ብዝሒ ዶብ ኣመሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንሓምሻይ ወርሒ ብተኸታታሊ ነክዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብዝሖም ንሓሙሻይ ተኸታታሊ ወርሒ ከም ዝነከየ ወግዓዊ መረዳእታ ኣመልኪቱ።
ወኪላት ሓለዋ ዶባት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣስታት 57 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኣብ ቀይዲ ዘውዓሉ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ካብ መስከረም 2020 ንደሓር ዝወሓደ እዩ።
እዚ ቁጽሪ ካብቲ ኣስታት 250 ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙሉ ወርሒ ታሕሳስ ኣዝዩ ወሪዱ ኣሎ።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ናይ ዝተወሰዱ ስጉምትታት ውጽኢት ምዃኑ ይገልጽ።
ጸሓፊ ድሕነት ሃገር ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ ኣብዚ ሰሙን ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "እዚ ውጽኢት ናይዚ ምምሕዳር ዝወሰዶም ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት'ዩ" ኢሉ።
ማዮርካስ፡ እቶም ስጉምትታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተፈረመ ትእዛዝ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እዚ ድማ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ኣመሪካስ ደተኛታት መስርሕ ሕቶ ዑቕባኦም ከይጀመሩ ክስጎጉ ከም ዘኽእል ኣረዲኡ።
እዚ ስጉምቲ ብሓደ ፕረዚደንት ሰልፊ ዲሞክራትስ ካብ ዝተወሰዱ ናይ ቀረባ እዋን ኣዝዮም ቀየድቲ ፖሊሲታት ዶባት ተባሂሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ብጸጋማውያን ኣባላት እቲ ሰልፊ ድማ ተነቒፉ።
ኣብቲ እዋን እቲ ፕረዚደንት፡ ትእዛዙ "ዶብና ንምቁጽጻር ክሕግዘና'ዩ" ክብል ቃል ኣትዩ ነይሩ። ወሲኹ ድማ "ዋላ ሓንቲ ዘይምግባር ኣማራጺ ኣይኰነን" ኢሉ።
ቅድሚ እቲ ትእዛዝ እውን እንተኾነ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ደው ዝበሉ ስደተኛታት ከም ዝነከየ መረዳእታ መንግስቲ ይሕብር።
ኣብ ወርሒ ለካቲት 141 ሽሕ፤ መጋቢት 137 ሽሕ፤ ሚያዝያ 129 ሽሕ፤ ግንቦት 118 ሽሕ፤ ኣብ ወርሒ ሰነ ድማ 84 ሽሕ ከምዝተትሓዙ ሓላዋ ዶብ ኣመሪካ የመልክት።
እቲ ኣሃዛት ንወግዓዊ ምስጋር ዶባት ዘጠቓልል ኣይኰነን።
ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ዶብ እውን ሰበስልጣን ሜክሲኮ ሰባት ናብ ኣመሪካ ንምስጋር ቅድሚ ምፍታኖም ደው ምባል ሓዊሱ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ክሰርሑ ጸኒሖም እዮም።
ደቡባዊ ዶብ አመሪካ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ንዘምርሕ ዘሎ ምምሕዳር ባይደን ፖለቲካዊ ሕማም ርእሲ ኰይኑዎ ምጽንሑ ይዝረብ።
ባይደን ብተደጋጋሚ ብሪፓብሊካንን ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ሰልፎም ዶናልድ ትራምፕን ክነቅፍ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ፕረዚደንት “ንደቡባዊ ዶብና ኣሕሊፉ ኣረኪቡ” ክብል ትራምፕ ነቒፍዎ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ደምበ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ኮንግረስ ዝቐረበ ውጥን ዶብ ንኽዓግቱ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ሪፓብሊካን ጸቕጢ ገይሮም ብዝብል ከሲሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







