ማእከላይ ባሕሪ፡ ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ብምጥሓላ ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓንቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ብምጥሓላ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።
እታ ናብ ኣውሮጳ ክትሰግር ዝፈተነት ጃልባ 70 ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ሓደ ብዓልስልጣን እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ኩሎም ካብ ሃገራት ትሕቲ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኮይኖም ሓያለ ዕሸላት ዝርከብዎም እዮም።
ካብቲ ትማሊ ረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣስታት 30 ሰባት ድሒኖም ከምዘለዉ ተፈሊጡ'ሎ።
ምጥሓል ናይታ ጃልባ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ብዙሓት ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይዝከር። እቲ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ናይታ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሃለቑላ ደሴት ላምፐዱሳ እዩ ኣጋጢሙ።
ጥቅምቲ፡ ቀዝሒ ኣውሮጳ እናገደደ ቅድሚ ምምጽኡ ስደተኛታት ብዘይውሑሳት ጃላቡ ክሰግሩ ዝቀዳደምሉ ወርሒ ምዃኑ ይፍለጥ። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ግዳያት ምጥሓል ክኾኑ ይርኣዩ።
ኣብ 2023 ጥራይ ልዕሊ 210,000 ስደተኛታት ብማእከላይ መስመር ናይቲ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ከምዝፈተኑ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።
ልዕሊ 60,000 ካብኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተፈላለያ ሃገራት ተታሒዞም ናብ ዝመጽሉ ገማግም ኣፍሪቃ ከምዝተመልሱ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ሰብመዚ ቱኒዝያ ነቲ ሓደጋ ንምጽራይ መርመራ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ቱኒዝያ፡ ካብ ሊብያ ቀጺላ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝብገሱላ ኣፍደገ ብምዃና ጸቕጥታት ክበጽሓ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ገማግም ከተማ ስፋክስ ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ልዕሊ 40 ሱዳናውያን ከምዝሞቱ ይዝከር።
ኣብ 2023፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ምስታ ሃገር ስምምዕ ፈጺሙ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ምስግጋር ስደተኛታት ደው ንምባል፡ ዶባታ ንክትቆጻጸርን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትመልስን ዘኽእላ 118 ሚልዮን ዶላር ደገፍ ተዋሂባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







