እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሊብያ ተሳኢኑ ዝጸንሐ ዩራንየም ከምዝተረኽበ ተገሊጹ
ንምብራቓዊ ክፋል ሊብያ ዝቈጻጸሩ ዕጡቓት ሓይልታት ነቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ከምዝጠፍአ ዝተገለጸ ክልተ ቶንን ፈረቓን ዩራንየም ከምዝረኸብዎ ገሊጾም።
እቲ ኣጽዋራት ኑክሌር ንምስራሕ ክውዕል ዝኽእል ማዕድን ኣብ ዶብ ጫድ ከምዝተረኽበ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ሚድያ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ሓቢሩ።
ዓለምለኻዊ ትካል ምቍጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት ነቲ ጸብጻብ ንምርግጋጽ ይሰርሕ ምህላው ኣፍሉጡ።
እቲ ትካል ምቁጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት፡ መርመርቱ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ናብታ ሃገር ድሕሪ ምብጽሖም ኣብ በራሚል ተኸዚኑ ዝነበረ ማዕድን ከምዝተሰወረ ገሊጹ ኔሩ።
እቲ ዩራንየም ተኸዚኑሉ ዝነበረ ከባቢ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ኣይነበረን።
እቲ ዝተሰወረ ዩራንየም ዘይተጻረየ ኮይኑ፡ ኣብዚ ደረጃ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ክውዕል ኣይክእልን፤ ምስ ዝጻረ ግን ንፕሮግራም ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክውዕል ከምዝኽእል ክኢላታት እቲ ዓውዲ ገሊጾም።
ሊብያ ኣብ ታሕሳስ 2003፡ ኣብቲ ኮሎኔል ሙዓማር ጋዳፊ መራሒ እታ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኑክሌራዊ፡ ባዮሎጂያውን፡ ኬሚካላውን ኣጽዋር ምውጋዳ ይዝከር።
ውልቀመላኺ ኮሎኔል ሙዓማር ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምዕላው ግን፡ እታ ሃገር ኣብ መንጐ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኣብ ዝካየድ ኲናት ተሸሚማ እያ ጸኒሓ።
ኣብዚ እዋን እታ ሃገር ኣብ መንጐ ኣብ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መሰጋገሪ መንግስትን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ካልእን ኣብ ክልተ ተገሚዓ ትርከብ።
እቲ ዩራንየም ዝተሰወረሉ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ካብ ቍጽጽር ክልቲኦም ወገናት ወጻኢ እዩ።
ብሓሙስ እቲ ንምብራቓዊ ሊብያ ንዘመሓድር ስርዓት ዝድግፍ ብሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ዝፍለጥ ሓይሊ እዩ እቲ በራሚል ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ጥምረት ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ኰይኑ ንከባብያዊ፡ ዓሌታውን ሚሊሻታት ሳላፊን ዘጠቓልልን ብፊልድ ማርሻል ኸሊፋ ሓፍተር ዝምራሕን እዩ።
ኸሊፋ ሓፍተር ገዲም ኣባል ሰራዊት ሊብያ ኰይኑ ሓደ ካብቶም ኣብ 1969 ዕልዋ ብምፍጻም ንኮሎኔል ጋዳፊ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝሓገዙ እዩ።
እቲ በራሚል ካብቲ ተኸዚኑሉ ዝነበረ ከባቢ ደቡባዊ ሊብያ ኣስታት 3 ኪሜ ርሒቑ ከምዝተረኽበ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ዓለምለኻዊ ትካል ምቍጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት፡ እቲ ከባቢ ንምብጽሑ ኣጸጋሚ ኰይኑ ምጽንሑ ይገልጽ።
ተቘጻጸርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ስፍራ ክበጽሑ ደልዮም'ኳ እንተነበሩ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ሚሊሻታት ሊብያ ዝነበረ ኲናት ተሰጋጊሩ እዩ ጸኒሑ።
ብኔቶ ዝድገፉ ሓይልታት ንኮሎኔል ጋዳፊ ካብ ዝዓልውዎ ንደሓር፡ ብዙሓት መንግስታትን ሓይልታትን ወጻኢ ኣብ ሊብያ ጽልዋኦም ንምዕባይ ክቃጸጹ ጸኒሖም እዮም።
ሓደ ካብኣቶም ሩስያዊ ጕጅለ ዋግነር ክኸውን እንከሎ፡ ንሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ሓገዛት ይገብር።
እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር፡ ብሓፈሻ ሕጊ ኣልቦ ኰይና ትርከብ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2013 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሊብያ ዝሰጋገር ኣጽዋር ኣብ ካልእ ክፋል ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ግጭት ንምብራዕ ይውዕል ምህላው ገሊጹ ነይሩ።