ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዝኽበር ዘሎ ኣሸንዳ-እንታይ ይመስል?

ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣዝየን በዳህቲ ዓመታት ነይረን፤ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ኰይነን እየን።

ኣብቲ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌደራልን ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ ስድራቤታት ተፈላልዮም፣ ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ጸብጻባት ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኲናት ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተፈጸሙ የመልክቱ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሰፍ ዘይብል ብድሆታት ዘውደረ ኲናት፡ ክልቲኦም ሓይልታት ብዝበጽሑዎ ስምምዕ ሰላመ ፕሪቶርያ፡ ተጻብኦታት ጠጠው ክብል እንከሎ፡ ሰላማዊ ህይወት ህዝቢ እቲ ክልል ቀስ ብቐስ ናብ ንቡር ክምለስ ጀሚሩ ይርከብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል በዓል ኣሸንዳ ብዝተሓዋወሰ ስምዒታት ይጽምብላ ኣለዋ።

ጓል ኣሸንዳ ሰላም፡ እቲ በዓል ኣብ ሰላማዊ ኩነታት ኰይንካ ይብዓል ምህላው ልዑል ባህታ ከም ዝፈጠረላ ትዛረብ።

“ከም ጓል ኣሸንዳ ክዳነይ ኣስፍየ፣ ጸጉረይ ተሰሪሐ ተዳልየ እየ። ብዙሕ ነገር እዩ ተዀሊፉ ነይሩ። ዝናፈቕኻዮ ነገር ሕዚ ተመሊስካ ከተግንዮ እንከለኻ ደስ እዩ ዝብል” ኢላ።

ነባሪት ከተማ መቐለ ዝዀነት ቤተልሄም ብወገና፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተርኣየሉ 2019 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ከምኡ’ውን ኲናት ትግራይ ምስ ተወለዐ፡ በዓል ኣሸንዳ ከይኽበረቶ እያ ጸኒሓ።

ሕጂ፡ ነቲ በዓል ንምድማቕ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከም ዝገበረት እትዛረብ ቤተልሄም፡ ‘ጋመ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቁኖ ተቘኒናን ተኳሒላን ተብዕሎ ምህላዋ ንቢቢሲ ገሊጻ።

“ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ብሙሉእ ሓጐስ ነኽብሮ ኣለና ክብል ኣይኽእልን፤ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀና፣ ኣብ መዕቖቢ ማእከላት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ምህላወን ክትሓስብ እንከለኻ ሙሉእ ኣይኸውንን። ይኹን’ምበር ከምዚ ዓይነት ክብረ በዓላት ነዚ ዓዲ መለዓዓሊ ክዀኑ ይኽእሎ’ዮም ብዝብል ኣንፈት ክትርእዮ እንከለኻ ትሕጐስ” ትብል።

እዚ ድሙቕ ባህላዊ በዓል ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝኽበር ኰይኑ፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እዚ እዋን ኣብ ግዜ እቲ ኲናትን ካልኦት ዓጸቦታትን ዝተኸስሩ ጸጋታት ዳግም ክዕምብቡ፣ እቲ ባህሊ ብዝሓሸ መገዲ ክዕቀብ ዝኽእለሉ ዕድላት ንምፍጣር ከም ዝጥቀማሉ ይገልጻ።

በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝኸደት ነብያት፡ ሎሚ በዓል ኣሸንዳ ብዝለዓለ ድምቀት ይኽበር ኣሎ ክትብል ገሊጻ።

“ህዝቢ ትግራይ ካብ ጸበባን ሽግርን ወጺኡ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ምብቅዑ ደስ ዝብል ድባብ ኣለዎ። ኣብ መቐለ ደቂ ኣንስትዮ ኩለን ተቘኖነን ኢኻ ትርእየን” ብምባል ካብ ቁኖ ክሳብ ክዳንን ካልእ መጋየጺታትን ምድላዋት ገይራ ተብዕሎ ምህላዋ ተዛሪባ።

ድሕረ ባይታ በዓል ኣሸንዳ

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን፡ መምህር ቅኔን መጽሓፍን ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ፡ ኣሸንዳ ዝብል ስያመ ናይቲ በዓል፡ ካብቲ ኣዋልድ ኣብ ሽምጠን ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ ዝተወሰደ'ዩ ክብሉ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

"ብቐንዱ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል'ዩ። ምኽንያቱ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ መቓብር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተላዒላ ናብ ሰማየ ሰማያት ከም ወዳ ዝኣረገትሉ'ዩ። እርገታ ስለ ዝዀነ ድማ ማርያ (ማርያም) ተባሂሉ'ዉን ይጽዋዕ'ዩ" ይብሉ።

በዓል ኣሸንዳ ድሕሪ ን16 መዓልታት ዝጸንሐ ጾመ ፍልሰታ ዝኽበር ኰይኑ ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶ ኣለዎ።

ብፍሉይ ሓዳር ዘይመስረታ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ'የን ዘኽብርኦ።

"ንሳተን ብፍሉይ ዘኽብርኦ፡ ደስትአን ዝገልጻ፡ እቲ ክብረንንን ልዕልንአን ዝተመለሰ ብቅድስት ድንግል ማርያም'ዩ" ይብሉ ሊቀ ሊቃዉንቲ ያሬድ ካሳ።

ክርስትና ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ብድሕሪ፡ 330 ዓመተ ምህረት በዓላት ትንሳኤን ካልኦትን ምኽባር እንትጅምሩ፡ ኣሸንዳ'ዉን ኣካል እቲ ኣከባብራ በዓላትን ኣዋጅ ጾምን ኰይኑ ክበዓል ከም ዝጀመረ ይዝረብ።

እዚ በዓል ዚያዳ እናሰፍሐ ዝመጽአሉ ግና ካብ እዋን ሃፀይ ካሌብ ንነጀው ኰይኑ፡ ብግዘ ዮዲት ጉዲት ግና እናነከየ መፂኡ ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይስንዱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ኣገዉ፣ ላስታን ላሊበላን ይኽበር።