እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ: ህዝቢ ካብ ጥሜትን ሞትን ንምድሓን እንታይ ይስራሕ ኣሎ?
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብታ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተሃስያ ዝጸንሐት ከምኡ ድማ ምስ ድርቂ ትቃለስ ዘላን ክልል ትግራይ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 225 ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ተገሊጹ’ዩ።
ኣብዚ ብፍላይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እታ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ፡ ብሚልዮን ዝቝጸር ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜትን ሞትን ተቓሊዑ ይርከብ።
ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን እታ ክልልን ከምዝሕብርዎ፡ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ረድኤት ምግቢ የድልዮ።
እቲ ኵነታት ብቕልጡፍ ዘድሊ ኣቓልቦን ስጕምትን እንተዘይተወሲዱሉ፡ ካብቲ ኣብ 1977 [ግ] ዘጋጠመ ድርቂ ከም ዝኸፍእን ስምብራቱ ቀሊል ከምዘይከውንን ክኢላታት ይሕብሩ።
እቲ ካብ በሰላ ኲናትን ቅልውላው ድሕረ-ኲናት ዘይተገላገለ ህዝቢ፡ ብሰፊሑ ተጠቒዑ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት መዓልታዊ ንጥፈታቱ’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣስዒቡሉ እዩ። እዚ ኣሰካፊ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ግን ብኸመይ እዩ ተታሒዙ ዘሎ? ንምቅላሱ፡ ብግዝያዊ ምምሕዳርን ፈደራልን መንግስቲ ይዅን መሻርክቲ ትካላት ረዲኤ እንታይ ጻዕሪታት ይግበር ኣሎ? ንዝብል ዛዕባ ቢቢሲ ዳህሲስዎ ኣሎ።
ሓደጋ ድርቂን ጥሜትን ክብደቱ ማዕረ ክንደይ እዩ?
ሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክብደት እቲ ሓደጋ ምስቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ዘጋጠመ ድርቂ ብምንጽጻር፡ ካብኡ ዝበኣሰ እውን እዩ ክሳብ ምባል ይኸዱ።
ብኣንፃሩ መንግስቲ ፈደራል ድማ እቲ ገምጋም ዝተጋነነን ኣብ መፅናዕቲ ዘይተመርኰሰን እዩ ብምባል ነፂግዎ።
እንተዀነ እቲ ኣብ ዛዕባ ድርቂ ትግራይ ኣተኵሩ ዝቐረበ መጽናዕቲ፡ ብሰለስተ ኣካላት ተዋዲዱ ከምዝተኻየደ ይግለጽ። ካብ ፈደራል መንግስቲ፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካብ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ብጥምረት ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ባይታ ወሪዶም ዘፅንዕዎን ሳይንሳዊን እዩ ይብል ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ዶ/ር ገብረህይወት ገብረእግዝኣብሄር።
ንሱ ነዚ ምርኵስ ብምግባር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ብመሰረት ርእይቶ ዓበይቲ ዓዲ፡ እቲ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ምስቲ ብ1977 ዓ.ም ክነጻጸር እንከሎ፡ ባህሪያዉን ሰብሰርሖን እዩ።
“እዚ ድማ ዝተፈለየ ክኸውን ይገብሮ፤ ንክልተ ዓመት ብዝተኻየደ ኲናት ቍጠባዊ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ማህሚኑ፡ ባልዕ ኣብ ዘራእትን ኣትክትን ሳዕቤን ዘውረደሉ፡ ወቕቱ ዝሰሓተ ዝናብ እውን ከቢድ ሽግር ፈጢሩ እዩ፤ ከምዚ ዝበለ ዝተደራረበ ፀገም ኣብ 1977 ዓ.ም ኣየጋጠመናን ይብሉ ሓረስቶት” ብምባል ገሊፆም።
ብሰንኪ እቲ ድርቂን ጥሜት ሰባት ከምዝሞቱ ኣብ ምግላፅ እውን ዝተፈላለየ ሓበሬታ ይንፀባረቕ። ምምሕዳር ወረዳታት ቍጽሪ መወትቲ ጠቒሶም ዝህብዎ መግለፂ ኣሎ። ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ዘይእመነሉ ኵነታት ይረአ።
ብሓፈሻ እቲ ጸብጻብ ኣንታይ ይመስል?
ዶ/ር ገብረህይወት እቲ ካብ ወረዳታት ኣብዚ እዋን ዝስማዕ ዘሎ ፀብፃብ ምምሕዳራዊ እምበር መፅናዕታዊ ኣይኮነን እዩ ዝብል።
“ኣህጉራዊ ትካላት ረድኤት ዝህብዎ ዝነበረ ሓገዝ ዓሚ ሚያዝያ ደው ምስ በለ፡ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት ትግራይ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ 1329 ሰባት ምስ ሕፅረት መግቢ ብዝተዛመደ ጸገማት ከምዝሞቱ ይገልጽ፤ እዚ ኸኣ ብጂፒኤስ ዝተደገፈ መፅናዕቲ እዩ። ብካልእ ሸነኽ ካብ ሓምለ ካብ ምምሕዳራት ወረዳ ዝቐረበ ጸብጻብ እንተወሓደ 860 ሰባት ከምዝሞቱ ይገልፅ። ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ ሰብ ከምዝመውት ርዱእ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ግና ብመፅናዕቲ ክረጋገፅ ኣለዎ" ይብል።
ህዝቢ ትግራይ ብከቢድ ድርቂን ጥሜትን ኣብ ዝህሰየሉ ዘሎ እዋን ጭንቂ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ብዙሓት ሰባት እዩ። ብፍላይ ድማ መሪሕነት ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ን72 መዓልቲታት ኣብ ኣኼባ ይርከቡ። ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሽግር ኣብ ዝወደቐሉ ግዜ ኣብ ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ኣኼባ ምጽማዶም ግቡእ ኣይኰነን ዝብል መረረ ከኣ ይስማዕ።
ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደኣ፡ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ?
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ድርቂ ንምምካት ብቐንዱ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ውጥናት ነዲፉ እዩ።
ዛጊት፡ ልዕሊ 296 ሚልዮን ብር መዲቡ ኣብ ሽረ ንዝርከቡ ተፈናቐልቲ ጠመተ ብምሃብ ብጥረ ገንዘብን እኽልን ሓጊዙ፤ ኣብ ቀረባ እዋን እውን ከባቢ 60 ሚልዮን ብር ሓገዝ ገይሩ፣ ክብል ኮሚሽነር ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ይገልጽ።
“ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በጀት የብሉን። ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ከይተርፈ ዘይከፈሎ ደሞዝ ኣለዎ፤ ብሓፈሻ ኣብ ማሕበራዊ ቅልውላው ዘሎ ምምሕዳር እዩ፡” ድሕሪ ምባል ኮሚሽነር ዶ/ር ገብረህይወት፡ እዚ ኰይኑ ግን፡ ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ ዝብል ሓይሊ ዕማም ኣቝሙ ኣሎ። ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ንከባቢ 500 ሽሕ ህዝቢ ዝኸውን ቀለብ ከም ዝወሃብ ገይሩ ይብል።
ብዘይካ’ዚ፡ ምምሕዳር ትግራይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ከምኡ’ውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ፡ ይዅን ምምሕዳር ካልኦት ክልላት ነቲ ህዝቢ ክሕግዙ ይመርሕን የተባብዕን ከምዘሎ ይግለጽ።
እንተዀነ፡ እዚ ዅሉ ነቲ ፀገም ዝምጥንን እኹልን እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ እቲ ምምሕዳር ግን ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ይገብር ምህላዉ እዩ ዶ/ር ገብረህይወት ወሲኹ የነጽር።
ኣተሓሒዙ ኮሚሽነር ዶ/ር ገብረህይወት፡ “እቲ ዝካየድ ኣኼባ እውን ካብቲ ሽግር ንምውፃእ ዝሕግዝ ሓደ መንገዲ እዩ። ስራሕ ዝግምግም ኣኼባ ክኸውን ኣለዎ፡” ብምባል ኣዘካኺሩ።
ግደ መንግስቲ ፈደራል ከ እንታይ እዩ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ወሃቢ ቃሉ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ፀገም ደው ኢሉ ከምዘይርእዮ ዘሎን የግዳስ ዝከኣሎ ሓገዝ ይገብር ከምዘሎን ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ነዚ ኣብ ዝምልከት ዶ/ር ገብረህይወት፡ “ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እኹል ኣይኮነን እምበር ይሕግዘና ኣሎ” ብምባል ነቲ ዛጊድ ዝግበር ዘሎ ድጋፍ ይንእድ።
መንግስቲ፡ “ዛጊድ ኣብ ሰለስተ ዙር ሓገዝ ኣበርኪቱ እዩ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 31 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ብምስዳድ ኣብ 17 ከተማታት ትግራይ ንዝርከቡ ብፍላይ ተፈናቐልቲ ሓጊዙ እዩ።
“ኣብ ካልኣይ ዙር ልዕሊ 126 ሽሕ ኩንታል ብምስዳድ ኣብ 65 ወረዳታት ንዝርከብ ህዝቢ ሓጊዙ እዩ፡” ድሕሪ ምባል ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ልዕሊ 77 ሽሕ ኩንታል ብምስዳድ፡ ብድምር ንሓደ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ መንግስቲ ፈደራል ሓጊዙ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
እዚ ይዅን ግን፡ ልዕሊ 4.5 ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ስለዘድልዮ፡ “እዚ ሽግር ድማ መንግስቲ ፌደራል ክውንኖ ይግባእ። ኣብ ትሕቲ እቲ ፈደሬሽን ክሳብ ዘለና ክልል ትግራይ በይኑ ዝስከሞን ዝፈትሖን ኣይኰነን፡” ብምባል ኣተሓሳሲቡ።
ዝምልከቶም ሰበስልጣን ናብ ትግራይ ብምኻድ ብኣካል ነቲ ኵነታት ምዕዛቦምን ዝተወሰነ ሓገዝ ምግባሮምን ግን ዝምስገን ምዃኑ እቲ ዶ/ር ተዛሪቡ።
ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤት ከ እንታይ ይብላ?
ቅድሚ ሕጂ ከምዝተገልጸ፡ ናብ ትግራይ ዝተልኣኸ ረድኤት እኽሊ ተሰሪቑን ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥን ክልወጥን ድሕሪ ምርኣዩ፡ ካብ ትካላት ረድኤት ዝርከብ ዝነበረ ሓገዝ እኽሊ፡ ኣብ ሚያዝያ ደው ካብ ዝብል፡ ናብ ሓደ ዓመት ገጹ ይኸይድ ኣሎ።
“ኣብዚ እዋን እቶም ትካላት ረድኤት ንፈተነ ዝጀመርዎ ሓገዝ ከምዘሎ ግን ይረአ ኣሎ፡” ብምባል፡ “እቲ ስርቂን ምጥፍፋእን ምስ ኣጋጠመ ምምሕዳር ትግራይ ኣፃርዩ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ኣቕሪቡ እዩ፤ እዚ ምስ ተገብረ ምስቶም ትካላት ረድኤት ምርድዳእ ተፈጢሩ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ መስርሕ ኣተዓዳድላ እውን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ፡” ይብል ዶ/ር ገብረህይወት።
በዚ መሰረት፡ ትካል ሲኣርኤስ (ማሕበረሰባዊ ረዲኤት ካቶሊክ) ናይ ፈተነ 20 ሚእታዊ ንምሃብ ተሊሙ። ኣብ 50 ወረዳታት ትግራይ ንልዕሊ 650 ህዝቢ ረድኤት ሂቡ፤ እዚ ግን ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ዝተርፍ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ 98 ሚእታዊ ከም ዝተፈጸመ ካብቲ ኮሚሽነር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ነቲ ዛጊት ዝገበርዎ፡ ሓገዝ ብምምስጋን ድማ፡ ነቲ ሽግር ምሉእ ብምሉእ ንምቅላስ፡ በቲ ዝተረፈ 80 ሚእታዊት ዓቕሞም ክዋስኡ ከምዘድሊ እቲ ኮሚሽነር ኣዘኻኺሩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም [WFP] ግን ክሳብ ብደረጃ ፈተነ እውን እንተዀነ፡ ኣብ ትግራይ ዝዀነ ረድኤት ምሃብ ከምዘይጀመረ ይፍለጥ።
ኰይኑ ግን ብባንክ ዓለም ዝምወል መደብ ሴፍትነት፡ ኣብ 13 ወረዳታት ሓገዝ ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ፤ ልዕሊ 274 ሽሕ ኵንታል ድማ ዓዲሎም ከምዘለዉ ካብቲ ኮሚሽነር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እንተዀነ፡ እቲ ህዝቢ ኣመና ተሃስዩ፡ ሃብተ-ጥሪቱ ተዘሚቱ፡ ኣብ ልዕሊኡ ማይ ክረምቲ ጠሊምዎ፡ ረድኤት ደው ብምባሉ ድማ ንሞትን ስደትን ተቓሊዑ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ሰፋሕቲ መሬት ሕርሻ ብፍላይ ድማ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፈደራልን ሰራዊት ሓይልታት ኣምሓራን ብምህላው፡ እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ተመሊሱ ናብራኡ ክገብር ኣይከኣለን።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ውሽጣዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኣተሓባቢሩ ከምኡ’ውን ምስ መንግስቲ ፈደራል ተወሃሂዱ ህዝቢ ካብ ሞት ንምድሓን ክሰርሕ ከምዝግባኦ ይግለፅ ኣሎ።
መንግስቲ፡ ልምዓት መስኖ ምክያድን ኣብ ምትሕግጋዝ ተደሪኹ ክሰርሕ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰካፊ ኵነታት ኣብ ዘለወሉ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝረአ ዘሎ ንመርዓ: ንተዝካርን ኩስሚን [ንግደት] ዝባኽን ዘሎ ዘይተኣደነ ሃብቲ ግቡእ ከምዘይኰነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ የዘካኽር።