ኮሮናቫይረስ ኣብ ገለ መግብታት ንመዓልታት ክጸንሕ ከምዝኽእል ትፈልጡ’ዶ?

ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኮሮናቫይረስ ብፍላይ ኣብ ዝተዓሸገ መግቢ ንመዓልታት ክጸንሕ ከምዝኽእል ኣረጋጊጾም።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽእዎ መጽናዕቲ፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ዝተወሰኑ ዕሹጋት መግቢ ፈቲኖምዎ።

እዚ ድማ ኣብ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ኬክን ባኒን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተዓሸገ መስተታት ተፈቲኑ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ከይሓጸብካ ወይ ከይበሰለ ክብላዕ ዝኽእል መግቢ ብምምራጽ እዮም ፈቲኖሞ።

እዚ ግን ንተጠቀምቲ ዝወሓደ ሓደጋ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ መብዛሕትኡ ፍርያት መግቢ፡ እቶም ተመራመርቲ ዘቐመጥዎ መጠን ቫይረስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ርኡይ ምንካይ ኣርእዩ።

ኣብ ገለ ዝተዓሸጉ መግብታት ግን እቲ ቫይረስ ክሳብ ሓደ ሰሙን ክጸንሕ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን ይገልጹ።

ብመሰረት እቶም ነቲ ቫይረስ ወሲዶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ "ብከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ምርካቡ ኣገዳሲ'ዩ" ይብሉ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ተጠቀምቲ ኣእዳዎም ክሕጸቡ፡ ብፍላይ መግቢ ኣብ ዘዳልዉሉ እዋን፡ ከምኡ’ውን ዘይበሰለ መግቢ ተሓጺቡ ክብላዕ ተላቢዮም።

ብተወሳኺ እቲ ቫይረስ ኣብ ከም ብሮኮሊ ዝኣመሰሉ ሓርፋፍ ገጽ ዘለዎም ኣሕምልቲ ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሕ ኣረጋጊጾም።

ኣብ በዓል ሜለ ዝኣመሰሉ ፍሩታት ግን በቲ ኣብ ቆርበት ዘሎ ኬሚካል ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ወይ ሰዓታት ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቫይረስ ክቐትሎ ከምዝጅምር እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ኣብ ኬክን ባኒን ኣብ ዝገበርዎ ፈተነታት፡ ኣብ ገለ ደረቕ ገጽ ዘለዎም ኬካት ቁጽሪ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከም ዝነከየ ገሊጾም።

እዚ ምናልባት እቶም ኬካት እንቋቑሖ ስለዝሕወሶ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ እንቋቑሖ ዘሎ ኣሲድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሆም

እቲ ቫይረስ ኣብ ፎርማጆን ዝሑል ስጋን ንመዓልታት ሓደ ሓደ ግዜ እውን ንሰሙናት ብህይወት ክጸንሕ ከምዝኽእል ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ፕላስቲክ ናይ ኣቑሑት ክሳብ ሓደ ሰሙን ክጸንሕ ይኽእል። ኣብ ካርቶን ንውሑዳት መዓልታት፡ ኣብ መዐሸጊ ኣሉሚንየም ድማ ንውሑዳት ሰዓታት ክጸንሕ ከምዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ገሊጾም።