እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሬሳ ብደርፊን ሳዕስዒትን ዝስነየሉ ባህሊ ኢትዮጵያውያን
ኣብ ኮንሶ ተወሊዱ ዝዓበየ ዶክተር ኦንጋየ ኦዳታ፡ ኣቦሓጐኡ ኣብ ቀረባ እዋን’ዩ ሞይቱ።
ቅድሚ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ግን፡ ፈተውቲን ኣዝማድን ተኣኪቦም ከም ዝደረፉን ከም ዝሳዕስዑን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሞት ዝልመድ ነገር ኣይኰነን፤ ከጋጥም ከሎ ድማ ኣዝማድን ፈተውቲን ተኣኪቦም ብብኽያት ሓዘኖም ክገልጹ ልሙድ እዩ።
ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ሓዘንተኛታት ጸሊም ክዳን ክኽደኑ፡ ርእሶም ክላጽዩን ካብ ዘሐጕሱ ንጥፈታት ክቝጠቡን’ውን ይርአ’ዩ።
እቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኮንሶ ግን ካብዚ ዝተፈለየ ባህሊ ኣሎዎ፤ ሞት ኣባል ስድራቤት ወይ ፈታዊ ብደርፊን ሳዕስዒትን’ዩ ዝስነ።
እዚ ባህሊ’ዚ ሺሌታ ይበሃል
ብመሰረት’ዚ ባህሊ፡ ሓደ ሰብ ኣቦኡ ወይ ኣደኡ ምስ ዝሞቱ ብደርፍን ሳዕስዒትን’ዩ ዘሰንዮም። ዶክተር ኦንጋየ እውን ካብዚ ዝተፈለየ ነገር ኣይገበረን።
ዶክተር ኦንጋየ፡ ኣብ ዲላ ዩኒቨርስቲ መምህር’ዩ፤ ሓላፊ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያትን ክልል ደቡብ ኰይኑ’ውን የገልግል።
"ሓደ ዝሞተ ሰብ ብደርፍን ሳዕስዒትን ዝስነየሉ እዚ ባህሊ፡ ፍልይ ዘብሎ ነገር ወለዶም ዝሞቱ ህጻናት'ውን ስለዝስዕስዑ’ዩ" ይብል።
ሬሳ መዓስ’ዩ ብደርፊ ዝስነ?
ዶክተር ኦንጋይ፡ ቦኽሪ ውላድ እዩ። ንሱ ባዕሉ ክልተ ቈልዑ ኣለውዎ። ኣቦኡ'ውን ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ኣሎ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሬሳ ናብ መቓብር ክውሰድ ከሎ፡ ብደርፍን ሳዕስዒትን ይስነ፤ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ምስተፈጸመ ድማ እቲ ደርፊ ይቕጽል።
ናይቲ ዝሞተ ሰብ ሕያውነት፡ ሰናይ ተግባራትን ትውልዱን ኣብቶም ደርፊታት ይግለጽ።
ብደርፊ ዝስነዩ ሰባት 'ዝተመረቝ ሰባት' እዮም ተባሂሉ ድማ ይእመን።
ንዝሞተ ሰብ ዝዝመር ደርፊ፡ 'ሃራና' ብዝብል ይፍለጥ፤ ዝተፈላለየ ግጥሚ ኣለዎ።
ይዅን እምበር ንውሓት እቲ ደርፊ ይፈላለ’ዩ።
ህይወት ማሕበረሰብ ኮንሶ ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ፡ ኣብ እዋን ሕርሻ ዝሞተ ሰብ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ዝፍጸመሉ እዋን ድሕሪ መዓልቲ ቀብሪ ናብ ዝምችእ ወቕቲ (መስከረምን ጥቅምትን) ይናዋሕ።
ሓደ ሰብ ጻህያይ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እንተሞይቱ ድማ፡ እቲ ደርፊ ንእተወሰነ እዋን ክጸንሕ ይግበር።
ብድሕሪኡ፡ ዕለት ተወሲኑ ንህዝቢ’ቲ ከባቢ ይንገር፤ መጀመርታ ደቂ ዓዲ እቲ ከባቢ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ርሑቕ ዝነብሩ ቀቢላ ኮንሶ ክፈልጡ ይግበር።
ረቛሒታት ባህሊ ሺሌታ
ዶክተር ኦንጋይ ከም ዝብሎ፡ ብመሰረት ባህሊ ኮንሶ፡ ሓደ ሰብ ብደርፍን ሳዕስዒትን ንኽስነ ከማልኦም ዝግባኦ ረቛሒታት ኣለዉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞተ ኣባሓጐኡ እውን ተመሳሳሊ ረቛሒታት ስለዘማልአ ብደርፊ፡ ዕልልታን ሳዕስዒትን ከም ዝተሰነየ ይዛረብ።
ብኸምዚ ዓይነት ስርዓት ዝስነ ሰብ እዅል ዕድመ ዝነበረን ኣባሓጐኡ ንምርኣይ ዝበቕዐን ከምኡ'ውን ካብ ደቂ ኣባሓጐኡ እቲ ዝዓበየ ተባዕታይ ክኸውንን ኣለዎ።
ነዞም ረቛሒታት ዘማልኡ ሰባት ብኽልቲኡ ጾታ ክስነዩ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዞባ ኮንሶ ኣተሓባባሪ ቋንቋን ባህልን ኣቶ ገመቹ ገንፈ፡ ምስ ርእይቶ ዶክተር ኦንጋይ ይሰማማዕ።
እቲ ጽንብል ብኸመይ ይጅምር?
ተወለድቲ እቲ ሕብረተሰብ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ ህሞት ደርፊ ከም ዘይጅምር ይዛረቡ።
ኣብ መጀመርታ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ብብኽያት ሓዘኖም ይገልጹ። ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት እቲ ደርፊ ይጅመር’ሞ ንገለ መዓልታት ይቕጽል።
ኣብ ገለ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡ ሓዘንተኛታት ኣዝማዶም ምስ ዝሞቱ ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ሓዘኖም ይገልጹ እዮም።
ኣብ ባህሊ ኮንሶ ግን ስድራን ጐረባብትን ናይቲ ዝሞተ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኖም እዮም ናብቲ እንዳ ሓዘን ዝኸዱ።
ይኵን እምበር ኣብ ስነ-ስርዓት ሺሌታ ዝሳተፉ ሰባት ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ክዳውንቲ ክኽደኑ ይፍቀደሎም’ዩ።
ናብቲ እንዳ ሓዘን ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ግን ጻዕዳ ክዳን ክኽደኑ ኣለዎም።
ሓዘን ምስ ጸሊም ክዳን ዘተኣሳስር ዝዀነ ይዅን ርክብ የብሉን ይብሉ ተወለድቲ እቲ ሕብረተሰብ።
ብኣንጻሩ ኣብ ባህሊ ኮንሶ፡ ስም ዘይወጸሉ ዕሸል ክመውት ከሎ ኣይብከን።
ምድላዋት ብኸመይ ይፍጸም?
ደቂ ተባዕትዮ ንኽደርፉ ካብ ቅልጽም ዘይዓቢ በትሪ ቆሪጾም የዳልዉ።
“እዚ ደርፊ ሓጐስ ንምግላጽ ዝዝመር እምበር ንሓዘንን ንብኽያትን ዝዝመር ኣይኰነን። ሰባት ይስሕቁ፡ ይዋዘዩ፤ ሓዘን ኣይስምዖምን" ይብል ኣቶ ገመቹ።
እቶም ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ ስነስርዓት እናደረፉን ንተሳተፍቲ እናሞገሱን ዝረኸብዎ ገንዘብ ይማቐሉ።
እቲ ደርፊ ክልተ ሰባት በብተራ ዝደርፉሉ ዓይነት እዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብጣቕዒት የድምቓ።
ሬሳ ናብቲ ዝተቐብረሉ ቦታ ክውሰድ ከሎ ብኸምዚ ኵነታት ይስነ።
ነቲ ደርፊ ዝደርፉ ሰባት ውሑዳት ክዀኑ እንከለዉ፡ መጀመርያ ኣብ ኣፍደገ እቶም ዘመዶም ዝሰኣኑ ሰባት እዩ ዝዝመር።
ገመቹ፡ ቍጽሪ ዝደርፉ ሰባት እንተበዚሑ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም እዮም ዝደርፉ ይብል።
ስነስርዓት ሺሌታ ወጻኢታት ስለዝሓትት ብምትሕግጋዝ ከም ዝፍጸም’ውን ወሲኹ ይገልጽ።
'መራሒ ቀቢላ ምስ ዝሞት ዓጊቡ እዩ ዝበሃል'
ብመሰረት ባህሊ ኮንሶ፡ መራሒ ቀቢላ እንተሞይቱ "ዓጊቡ" እምበር ሞይቱ ኣይበሃልን።
ንመራሕቲ ቀቢላታት ዝዳሎ ስርዓተ ደርፊ ምስ ሺሌታ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ 'ማና' ተባሂሉ ይፍለጥ።
መራሒ ቀቢላ፡ ተባዕታይ ይኵን ኣንስተይቲ ብዘየገድስ ምስ ዝሞት በዚ ደርፊ ይስነ።
ኮንሶ ትሽዓተ ቀቢላታት ከም ዘለዎ ተወለድቲ እቲ ብሄር ይገልጹ።
ቀደም ሓደ መራሒ ቀቢላ ኣብ ዝሞተሉ ከባቢ ንትሽዓተ ዓመታት ኣይድረፍን ከምኡ’ውን ኣይስዕሳዕን ነይሩ ይበሃል።
እዚ ማለት እቲ ስነስርዓት ደርፊ ዝፍጸም፡ እቲ መራሒ ቀቢላ ምስ ሞተ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት'ዩ ነይሩ።