እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተስፋ ሶርያውያን ዘበረኸ ርክብ ትራምፕን ኣ'ሻራን
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምምሕዳሩ ምስ ሶርያ ዝጸንሖ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝሕግዝ ተኽእሎታት ይምርምሮ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ትራምፕ፡ ምስቲ ሓይልታቱ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምልክነት ስድራ ኣሳድ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከብቅዕ ዝገበረ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሶርያ ኣሕመድ ኣ'ሻራ ምርኻቡ ስዒቡ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ።
እዚ ቅድሚ ኣዋርሕ ዘይሕሰብ ዝነበረ ዘይተለምደ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ሓጺር ግን ድማ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ኣብ ርያድ ምስቲ ምስ ኣል-ቓዒዳ ርክብ ዝነበሮ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሶርያ ን37 ደቓይቕ ምርኻቡ፡ "ዓቐሚ ዘለዎ እመስለኒ፡" ኢሉ።
ኣመሪካ፡ ቅድም ክብል ኣሕመድ ኣ'ሻራ ክተሓዝ ንዝሓገዘ 10 ሚልየን ዳላር ግንዖ ከም ትህብ ብምግላጽ ክትሃድኖ ዝጸንሐት ኰይና፡ ነዚ ኣምሳይዊ ግንዖ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ እያ ኣልዒላቶ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተመንግስቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ስዑድዓረብ ብኣተርጓሚ እንክዘራረቡ ዘርእይ ተንቀሰቓሲ ምስሊ፡ ኣብ መጀመርታ ገለ ዘይምችኡነት ከም ዝነበሮም የርእይ።
ወራሲ ዘውዲ ንግስነት ስዑድዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብፍሽኽታ ኣብ ጐድኒ ትራምፕን ሸራዓን ኮፍ ኢሉ ነይሩ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን'ውን ብስልኪ ተጸንቢሩዎም።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዘንበረቶም ማዕቐባት ከተልዕል እዞም ክልተ መራሕቲ ከም ዘእመኑዎ ድማ ገሊጹ።
ብሰሉስ ምሸት ትራምፕ ነቲ ትጽቢት ዘይተገበሮ ወፍሪ ኣመሪካ-ስዑድዓረብ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ፡ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ደው ኢሎም ብድሙቕ ኣጣቒዖምሉ።
ትራምፕ ድሒሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ምስ ኣል-ቓዒዳ ርክባት ዝነበሮ ኣል-ሸራዓ፡ "ጽኑዕ ወዲ፡ ጽንኩር ሕሉፍ፡" ብምባል ብእወታ ገሊጹዎ።
እስላማዊ ጕጅለኡ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ብ2016 ዝምድናታቱ ክሳዕ ዘቋርጽ ምስ ኣል-ቓዒዳ ምትእስሳር ነይሩዎ። ሓያት ታሕሪር ኣ'ሻም ኣብዚ ግዜ'ዚ እውን ብሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከም ግብረ-ራዕዳዊ ተሰይሙ ይርከብ።
ኣ'ሻራ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ሱፍ ምዕራባውያን ተኸዲኑ፡ ናይ ኵሎም ሶርያውያን ፕረዚደንት ከም ዝዀነ ንምርኣይ ይፍትን ኣሎ።
ምኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሂንድ ካባዋት፡ "ኣብ ጫፍ በዓቲ ዝርኣይ ሓድሽ ብርሃን'ዩ (ሓድሽ ተስፋ)፡" ኢላ።
እታ ምኒስተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ካብ "መዓልቲ ሓርነቶም" ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተነብሩ ማዕቐባት ክለዓሉ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ ሓቢራ።
ውሳነ ኣመሪካ፡ ኣብታ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብዝተኻየደ ኵናት ሓድሕድ፡ ከቢድ ስቓይን 90 ሚእታዊት ህዝባ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝነብሩላን ሶርያ፡ ይጽንበል ኣሎ።
ንሶርያ ካብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ፋይናንስ ነጺሉዋ ዝጸንሐ ማዕቐባት ምልዓሉ፡ ዝያዳ ተሳትፎ ትካላት ሓገዝ፡ ወፍርን ንግድን ክህሉ ዘተባብዕ እዩ።
ጋዜጠኛ ሊሰ ዶውሰት ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዶማስቆ ኣብ ሓደ ሆቴል ተቐባሊ ኣጋይሽ ንዝዀነ ውልቀሰብ ኤለክትሮኒክ መፍትሕ ክፍሊ ኣብ ዝሓተትሉ፡ "ናይ ማእለላይ ምብራቕ ሰሜን ኮርያ ኢና፡" ዝብል ምላሽ ሂቡዋ ነይሩ።
"እኹል ካርድ የብልናን። ናይ ዅሉ ነገር ሕጽረት ኣለና፡" ብምባል ብንብዓት ተሓጺቡ እዩ ኣዛሪቡዋ።
እዚ ምልዓል ማዕቐባት፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ሚልየናት ሶርያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ብቍውምነገር ክሓስቡ ንምእማን'ውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ድማ መሃያ ክኸፍል፡ ዳግመ ህንጸት ክጅምርን ነቲ መዓልታዊ እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ዘይምዕጋብን ሕጽረት መሰረታዊ ድሌታትን ንምፍታሕ ክሕግዞ ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ነቲ ንሶርያ ቈሪኑ ሒዙ ዘሎ ዝተተሓሓዘ ሰፊሕ መርበብ ማዕቐብ ንምልዓል ግና ግዜ ክወስድ እዩ።