ከምዘጠንቀቐ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ኣብ ህዝቢ ኣሜሪካን ኮንግረስ እታ ሃገርን ንታይዋን ጽኑዕ ደገፍ ከምዘሎ ንዝግለጽ ኰይኑ፡ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራት ላዕለወይቲ ኣባል ዝዀነት ፔሎሲ'ውን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚራ ንመሪሕነት ቻይና ብምንቃፍን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብምዅናንን ትፍለጥ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሳ ቅድሚ ሕጂ ናብ ቻይና ብምኻድ ምስ ተቓወምቲ ቻይና ከም ዝተራኸበትን ኣብ ኣደባባይ ቲያንመን በጺሓ ድማ ንግዳያት ጃምላዊ ህልቂት 1989 ዝኽሪ ከም ዝገበረትን ይፍለጥ።

እታ ኣፈ-ጉባኤ ናብ እስያ እትገብሮ ዑደት ብሰንበት'ያ ጀሚራ። ናብ ሲንጋፖር፡ ማሌዥያ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ክትበጽሕ ድማ መደብ ተታሒዙላ ኣሎ።

ኣብ ሚያዝያ ናብ ታይዋን ክትበጽሕ ወጢና'ኳ እንተነበረት፡ ኮቪድ-19 ከምዝተትሓዘት ምስ ተረጋገጸ ግን መደብ ዑደታ ኣናዊሓቶ።

ፔሎሲ "ንታይዋን ደገፍ ምርኣይ ነዓና ኣገዳሲ እዩ" ክትብል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ተዛሪባ ነይራ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ፔሎሲ ናብ ታይዋን እትገብሮ ዑደት "ኣብዚ እዋን'ዚ ጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰነን" ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ትማሊ ሰኑይ ወሃቢ ቓል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቻይና ነገራት ንኽዓርጉ እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ፡ "ሕቅነት ዘይብሉ ናይ ይግብኣኒ ሕቶታት" ከጠቓልል ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ንኣብነት 'መጻብቦ [ንኽልተ ባሕርታት ወይ ውቅያኖሳት ዘራኽብ ክሳድ ማይ] ታይዋን ኣህጕራዊ መስመር ማይ ኣይኮነን' ክትብል ከምእትኽእል ኣሚቱ።

ቻይና ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ክሊ ኣየር ታይዋን ክትግበሮ እትሕልኖ ወራር፡ ናብ ኣንፈት እታ ደሴት በረራታት ነፈርቲ ውግእ ክገብር ከምእትኽእል ወሲኹ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ኪርቢ፡ ሪፓብሊካዊ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ነበር ኒውት ጊንግሪች ኣብ 1997 ናብ ታይዋን ከምዝበጽሐን፡ ካልኦት ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ታይዋን ገይሾም ምንባሮምን ኣዘኻኺሩ።

"ዝተቐየረ ነገር የለን፣ ንዛረበሉ ድራማ የለን፣ ሓደ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ቅድመኵነት ዘይብሉ ናብ ታይዋን ዝኸደሉ ኵነታት የለን" ብምባል፡ ፔሎሲ ነዚ ኤስያ ዑደታ ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣሜሪካ ተካይዶ ከምዘላ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዣንግ ጁን፡ እዚ ናይ ሕጂ ዑደት ፔሎሲ ምስቲ ኣብ 1997 ብኣፈ-ጉባኤ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ዑደት ዘወዳድር የብሉን፣ ከም ምትኵታዅ እዩ ዝርአ፡ ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እታ ኣፈ-ጉባኤ ብርግጽ ክትበጽሕ ወሲና እንተዀይና፡ ቻይና ድማ ገለ ዓይነት ቅልውላው ክትፈጥር ወይ ብኻልእ መንገዲ ወጥሪ ክተጋድድ እንተፈቲና፡ ምሉእ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ በይጂን ክኸውን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።