'ግዱድ ግብሪ'፡ ንስድራኻ ብገንዘብ ምሕጋዝ የድክም ዶ? ብኸመይ ከ ይርአ?

ባጤራ ወጻኢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሓፈሻ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ውራያት፡ በዓላትን ካልእ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታትን ጥራይ ዘይኰነስ ንቤተሰቦም ብፍላይ ንወለዶም ብስሩዕ ዝሕግዙ ምዃኖም፤ ገሊኦም'ውን ከም ግዴታ ከም ዝርእይዎ እዮም ዝገልጹ።

ኬንያዊት ንጥፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኤልሳ ማጂምቦ ኣብ ቲክቶክ “ናብ ኣብ ዓዲ ዘለዉ መቕርብካ ሰልዲ ምስዳድ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝውቱር ልምዲ'ዩ፤ ኣነ ግን ኣዝየ’የ ዝጸልኦ” ኢላ ኣብ ቲክቶክ ምስ ተዛረበት ኣብ ኬንያውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያን መንእሰያትን ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ነይሩ።

ኤልሳ ነቲ ቪድዮ ካብ ቲክቶክ’ኳ እንተኣለየቶ፡ እቲ ዛዕባ ግን ኣዘራራቢ ምዃኑ ኣይተረፈን።

እዚ ዛዕባ'ዚ፡ ኣብ ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ኣብ ወጻኢ'ውን ከዛርብ ተሰሚዑ እዩ። ቢቢሲ ንገለ ኤርትራውያን እዋን ንርእይቶኦም ተወኪሱ እዩ።

ዋላ’ኳ እቲ ኣሃዝ ብንጹር ምፍላጡ ኣጸጋሚ እንተዀነ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓመታዊ ሚልዮናት ዶላራት ናብ ስድራኦም ከምዝሰዱ ገለገለ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዋ ጓል 23 ዓመት ኤልሳ ማጂምቦ ነቲ ብልሙድ ‘ጸሊም ግብሪ’ እናተባሀለ ብመንእሰያት ዝግለጽ፡ ንኣዝማድካ ብገንዘብ ምሕጋዝ ምስ ኣልዓለቶ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት’ዮም ክቐባበሉሉ ተራእዮም።

መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ኣብ ዓዶም ወይ’ውን ካብ ዓዶም ወጺኦም ሰልዲ ክገብሩ እንተጀሚሮም ክሳብ ንርሑቕ ስድራኦም ናይ ምሕግዝ ግዱድ ሓላፍነት ከምዘለዎም ገይሮም’ዮም ዝወስድዎ፤ ዝተሸገረ ቤተ ዘመድ ናብኦም ኢዱ ክዝርግሕ’ውን ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

ገለ እዚ ልምዲ እዚ ሕብረተሰብ ንሓድሕዱ ኣብ ምድግጋፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ብዙሓት ግን እዚ ልምዲ'ዚ ግድን ክኸውን የብሉን በሃልቲ’ዮም።

ብሓፈሻ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ውራያት፡ በዓላትን ካልእ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታትን ጥራይ ዘይኰነስ ንቤተሰቦም ብፍላይ ንወለዶም ብስሩዕ ዝሕግዙ ምዃኖም፤ ገሊኦም'ውን ከም ግዴታ ከም ዝርእይዎ እዮም ዝገልጹ።

ኢልሳ ማጂምቦ ኣብ እዋን ኮቪድ’ያ ዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተፈላጥነት ኣጥርያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኣመሪካ ትነብር ዘላ ኤልሳ ማጂምቦ ከኣ ኣንጻር እዚ ልምዲ እዚ እያ ብትሪ ትማጐት።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣቦኣ ንዓመታት ዝሓገዞም ርሕቕ ዝበሉ ቤተሰባ ሕጂ’ውን ንሳ ክትሕግዞም ይጽበዩ ከምዘለዉ ትገልጽ፤ ንሓደ ስሙ ዘይገለጸቶ ቤተሰባ ከም ኣብነት ብምቕራብ ከኣ ምጕታ ትቕጽል።

“ኣነ ቅድሚ ምውላደይ ንኣቦይ ገንዘብ ሃበኒ ትብሎ ኔርካ፡ ኣነ ተወሊደ፡ ዓብየ፡ ሕጂ ከኣ ንዓይ ሰልዲ ትሓተኒ ኣለኻ፤ ላህዛዝ ኣነ ንልምድታትካ ክቕልብ ኣይኰንኩን ዝሰርሕ ዘለኹ” ትብል።

ኤልሳ ማጂምቦ ነቲ ቪድዮን ንምንታይ ካብ ቲክቶክ ከምዝኣለየቶ ኣይገለጸትን፤ ቢቢሲ ንምእላይ እቲ ቪድዮ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሕቶ’ውን ካብ ኤልሳን ምምሕዳራን መልሲ ኣይረኸበን።

እንተዀነ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎም መርገጺ ብዘየገድስ ብሰንኪ ማሕበራዊ ኣተዓባብያኦም፡ ካብ መቕርቦም ንዝመጽኦም ናይ ሓግዙና ጻውዒት ጸማም እዝኒ ኣይህብዎን’ዮም።

ገለ’ውን ንመቕርብ ምሕጋዝ ከም ምንጪ ምሉእነትን ንያትን’ዮም ዝርእይዎ።

ዩጋንዳዊት ሳንድራ ኣጃሎ

ምንጪ ስእሊ, Sandra Ajalo

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓንቲ ኣብ ዕድመ ሓምሳታት እትርከብ ዝምባብያዊት መምህር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ቅደሚ 30 ዓመታት ዳርጋ ኵሉ እቲ ዝኽፈላ ዝነበረ 380 ዶላር ዝምባብወ ንትሽዓተኦም የሕዋታ ትሰዶ ምንባራ ትሕብር።

“ንኣሕዋተይ ድቪዛ ናይ ትምህርቲ፡ ክዳውነትን ኣስቤዛን ምስ ገዛእክሎም 20 ዶላር ሒዘ ይተርፍ ነይረ” ትብል።

ንሳ በዅሪ ገዛ ከም ምዃና መጠን ሓደ ሓደ ግዜ ንዓኣ ኣስቤዛ ንምግዛእ ገንዘብ ትልቃሕ ከምዝነበረት’ውን ኣይሓበአትን።

እቲ ንሳ ሰሪሓ ትረኽቦ ዝነበት ደሞዝ ንዅሉ ስድራ ብማዕረ ዝምልከት ገይራ ትሓስቦ ምንባራ’ውን ትገልጽ።

ምስ ተመርዓወት’ውን እቲ ካብኣ ሓገዝ ዝጽበ ሰብ ክብርከት ጀሚሩ፤ ምኽንያቱ ንስድራ ሰብኣያ’ውን ክትሕግዞም ስለዝነበራ።

ሓደ እዋን ናይ ሓሙታ ናይ ትምህርቲ ንኽትከፍል ሰልዲ ተለቒሓ ክትከፍለሉ እናኸደት እንከላ ሰረቕቲ ካብ ቦርሳኣ ነቲ ሰልዲ ሰሪቘማ፡ ዕዳኣ ክትከፍል ክልተ ዓመት ከምዝወሰደላ ተዘንቱ።

ጓል 28 ዓመት ዩጋንዳዊት ሳንድራ ኣጃሎ ኣብ ስነ ጽባቐ ጸጕሪ’ያ ትሰርሕ፡ ንስድራ ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ከኣ ትገልጽ።

ሳንድራን ምስ ሰለስተ ኣሕዋታ ኣደኣ’ያ ንበይና ኣዕብያቶም፤ ብንኣሽቱኦም እንከለዉ ኣዝማዶም ክፍሊት ትምህርቲ ኣብ ምኽፋል፡ ኣስቤዛ ኣብ ምግዛእን ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ወጻኢታት ሕክምና ብምሽፋን ይሕግዙ ስለዝነበሩ ንኣዝማዳ ምሕጋዝ ዕዳኣ ከም ምኽፋል ገይራ ከምእትወስዶ ትሕብር።

ሳንድራ፡ “ንቤተ ሰብ ምሕጋዝ ጸገም ኣይኰነን፡ ትማሊ ዝተገበረልካ ምምላስ ወይ ከኣ ጽባሕ ንዝግበረልካ ኢድካ ምሕላፍ ገይረ’የ ዝወስዶ” ትብል።

እቲ ኤልሳ ማጂምቦ ኣብ ቲክቶክ ዝተዛረበቶ ቪድዮ ምስ ርኣየቶ ግን፡ ኤልሳ ዝመጽኣትሉ ሕብረተሰብ ጸልይዋ ክኸውን ከምዝኽእል ብምጥቃስ ኣብ ዩጋንዳ ግን ንሓደሕድካ ምትሕግጋዝ ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ ከምዝርአ ትሕብር።

“ኣድካሚን መረብረብን ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ እንተዀነ ዓለም ንበይንኻ ተነጺልካ ትነብረላ ኣይኰነትን፡ ብዝተኻእለና መጠን ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ ኣለና” ትብል።

ዶክተር ቺፖ ደንደረ ኣብ ኣመሪካ ኮሌጅ ዌለስሊ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር’ዩ፤ ንሱ ኣገዳስነት “ጸሊም ግብሪ” ሱሩ ካብ እዋን መግዛእቲ ዝጅምር ከምዝዀነ ይሕብር።

ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣውሮጳውያን እንከላ፡ እቲ ቀንድን ዝበዝሐን ጸጋታት ብአኦም ምስ ተባሕተ፡ እቲ ዝበዝሐ ወደባት ዝኣኽሎ ከኻዕብት ከምዘይከኣለ ይገልጽ።

ዶክተር ቺፖ ደንደረ ኣስዒቡ፡ “እዚ ንዝበዝሓ ኣፍሪቃውያን ስድራ ቤታት ንወለዶ ዝኸውን ሃብቲ ከጥርያ ኣየኽኣለንን” ድሕሪ ምባል ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ኣውሮጳውያን ነጻ ምስ ወጽኣ’ውን እንተዀነ እቲ ዘይምዕሩይ ሃብቲ ከምዘለዎ ወይ መልክዑ ቀይሩ ከምዝቐጸለ ይገልጽ።

ዶክተር ቺፖ ደንደረ እቲ ብ 'ጸሊም ግብሪ’ ዝግለጽ ኣፍሪቃውያን ንስድራኦም ወይ መቕርቦም ዝሕግዝሉ ኣገባብ ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ስለዘይኰነ መወዳእታ ዘይብሉ ዓንኬል ከምዝዀነ ይገልጽ።

እቲ ካልእ ረቋሒ ከኣ ዘይከምተን ሃብታማት ሃገራት፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዜጋታተን ናይ ጥዕና ዝርከቦ መሰረታዊ ጠለባት ሰለዘይሽፍና፡ ጥሮታ ስለዘይከፍላ ጾር ስድራቤታት ኣብቲ ደሓን ኣታዊ ዘለዎ ኣባል እታ ስድራ ከምዝወድቕ ዶክተር ቺፖ ደንደረ ይገልጽ።

“መንግስታት ኣፍሪቃ ጥሮታ ኣይህቡን’ዮም፣ ስድራቤታት’የን ዕማም መንግስቲ ዝሽፍናኦ ዘለዋ፣ ተገዲድና ኢና ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ ዘለና” ይብል ዶክተር ቺፖ ደንደረ።

ብመሰረት ካብ ዓለምለኻዊ ፈንድ ንሕርሻዊ ምዕባለ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣብ 2023 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ብድምር 95 ቢልዮን ዶላር ከምዝሰደዱ የመልከት፤ እዚ ከኣ ዳርጋ ማዕረ ቍጠባ ኬንያ’ዩ ዝትመን።

መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን እቶም ናብ ወጻኢ ዝተሰደዱ ኣፍሪቃውያን ብዙሕ ገንዘብ ከምዘለዎም’ዮም ዝሕስቡ።

ጋበ ሙሰየክዋ ኣብ ጀርመን ዝነብር ዙምባብያዊ

ምንጪ ስእሊ, Gabe Mutseyekwa

ወዲ 35 ዓመት ዝምባብያዊ ጋበ ሙተሰክዋ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ጀርመን’ዩ ዝነብር ዘሎ።

ንሱ እቲ ንስድራ ዝሰዶ ገንዘብ ንመጻኢኡ ከይሓስብን ገንዘብ ከየዋህልልን ይዕንቅጾ ስለዘሎ ገንዘብ ምስዳድ ደው ከብሎ ከምዝዀነ ንስድራኡ ብወግዒ ከምዝሓበሮም ይጠቅስ።

ስድራኡ ንሓሳቡ ብጽቡቕ ኣይተቐበልዎን። ንውሳነኡ ኣኽቢሮም’ውን ገንዘብ ካብ ምሕታቱ ዓዲ ኣይውዓሉን።

ጋበ ሙተሰክዋ፡ ሓደ እዋን ተምሃራይ እንከሎ ኣብ ትርፊ ግዜኡ እናሰረሐ ዘዋህለሎ ናብ ስድራ 2000 ዩሮ [2200 ዶላር] ሰዲዱ ከምዝነበረ ይሕብር።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “እቲ ኣብ መንጐ ውልቃዊ ፋይናንሳዊ ውሕስነትን ንስድራ ምሕጋዝን ዘሎ ምምጥጣን ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ” ይብል።

ብዙሓት ሰባት ሓደ ሃብታም ኣባል ስድራ እንተሃልይዎም ኣብ ንብረቱን ገንዘቡን ዋንነት ከምዘለዎም ገይሮም ከምዝሓስቡ’ውን ይገለጽ’ዩ።

እዚ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ከም ዝርአ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን እውን ይገልጹ። ብዙሓት ንዓመታት ኣብ ስደት ሰሪሖም ዘዋህለልዎ ገንዘብ ንቤተሰቦም ኣሕዋቶምን ንምሕጋዝ ኣጢፊኦምዎ እዮም። ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ንዝተሰዱ መንእሰያት ኣሕዋቶም፡ ካብ ሃገር ካብ ምውጻእ ኣትሒዝካ፡ ናብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ንምስጋር ዘይተኣደነ ገንዘብ ኣፍሲሶም እዮም።

ብፍላይ ኣብ መንገዲ ሓደጋታት ጭውያ ኣሰጋገርቲ ኣብ ዘጋጥመሉ ኣሽሓት ዶላራት ከምዝጠፍአ ብዙሓት ዘዘንትውዎ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ መስርሕ ስደትን ምስግጋር ሰባትን ዝወጸ ሚልዮናት ዶላራት ኤርትራውያን ንምግማቱ ዘጸግም ኰይኑ፣ ንበይኑ ርእሱ ዝኸኣለ ገምጋም ከምዘድልዮ እዩ ዝእመን።

ንኸምዚ ኣምልኪቱ ውሩይ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ነበር ናይጀርያዊ ጆን ኦቢ ሚከል ምስ ሪዮ ፈርዲናንድ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ‘ንጸሊም ግብሪ’ ኣመልኪቱ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ካብ ኣፍሪቃ ምስ እትመጽእ ገንዘብ እንተገይርካ እቲ ገንዘብ ናትካ ኣይኰነን፤ እወ ናትካ ጥራይ ኣይኰነን፣ ኵሎም ኣዝማድካ፡ ኣኮታትካ፡ ሓወቦታትካ ኣሞታትካ ኮታ ኵሎም ኣዝማድካ እቲ ሰልዲ ይምልከቶም’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

ጆን ኦቢ፡ ኣዝማዱ ኣዝዮም ብዙሓት ቈልዑ ወሊዶም ኵሉ ነገራት ንሱ ክኸፍለሎም ዝጽበዩ ከምዘለዉ’ውን ገሊጹ።

እቲ ኤልሳ ማጂምቦ ዝበለቶ ብዙሓት ዘይክሰማምዕሉ ይኽእሉ’ዮም፤ እንተዀነ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ምትንካፉ ኣይተረፎን።

ዶክተር ቺፖ ደንደረ ኣብ መወዳእታ ኣፍሪቃ ናይ ብሓቂ እንተዘይማዕቢላ “ጸሊም ግብሪ ንዘልኣለም ምሳና ክጕዓዝ’ዩ” ብምባል ይምጕት።