እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋዕላ ናይሮቢ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓድሽ ግብሪ ክሊማ ክእወጅ ኣሚሞም
ኣብቲ ኣብ ኬንያ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ዋዕላ ክሊማ ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት እታ ኣህጉር ክሊማዊ ለውጥ ንምግታእን ሳዕቤናቱ ንምብዳህን ሓድሽ ናይ ካርቦን ግብሪ ክተኣታቶ እማመ ኣቕሪቦም።
እቲ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ፡ ሓያለ እማመታት ዝሓዘ 'ኣዋጅ ናይሮቢ' ብምውጻእ ሎሚ ተዛዚሙ።
እቲ ሰነድ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዱባይ ዝጋባእ ዋዕላ ክሊማ ዓለም (ኮፕ28) ንዘቕርብዎ ዛዕባታት ምርኩስ ዝኸውን'ዩ ተባሂሉ'ሎ።
ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ ዋላ'ኳ ግዳይ ናይቲ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ እንተኾነት፡ እታ ኣህጉር 12 ሚእታዊት ካብቲ ብዓለም ደረጃ ዘድሊ 300 ቢልዮን ዶላር ጥራይ'ያ ትረክብ ዘላ።
ቀንዲ በከልቲ ሃገራት ዓለም'ውን ነተን ድኻታት ሃገራት እኹል ደገፍ ክገብራለን እቶም መራሕቲ ጸዊዖም። ብዘይካ'ዚ፡ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ተሓዳሲ ጸዓት ከተዕብዮ ኣለዋ ኢሎም።
"ዓቕሚ ተሓዳሲ ጸዓት ኣፍሪቃ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ 56 ጊጋ-ዋት ኣብ 2030 ናብ 300 ጊጋ-ዋት ብምብራኽ ንዘለዋ ድኽነት ጸዓትን ኢንዱስትሪያዊ ጠለብ ርትዓዊን ጽሩይን ጸዓት ከተደንፍዕ" ከምእትኽእል እቲ ኣዋጅ ይእምት።
እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ዝተሳተፈ መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን፡ እታ ኣሃጉር ኣብ ክንዲ "ንትኳቦ ኢዳ ትዝርግሕ" ናይ ባዕላ ጸጋታት ከተጓሳጉስ ተማሕጺኑ።
ኣብቲ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ዘአንገዶ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት፡ ናይ ጂቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ታንዛንያ፡ ሴራልዮን፡ ርዋንዳን ሴነጋልን ዝርከብዎም ሓያለ መራሕቲ መንግስታትን ሃገራትን ተረኺቦም ነይሮም።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን'ውን ተሳቲፎም።
ዓመት መጸ፡ ሃገራት ሃለም ንበካሊ ጋዛት ንምንካይ ዝተፈላለየ መብጻዓታት'ኳ እንተኣተዋ፡ መጠን ዋዒ ዓለም ግን እናወኸ'ምበር ክጎድል ኣይረአን ዘሎ።
ተመራመርቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ከምዝበልዎ፡ መጠን ዋዒ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት 1.5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዝሕተት ዘሎ ህጹጽ ጠለብ ድማ ነቲ መጠን ትሕቲ 1.5 ብምውራድ ምግትኡ'ዩ።
ዛጊት ግን ተበግሶታት ሃገራት ከምቲ ዝድለ ኣድማዒ ስለዘይኮነ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።