ትራምፕ፡ ምስ ፑቲን ክራኸብ ቈጸራ ሒዘ ኢሉ

ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝራኸበሉ ቈጸራ ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ።

"ክንራኸብ ይደሊ'ዩ፤ ነዳልዎ ክኣ ኣለና" ኢሉ።

እቲ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ መዓስ ከምዝራኸቡ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ክረምሊን ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ፑቲን ነቲ ዝርርብ ክፉት ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይተረጋገጸ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ 20 ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ተመልሰ፡ ኲናት ዩክረይን ከብቅዕ ክዘራረብ ከም ዝዀነ ተመጻቢዑ'ዩ።

ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንዝተዓወተ ዶናልድ ትራምፕ እንቋዕ ሓጐሰካ ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ "ተባዕ ሰብ" ክብል ከም ዝገለጾ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት፡ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን "ብዅሉ ሸነኻት ብሽግራት ተኸቢቡ ከም ዝነበረ" ድማ ተዛሪቡ ነይሩ።

ፑቲን፡ ትራምፕ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንኽብል ክሕግዝ ይኽእል እየ ምባሉ "ብውሑዱ ቆላሕታ ዝግብኦ'ዩ" ክብል'ውን ገሊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ጐስጓሱ፡ ነቲ ኲናት "ኣብ ሓደ መዓልቲ" ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለጸ፡ ነዚ ብኸመይ ከፈጽሞ ከም ዝኽእል ግን ኣብሪሁ ኣይፈልጥን።

ትራምፕ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ኣመሪካ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ትራምፕ ፕረዚደንት ምስ ኰነ እቲ ኲናት ካብቲ ብኻልእ ኣገባብ ዝውዳእ "ቀልጢፉ" ክውዳእ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ክልቲኦም ብቴሌፎን "ሃናጺ ዝርርብ" ከም ዝገበሩ እኳ እንተገለጸ፡ ትራምፕ ምስ ሩስያ ክገብሮ ዝኽእል ዝርርብ ብዝምልከት ዝዀነ ጠለብ ኣቕሪቡ ድዩ ኣይቀረበን ግን ኣይገለጸን።

ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዩክሬይን-ሩስያን ንዩክሬይን ዝለዓለ ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ሓገዝ እትገብር ሃገር ምዃኑ ይፍለጥ።

ዶናልድ ትራምፕ ግን ኣመሪካ፡ ንኪቭ ብዛዕባ እትህቦ ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ሓገዝ ግን ጥርጣረታት ከም ዘለዎ ገሊጹ'ዩ።

ትራምፕ፡ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ነበርሌተናል ጀነራል ኬት ኬሎግ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዩክረይንን ሩስያን ገይሩ ከም ዝሾሞ ይዝከር።

ንሱ፡ ዩክረይን ቀጻሊ ሓገዝ ኣመሪካ ክትረክብ እንተዀይና ምስ ሞስኮ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ክትቕበል ኣለዋ ምባሉ ይፍለጥ።

ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ፕረዚደንት ባይደን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ክኣቱ'ዩ።

ትራምፕ፡ ንዩክረይንን ሩስያን ናብ መኣዲ ዘተ ከእትወን ክፍትን ምዃኑ ይግምት።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት፡ እቲ ኲናት 'ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ' ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ሰኒቑ ኣሎ።

ዘለንስኪ ምስ ኣመሪካዊ መደበር ተለቪዥን ፎክስ ኒውዝ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ንሃገሩ ክትህቦ ዝጸንሐት ደገፍ እንተቋሪጻ፡ እቲ ኲናት ብዓወት ሩስያ ከምዝውዳእ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ኣብ ዓውደ ውግእ፡ ሩስያ ኣብ ምሉእ ግንባራት ንቕድሚት እናደፍአት ትኸይድ ከምዘላ እሙናት ምንጪታት ይሕብሩ።