ተኣጊደን ዝጸንሓ ነፈርቲ ቦይንግ ፍቓድ በረራ ረኺበን

ተቘጻጻሪ ኣቬሽን ኣሜሪካ፡ ስርሓት ቦይንግ ዝዀና 737 ማክስ 9 ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ዘካይዶ ዘሎ መርመራታት ምስተዛዘመ ዳግማይ በረራ ክጅምራ ከምዘፍቅድ ገሊጹ።

ምምሕዳር ኣቬሽን ፌደራል፡ ስርሓት እቲ ኩባንያ ዝዀነት ነፋሪት ኣብ መንጐ በረራ ማዕጾኣ ተሰባቢሩ ምስወደቐ ን171 ነፈርቲ በረራ ከይካይዳ ኣዚዙወን ጸኒሑ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ዩናይትድን መንገዲ ኣየር ኣላስካን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ነተን ነፈርቲ ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ መደብ ኣለወን።

እንተዀነ ቦይንግ ን737 ማክስ 9 ዝርከባአን ዝበለጸ መሸጣ ዘለወንን ጸቢብ ክፍሊ ኣካላት ዘለወን ነፈርቲ መሊሱ ንኸፍሪ ከምዘይፍቀደሉ ምምሕዳር ኣቪየሽን ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ኣቭየሽን ማይክ ዊታከር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቦይንግ ከም ቀደሙ ናብ ስራሕ ኣይክምለስን'ዩ" ኢሉ።

"ኣብዚ መስርሕ ዝተቓልዑ ጉዳያት ቍጽጽር ጽሬት ከምዝተፈትሑ ክሳብ ዘይዓገብና፡ ካብ ቦይንግ ካልኦት ፍርያት ነፈርቲ ንምስፍሕፋሕ ንዝቐረበ ሕቶ ወይ ተወሳኺ ነፈርቲ 737 ማክስ ንምፍራይ ከነጽድቕ ኣይንሰማማዕን ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኣላስካ "ገሊአን ውሑዳት ነፈርቲና ንዓርቢ ናብ ዝተመደበ ንግዳዊ ኣገልግሎት ክንመልሰን" ትጽቢት ከምዘለዎን፡ መርመራታት እናተዛዘመ ምስ ከደ መዓልታዊ ተወሳኺ ነፈርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ትጽቢት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ዩናይትድ፡ 737 ማክስ 9 ዝዓይነተን 79 ነፈርቲ ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ ዘኽእል ናይ መወዳእታ ፍቓድ ካብ ምምሕዳር ኣቭየሽን ፌደራል ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ዋና ሓላፊ ስርሒታት እቲ ኩባንያ ቶቢ ኢንክቪስት፡ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ 28 ጥሪ ጀሚሩ ነፈርቲ ዳግማይ በረራ ንምጅማር ዘኽእለን ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ብ5 ጥሪ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኣላስካ ዝዀነት 737 ማክስ 9 ካብ መበገሲ ቦታኣ ተላዒላ በረራ ምስጀመረት ነዊሕ ከይጸንሐት ሓደ ካብ መዓጾኣ ተሰባቢሩ ድሕሪ ምብታኑ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ፖርትላንድ ኦሪገን ብህጹጽ ክትምለስ ተገዲዳ።

ሓለፍቲ ክልቲኡ መንገዲ ኣየር ኣላስካን ዩናይትድ መንገዲ ኣየርን፡ ነፈርቲ 737 ማክስ 9 ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከይበራ ስለዝተኣገዳ ኣብ ኣገልግሎታቶም ዓቢ ምዝንባዕ ድሕሪ ምፍጣሩ ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ብስጭቶም ገሊጾም።

እዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ብዛዕባ ድሕነት ነፈርቲ ቦይንግ ሓድሽ ሕቶታት ኣልዒሉ’ሎ።

እቲ ኩባንያ ኣብ 2018ን 2019ን ምኽንያት ሞት 346 ተሳፈርቲ ዝዀነ ክልተ ሓደጋታት ምስኣጋጠሞ ጽዑቕ ምክትታል ከምዝገጠሞ ይግለጽ።