ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ዓወት ኣማን ካልኣይ ኣትዩ

ዓወት ኣማን
መግለጺ ስእሊ, ዓወት ኣማን

ናይ ሎሚ መድረኽ ካብ ከተማ ሩሱዚ ተበጊሳ ኣብ ሁየ ትውዳእ ኮይና ተቐዳደምቲ 144 ኪሎ ሜተር'ዮም ሸፊኖም።

እዛ መድረኽ እታ ዝተረረ ዓቐበት ዝነበራ ኮይና፡ ተቐዳደምቲ ብድምር 3348 ሜትሮ'ዮም ሓዂሮም።

ኣብ ብጫ ማልያ ፍልልይ ከተምጽእ እተኽእል መድረኽ ምዃና'ውን ብኣጋ ግምት ተዋሂብዋ ነይሩ'ዩ።

ብጫ ማልያ ተቐዳዳማይ ጆሪስ ዴልቢቭ ሒዝዋ ኣሎ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ብ12 ካልኢት ድሒሩ መበል ሓሙሻይ ኮይኖም'ዮም ነዛ መድረኽ ጀሚሮማ።

ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ርዋንዳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ጃቫ ኢኖቮቴክ ሸሙ ንሰንጊዩምባ፡ ማልያ ናይ መንጐ ቅጽበታዊ ውድድር ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ዲደር ሙንየኔዛ፡ ማልያ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ባይክ አይድ ዩኤል ሃብተኣብ ሒዞመን'ዮም ናብዛ መድረኽ ኣትዮም።

ብጋንታ ኤርትራ ን13 ጋንታታት በሊጻ ቀዳመይቲ ብምዃን'ያ ነዚ መድረኽ ጀሚራቶ፡ ንዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን ዝሓቆፈት ጀርመናዊት ጋንታ ኸኣ ብ24 ካልኢት ድሒራ ካልኣይቲ ኮይና ንሓሙሻይ መድረኽ ዛዚማቶ።

ጸወታ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ክጅምር ምዃኑ'ኳ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እንተነበረ፡ ብ 15 ደቂቕ ደንጒዩ'ዩ ጀሚሩ።

ተቐዳደምቲ ንኣርባዕተ ኪሎሜተር ብሓባር ድሕሪ ምጉዓዝ ናይ ተበገስ ምልክት ተዋሃቦም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መድረኻት ሰለስተ ጋንታታት'የን ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊበን።

ቀዳማይ መድረኽ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንገዲ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ ጋንታ እስራኤል ፕሪሜርቴክ ብመንገዲ ብራዲ ገሊሞር፡ ንራብዓይ መድረኽ ከኣ ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ብመንገዲ ጆሪስ ዴልቦቭ።

ነዛ ናይ ሎሚ መድረኽ'ከ ሓዳሽ ጋንታ ድያ ክትዕወተሉ ወይ እተን ኣቐዲመን ዝተዓወታሉ ይደግማ? ከተማ ሁየ ፍርዳ ክትህብ'ያ።

ጸወታ ጅምር ኣብ ዝበለለ'ዩ ናይ ምምላቚ ፈተነታት ብተደጋጋሚ ክካየድ ጀሚሩ።

ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዜኡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ ኣባል ባይክ ኤይድ ዳዊት የማነ ብተሪር ስኳቶ ናይ ምምላቚ ፈተነ'ኳ ኣንተኣካየደ፡ ዓባይ ጉጅለ ኣየፍቀደትሉን።

ኣብ መበል ሸወዓተ ኪሎሜተር ዓወት ክብሮም ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ገብረመድህን ሃይለማርያምን ኣማንኤል ግደይን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ሸውዓተ ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት ናይ በይኖም ጉጅለ ብምፍጣር ኣብ ውሽጢ ክልተ ኪሎሜተር ፍልልዮም ናብ ሓደ ደቒቕ ኣብጽሕዎ።

ነታ ቀዳመይቲ ተዳልያ ዝነበረት ናይ ዓቐበት ነጥቢ ተውህብ ከኣ ገብረመድህን ሃይለማርያም ቀዳምይ፡ በርሊን ካብ ጋንታ ባይክ አይድ ካልኣይ ኣማንኤል ግደይ ሳልሳይ ኮይኖም ነጥቢ ተማቒሎመን።

ጸወታ 14 ኪሎሜተር ምስ ተላዓሎ፡ እዛ ጋንታ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበራ ፍልልይ ናብ ሰለሰተ ደቒቕ ኣገማጊማቶ ነበረት።

ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ስኳቶታት ስለዝበዝሓ ክልተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንኣ ኢትዮጵያ፡ ጣሃ ካብ ናይ ዩሲኣይ፡ ዓወት ክብሮም ካብ ኤርትራ ካብ መራሒት ጉጅለ ተረፉ።

በርሊን፡ ሹተን ኤሪክ ሙሆጋን ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ናህሮም ብምዝያድ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ናብ ኣርባዕተ ደቒቕን ርብዕን ኣብጽሕዎ። ዓወትን ገብረመድህንን ካብ ካልኣይቲ ጉጅለ ነጢሮም ምስቶም ሰለስተ ቀዳሞት ብምሕዋስ፡ ቁጽሪ ናይ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኾነ።

እዛ ሓሙሽተ ተቀዳደምቲ ዝሓቆፈት መራሒት ጉጅለ 36 ኪሎሜተር ክትበጽሕ እንከላ፡ ፍልልያ 7 ደቂቕን 50 ካልኢት በጺሑ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ፡ መራሒት ጉጅለ ንዓባይ ጉጅለ ክንድዚ ደቓይቕ ክትፈልያ እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።

ጸወታ 100 ኪሎ ሜተር ተሪፍዎ ስለዘሎ ግን፡ እዚ ጋግ እዚ ንዓባይ ጉጅለ ምሒር ዘሻቕላ ኣይመስልን።

ማሪቨወት

ምንጪ ስእሊ, FERWACY

መግለጺ ስእሊ, ማሪቨወት

ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2023፡ ክሪስ ፍሩም በይኑ ብምህዳም ንዓባይ ጉጅለ ብ11 ደቂቕን 15 ካልኢትን ዘንጸፈላ ፍልልይ፡ ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ ዝነወሐ ጋግ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ'ዩ። ክሪስ ፍሩም ብሽክለታ ስለዘበላሸወ ግን ነቲ ፍልልይ ክዕቅብ ኣይክኣለን፡ ዓባይ ጉጅለ ኣርኪባቶ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ'ውን፡ እታ መራሒት ጉጅለ ጽቡቕ ትበራረ ስለዘይነበረት፡ ዓባይ ጉጅለ ነቲ ፍልልይ በብቕሩብ ከተጉድሎ ጀመረት፡ ጸወታ 50 ኪሎ ሜተር ምስ ተላዓሎ ከኣ ነቲ ፍልልይ ናብ ሽዱሽተ ደቒቕን 10 ካልኢትን ኣውረደቶ።

ካብ ዓባይ ጉጅለ 17 ተቐዳደምቲ ሃዲሞም ንመራሒት ጉጅለ ክሃድንዋ ጀመሩ፡ ኣብ ዓሰርተ ኪሎሜተር'ውን ነቲ ፍልልይ ናብ ትሕቲ 3 ደቒቕ ኣውረድዎ።

ዳዊት የማነ፡ ካብዛ ጉጅለ እዚኣ ንምምላቚ ብተደጋጋሚ ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ነታ ጉጅለ ዘቕስን ኣይነበረን። ስለዝኾነ ድማ እናተበራረየት ንፈተንኡ ተምክነሉ ነበረት። እዚ ክኸውን እንከሎ ጸወታ ፍርቁ ድሮ ተሸፊኑ ነይሩ።

ካብ መበገሲ ቦታ 90 ኪሎሜተር ኣብ ዝበጽሕሉ፡ እታ 17 ተጻወትቲ ዝሓዘት ካልኣይቲ ጉጀለ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ናይ ሓደ ደቂቕ ፍልልይ ጥራይ ነበራ።

ጸወታ 115 ኪሎ ሜተር ምስ ተላዓሎ፡ ገለ ተቐዳደምቲ ካብታ ካልኣይቲ ጉጅለ ሃዲሚም ነታ መራሒት ዝነበረት ጉጅለ ተጸንበርዋ። መራሒት ጉጅለ ፍልልያ ደቒቕን ርብዕን'ዪ ነይሩ። ንብዓል ብጫ ማልያ ዝሓዘት ጉጅለ ከተርክቦም ከምእትኽእል ከኣ ዘየጠራጥር ኮነ።

ናሆም ዘርኣይ ካብ ዓባይ ጉጅለ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈነወሉ፡ እታ ጉጅለ ፋሕ ብትን ኣተዋ። ነዛ መድረኽ መን ከምዝዕወተላ ንምፍላጥ ከኣ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ጥራይ ተረፈ።

ኣባል ጋንታ ዩኤኢ ማሪቨወት ተሪር መጥቃዕቲ ብምፍናው ንዓባይ ጉጅለ ኣቕዘዛ፡ ፍልልዩ'ውን ናብ 45 ካልኢት ኣብጸሖ። በይኑ ብምምጻእ ከኣ ቀዳማይ ኮይኑ ሕንጻጽ ረገጸ። ይበል ስኳቶ።

ኤትራዊ ዓወት ኣማን ካብ ጋንታ ዩሲይኣ ከኣ ካልኣይ ኣትዩ።

እቶም ካልኦት ኤርትራውያን ድማ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን 5ይ፡ ዮኤል ሃብትኣብ 8ይ ኮይኖም ብሓፈሻ ሰለስተ ኤርትራውያን ካብ ቀዳሞት 10 ኮይኖም ቅድድሞም ወዲኦም ኣለዉ።

ካብታ ድሒራ ዝኣተወት ጉጅለ ድማ፡ ናሆም ዘርኣይ መበል 15፡ ዳዊት የማነ 16፡ ዓወት ክብሮም 22፡ ከምኡ ድማ መትከል እዮብ 37፡ ናታን መድሃኔ 50፡ ያፌት ሙሉጌታ ኸኣ መበል 52 ኮይኖም ኣትዮም።

ብወገን ኢትዮጵያ ድማ፡ ገረዝጊሄር ገብረመድህን መበል 19፡ ፊልሞን ዘርኣብሩኽ 29፡ ምስ ዩ-ሲ-ኣይ ዝወዳደር ኣሚር ጣሃ 36፡ ተስፋይ ኣማኒኤል 38፡ ኣማኒኤል ደስታ 39፡ ከምኡ'ውን ብዛየ ተስፉ መበል 47 ኮይኖም ናይዚ መድረኽ ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ።