ከምዝተፋትሐት ኣብ ቲክቶክ ድሕሪ ምዝራባ ብሰብኣያ ዝተቐተለት ሳንያ

ሳንያ ካሃን፡ ነቲ ቅሳነት ዘይነበሮ ሓዳራ ምስጠንጠነቶ ገለ ኣባላት እቲ እትውለደሉ እስላማዊ ማሕበረሰብ ደቡብ እስያ፡ ህይወታ ከምዘበላሸወት እዮም ቈጺሮምዋ። ኣብ ቲክቶክ ግን ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ሓገዝን ምጽንናዕን'ኳ እንተረኸበት፣ እዚ ግን እቲ ዝፈትሓቶ ሰብኣይ ተመሊሱ መጺኡ ክሳብ ዝቐትላ ጥራሕ እዩ ነይሩ።

(መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ገለ ዝርብሽ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ።)

ሳንጣኣ ጠርኒፋ፡ ነጻነታ ክትረክብ ቀሪባ ነይራ።

ጓል 29 ዓመት ሳንያ ካሃን ኣብ ሓምለ 21፡ ነታ ዘይሕጕስ ህይወት ሓዳር ዘሕለፈትላ ኣሜሪካዊት ግዝኣት ቺካጎ ገዲፋ ብምውጻእ ኣብ ትውልዲ ዓዳ ቻታኑጋ፡ ህይወታ 'ሀ' ኢላ ንምጅማር ወጢና ነይራ።

እንተዀነ ኣብቲ ዕለት ብሳንዱቕ ሬሳ እያ ናብቲ ኣብ ቴነሲ ዝርከብ ገዛኣ ተመሊሳ።

ፖሊስ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብቲ ምስ ሰብኣያ ነበር ወዲ 36 ዓመት ራሂል ኣሕመድ እትነብረሉ ዝነበረት ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ገዛ ወዲቓ ረኺቦምዋ። ኣብ ድሕሪት ሸነኽ ርእሳ ብጥይት ተወቒዓ ህይወታ ሓሊፉ'ዩ ነይሩ።

እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ ኣሕመድ እውን ንገዛእ ርእሱ ብሽጉጥ ኣጥፊኡ።

ኣብ 'ቺካጎ ሳን-ታይምስ' ዝወጸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ እቶም መጻምዲ “ኣብ ከይዲ ፍትሕ” ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ካልእ ግዝኣት ምንባር ጀሚሩ ዝነበረ ኣሕመድ፡ ነቲ ሓዳር “ከድሕን” 700 ኪሜ ተጓዒዙ መጺኡ።

እቲ ዘሕዝን ነፍሰ ቅትለት ዝሓወሰ ፍጻመ ግን መዛዘሚ ታሪኽ እታ ፓኪስታናዊት-ኣሜሪካዊት ሰኣሊትን ኣብ ሓዳር ንዝብደላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቲክቶክ ወጺኣ ድምጺ ብምዃን ተፈላጥነት ረኺባ ዝነበረትን ሳኒ ካሃን ኰይኑ።

ሞት እታ ንእስቲ ንብዙሓት ዘሰንበደ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ንሳ እትውለደሉ ማሕበረሰብ ደቡብ እስያ ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ቅሳነት ኣብ ዘይብሉ ሓዳር ክጸንሓ ዝግበር ጸቕጢ ክስመዐን ከምዝገበረ ገሊጸን።

ብሪያና ዊልያም ዝተባህለት ናይ ዩኒቨርሲቲ መሓዛኣ፡ “29 ዓመታ ቀዳውየይን ሓድሽ ህይወትን እዩ ትብል ነይራ”

“ደስ ኢልዋ ነይሩ” ትብል።

ሳንያ ኣብ ጥቓኣ ንዝነበሩ መሓዙታ ባህታን ሓጎስን እትፈጥር ሰብ እያ ነይራ።

“ዋላ ንባዕላ ከቢድ እዋን እናሕለፈት፡ ንሳ እያ ቀዲማ መዓልትኻ ከመይ ኣሎ ኢላ ክትሓተካ እትድውል” ትብል ካልእ መሓዛኣ መህሩ ሸይክ።

ሳኒ ኣብ ኢንስታግራም ንፎቶግራፍ ዘለዋ ፍቕሪ ኣመልኪታ ኣብ ዝጸሓፈቶ፡ “ሰባት ኣብ ቅድሚ ካሜራ ንባዕሎምን ንሓድሕዶምን ከፍቅሩ ይሕግዝ” ኢላ ነይራ።

እታ ንእስቲ ናይ መርዓ፡ ጥንስን ካልኦት ጽምብላትን ሓዊሱ ንመሓዙታን ብዙሕ ገንዘብ ንዝኸፍሉ ዓማዊልን ስኢላ እያ።

“ኣብ ድሕሪ ካሜራ ክትከውን እንከላ እዩ ህይወት ዝህልዋ” ትብል መሓዛኣ መህሩ።

ኣብ ህይወታ ሓጐስ ክትውስኽ ባህጊ ዝነበራ ሳንያ፡ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣፍቃሪኣ ዝነበረ ኣሕመድ ኣብ 2021 ተመርዕያቶ፤ ሓቢሮም ድማ ናብ ቺካጎ ከይዶም።

ድሙቕን ዓቢይን ናይ ፓኪስታን ዓይነት መርዓ ከምዝደገሱ እትገልጽ ሓንቲ መሓዛኣ፡ እቲ ሓዳር ግን “ኣብ ሓሶትን ምድንጋርን ዝተመሰረተ እዩ ነይሩ” ትብል።

መሓዙት ሳንያ፡ ኣሕመድ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝነበሮ እየን ዝገልጻ። ቅድሚ ምምርዓዎም እውን ርክቦም ብርሑቕ እዩ ዝነበረ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ግን ኣሕመድ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎ ከምዝተዛረባን ንሳ ድማ ህይወታ ውሑስ ከምዘይኮነ ክስመዓ ከምዝጀመረን መሓዙታ ይዛረባ።

ስድራ ሳንያ ኣብዚ ዛዕባ ሓሳብ ክህቡ ቢቢሲ ዘቕረበሎም ሕቶ ኣይተቐበሉዎን። ካብ ስድራ ኣሕመድ እውን መብርሂ ምርካብ ኣይከኣለን።

ኣብ ኣሜሪካ ሰሙናዊ ኣስታት 12 ቅትለትን ርእሰ ቅትለትን ዝፍጸሙ ኰይኖም እቲ ክልተ ኢድ ኣብ መንጎ ፍቝራት ወይ ሰብ ሓዳር ዘጋጥም ከምዝዀነ ሓበሬታ ማእከል ፖሊሲ ቫዮለንስ የመልክት።

ጸገም ጥዕና ኣእምሮን ኣብ ርክብ ዘጋጥሙ ጸገማትን፡ ኣብ ሓዳር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ከም ቀንዲ ምኽንያታት ዝግለጹ ኰይኖም፡ ድሕሪ ፍትሕ ደቂ ኣንስትዮ መጻምደን ብዝነበሩ ሰባት ክቕተላ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ሳንያ ኣብ ሓዳራ ጸገም ከምዘለዋ፡ ሰብኣያ ናይ ምድቃስ ጸገም ከምዘለዎን ባህርያቱ ከምዝቀያየርን ከምዝተዛረበት ዝዝክራ መሓዙታ፡ ሕክምና ንምርካብ ፍቓደኛ ዘይምንባሩ እውን ገሊጸን።

ብሰንኪ እቲ እናኸበዳ ዝመጸ ጸገም፡ መሓዙታ ክትፈትሖ እኳ እንተመኸራኣ፡ ንሳ ግን ሰብ እንታይ ይብለኒ ዝብል ስክፍታ ከምዝነበራ'ውን ይሕብራ።

ደንጉያ እውን እንተዀነ ብሓገዝ መሓዙታ ወረቐት ፍትሕ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባ፡ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ንምርካብ ንነሓሰ ተቘጺራ።

ድሕሪ እዚ እያ ኣብ ቲክቶክ ወጺኣ ተመኵሮኣ ክተካፍል ጀሚራ።

ሓደ እዋን “ከም ሓንቲ ደቡብ እስያዊት፡ ፍትሕ ሓደ ሓደ እዋን ህይወትካ ከምዝተበላሸወ ክስመዐካ ይገብር” ዝብል ጽሑፍ ኣካፊላ ነይራ።

በዞም እተቕርቦም ሓሳባት ኣዘራራቢት እናኾነት ዝመጸት ሳኒ፡ ኣብ ዝተቐትለትሉ እዋን ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰዓብቲ ነይሮምዋ።

ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝሰርሕ ሓደ ትካል ቺካጎ፡ ዝኽሪ ሓደ ወርሒ ሞት ሳንያ ካሃን ብኢንተርነት ከምዘዳሉ ክሕብር እንከሎ፡ ዝተምሃረትሉ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ድማ ብስማ ዕድል ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።