ንቦይንግ ብምቅላዕ ዝፍለጥ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ሃንደበት ሞይቱ

ብዛዕባ ብቕዓት ነፈርቲ ትካል ቦይንግ ስክፍታታት ብምልዓል ዝፍለጥ ሰራሕተኛ እቲ ኩባንያ ነበር ኣብ ኣመሪካ ሞይቱ ተረኺቡ።

ጆን ባርነት ኣብ ቦይንግ ን32 ዓመታት ዝሰርሐ ኰይኑ፡ ካብቲ ትካል ኣብ 2017 ብጥሮታ ተሰናቢቱ።

ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝቐረበ ክሲ መርትዖ ክህብ ጸኒሑ’ሎ።

ቦይንግ ብሞት ሚስተር ባርነት ከምዝሓዘነ ገሊጹ። መርማሪ ሬሳ ምምሕዳር ቻርለስተን ሞት ባርነት ሓቂ ከምዝዀነ ትማሊ ሰኑይ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ወዲ 62 ዓመት ብ9 መጋቢት "ባዕሉ ብዘውረዶ" መጕዳእቲ ከምዝሞተን ፖሊስ ምርመራ የካይድ ከምዘሎን ገሊጹ።

ሚስተር ባርነት ኣብቲ ዓቢ ትካል ነፈርቲ ኣመሪካ ን32 ዓመታት ዝሰርሐ ኰይኑ ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ፋብሪካ ኖርዝ ቻርለስተን ከም ሓላፊ ምርግጋጽ ብቕዓት ኰይኑ ምስርሑ ድሕረ ባይታኡ የረድእ።

ንሱ ኣብ 2019 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኰይኖም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ኮነ ኢሎም ደረጃ ብቕዓቶም ዝወረደ ኣቑሑ ነፈርቲ ይገጥሙ ከምዘለዉ ኣቃሊዑ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ስርዓታት ኦክስጅን ከቢድ ጸገማት ከምዘጋጠመን፡ እዚ ማለት ድማ ካብ ኣርባዕተ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሓደ ኣብ ህጹጽ እዋን ኣይሰርሕን ማለት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ካሮላይና ስራሕ ምስ ጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደስቲ ነፈርቲ ንኽስርሓ ይግበር ኣብ ዝነበረ ድፍኢት፡ ታህዋኽ ዝመልኦ ስለዝነበረ ውሕስነት እተን ነፈርቲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዝዀነ ስካፍታኡ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ትካል ግን ነዚ ነጺግዎ’ዩ።

ድሒሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ቅኑዕ መስርሕ ይኽተሉ ከምዘይነበሩ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ትሕቲ ብቕዓት ዝዀኑ ኣቝሑ፡ ምድንጓይ ከይፍጠር ተባሂሉ ኣብተን ዝስርሓ ዝነበራ ነፈርቲ ከምዝተገጠመ ይዛረብ።

ሚስተር ባርነት፡ ንኣካየድቲ ስክፍታታቱ ከምዝሓበሮም’ኳ እንተገለጸ፡ ዝዀነ ስጕምቲ ግን ከምዘይተወስደ ገሊጹ። ቦይንግ ነቲ ዝሃቦ ምጕት ነጺግዎ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ 2017 ብናይ ኣመሪካ ተቘጻጻሪ ምምሕዳር ፈደራል ኣቬሽን ዝተገብረ ገምጋም፡ ንገለ ካብቲ ስክፍታታት ሚስተር ባርነት ዝድግፍ ኰይኑ ተረኺቡ።

ሚስተር ባርነት ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ምስቲ ጉዳይ ዝተኣሳሰር ሕጋዊ ቃለ-መሕትት ንምግባር ኣብ ቻርለስተን ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቅድሚ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጠበቓ መስቀላዊ መርመራ ምክያዱ፡ ብጠበቓታት ቦይንግ ዝቐረበሉ ሕቶታት ወግዓዊ መግለጺ ሂቡ።

ንሱ ብቐዳም ተወሳኺ ሕቶታት ክቐርበሉ ነይርዎ፤ ደሃዩ ምስ ጠፍአ ግን ነቲ ዝዓረፈሉ ሆቴል ሕቶ ቀሪብሉ። ብድሕሪኡ ኣብ መኪናኡ ሞይቱ ተረኺቡ።

ጠበቓኡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሞቱ "ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ። ቦይንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብሞት ሚስተር ባርነት ሓዚንና፡ ስድራኡን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም" ኢሉ።

እዚ ሞት፡ ኩባንያ ቦይንግ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ምክትታል ኣብ ዘለወሉ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።