ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ

ዑስማን ሰይድዓብደላ

ምንጪ ስእሊ, Osman Saidabdala

ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዑስማን ሰይድዓብደላ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ኮይኑ ተመዚዙ።

እቲ ኣባል ምዕራባዊ ዞባ 'ቫስተርኖርላንድ' ((Västernorrland) ኮይኑ ዘሎ ዑስማን ን'ሶሻል ደሞክራትስ' (ማሕበራዊ ደሞክራሲ) ብምውካል'ዩ መንበር ተዋሂብዎ ዘሎ።

ኣብ 2022 ነቲ ሰልፊ ብምውካል ኣብ ዞባዊ ምርጫ ከም ተተካኢ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተዓዊቱ ነይሩ።

ኣብቲ ምርጫ ኣብ ፓርላማ መንበር ንምርካብ'ውን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ተወዳዲሩ ምንባሩ ይዝከር።

"እቲ ዜና ምስ በጽሓኒ፡ ሓበንን ሓጎስን'ዩ ተሰሚዑኒ። ንዞባና ክውክል እምነት ክግበረለይ ዓቢ ክብረት'ዩ። ግና፡ ምስቲ መዝነት ዝመጽእ ሓላፍነት ድማ ይርድኣኒ'ዩ" ክብል ዑስማን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ንዘለና ብድሆታት ንምግጣምን ንህዝቢ ዞባና ንምግልጋልን ብልዑል ወኒ ተዳልየ ኣለኹ"።

ድሕሪ'ቲ ዝተዋህቦ መዝነት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን "ንዅሎም እቶም ንዓይን ንጕጅለ ሰልፊናን ሶሻል ደሞክራስያውያን ድምጽኹም ዝሃብኩም ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም ። ብሓባር ኴንና ንዝሓየለን ብግቡእ ዚዓዪን ዞባ ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ ነይሩ።

"እቲ ቀንዲ ብድሆ ናይቲ ዞባ ጉዳይ ጥዕና'ዩ፡ እኹል ዓቕሚ ሰብን ቀረብን የለን፡ ነዚ ንምምሕያሽ ድማ ቀንዲ ካብቲ ምስ ብጾተይ ክሰርሓሉ ወጢነ ዘለኹ'ዩ" ይብል ዑስማን።

መተካእታ ኣባላት ባይቶ ብቦርድ ምርጫ'ዮም ምሉእ ኣባልነት ዝወሃቦም።

ወርሓዊ ኣኼባ ዘካይድ ዞባዊ ባይቶ ሽወደን ኣብ ጥዕናን ትሕት-ቅርጺን ዝርከብዎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ውሳነታት ክህብ ሓላፍነት ዝተሰከመ'ዩ።

ኣብቲ ኣብ 2026 ዝካየድ ዝቕጽል ምርጫ ክሳተፍ ድሌት ከምዘለዎ'ውን ዑስማን ይገልጽ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣበየናይ ደረጃ ክወዳደር ምዃነይ ምስቲ ናትና ሰልፊ ክላዘብ'የ። ንሱ ድማ ኣብዚ ተዋሂቡኒ ዘሎ መዝነት ብዝገብሮ ተሳታፍነትን ኣበርክቶን እዩ ዝውሰን" ክብል ንመጻኢ ዘለዎ ተስፋ ኣመልኪቱ።

"ኣብዚ እብረ'ዚ፡ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ንምውድዳር ኣብ ዞባዊ ፖለቲካ ዘለኒ ተመክሮ ምስፋሕ'ዩ ዕላማይ"።

ኣብቲ ናይ 2022 ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ክራምፎርስ (Kramfors) ተወዳዲሩ ተዓዊቱ ነይሩ'ዩ።

ዑስማን መን'ዩ?

ዑስማን ሰይድዓብደላ

ምንጪ ስእሊ, Osman Sadiabdala

ኣብ 2013 ከም ስደተኛ ናብ ሽወደን ዝኣተወ ዑስማን፡ ብዘይካ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዘለዎ ተሳታፍነት ኣብ ዓውዲ ትምህርትን መጽናዕትን'ውን ይነጥፍ'ዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚድ ስዊደን ከም መምህርን (ለክቸረር) ተመራማርን ተክኖሎጂ ሓበሬታን ስነዳን ይሰርሕ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣባል ቦርድ ማሕበር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሽወደን ብምዃን ንዕላማታትን ክብርታትን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሽወደን ንምድንፋዕ ከምዝሰርሕ ይገልጽ።

ኣብታ ሃገር ከም ብዓል ኣርሀ ሓመድናካን ሙሴ ኤፍረምን ዝበሉ ሓያሎ ካብ ኤርትራ ዝተወለዱ ሸወደናውያን፡ ኣባላት ፓርላማን ባይቶታትን ኣመሓደርቲ ከተማታትን ክኾኑ ምብቅዖም ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት'ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኣባልነት ባይቶታት ክወዳደሩን ክዕወቱን ጸኒሖም'ዮም።

ሽወደን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።