ቡን ኣፍሪቃ እናላለየ ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለስ ካፈ ምልእቲ ብርሃነመስቀል

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኮሎራዶ ከተማ ዴንቨር ጐደና 1710 E 25፡ ሓንቲ ኣትኽልቲ ዝበዝሑዋ ምዕርግቲ ባር ኤስፕሬሶ ኣላ።

ሓደ ሸነኽ መንደቕ እታ ካፌ፡ ብኣትኽልቲ ዝተሸፈነ ክኸውን እንከሎ ሓዲኡ መንደቕ ድማ ብስራሕቲ ጥበብ ዝወቀበ’ዩ።

ኣብ ካልእ ሸነኽ መንደቕ እዛ ካፌ ድማ፡ ዝዀነ ናብታ ከተማ ዝበጽሐ ክኢላ ስነ ጥበብ ስራሕቱ ዝሰቕለሉ ወርሓዊ ዝቀያየር ‘wall of Artists’ ዝተሰምየ መንደቕ ጥበበኛታት ኣሎ።

ናይ መወዳእታ ሸነኽ እታ ካፌ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ዓይነታት ቡን ተፈሊሑ ዝቐርበሉ ባር ኤስፕሬሶ - ‘espresso bar’ እዩ።

ብርግጽ፡ ኣብ ‘ዊትየር ካፌ’ (Whittier Cafe)፡ ጥዑም ቡን ኣፍሪቃን ቁርሲ ቡንን እዩ ዝቐርብ፤ እንተዀነ፡ እዛ ካፌ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ንዘጋጥሙ ጸገማት ምኽንያት ብምግባር ብርክት ዝበሉ ሰልፊታት ተቓውሞ ኣአንጊዳ’ያ።

ሓሓሊፎም ኣብታ ሃገር ብዘጋጥሙ ዘሰንብዱ ክስተታት- ከም ቅትለት ጸለምቲ ኣመሪካውያን- ከጋጥሙ እንከለው፡ ብዙሓት ዝጨነቈም ሰባት ጭርሖን ካልእን ሒዞም ናብታ ካፌ’ዮም ዝመጽኡ። ብኡ ገይሮም’ውን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ናብ ዝካየዱ ሰልፊታት ተቓውሞ ይጽንበሩ።

ክምለሱ እንከለው፡ ነቲ ሒዞምዎ ዝወጽኡ ጭርሖታት ኣብታ ካፌ’ዮም ገዲፎምዎ ዝኸዱ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መንደቕ ሽቓቕ እታ ካፌ በዞም ኣማኢት ጭርሖታት ስለ ዝመልአ፡ መዓልታዊ ናብ ሽቓቕ ክትኣቱ እንከለኻ ዳርጋ ናብ ተቓውሞ ትኣቱ ዘለኻ ክሳብ ዝመስለካ ብዙሓት ጭርሖታት ተንብብ።

በዚ ምኽንያት፡ ፍሉይ ባህርን ኵነታትን እዛ ካፌ ዝተዓዘቡ ሰባት፡ ‘ካፌ ኣክቲቪስታት’ ዝብል ሳጓ ሂቦምዋ።

ካልእ፡ ዘይከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክንከይድ እንከለና ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ከቢቦም ክንሶም ኣብ ቴሌፎኖም ተሸኺሎም እንዕዘቦም፡ ኣብዛ ካፌ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ዕላል ሒዞም’ዮም ዝርኣዩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ መናብር እዛ ካፌ፡ ኰነ ኢሎም ኣብ መንጐ ሰባት ወግዕን ናይ ሓሳብ ምቅይያርን ንክህሉ ተገይሮም ዝተሰርሑ ንኣሽቱ መናብር ምዃኖም’ዩ። ናይዚ ዓብዪ ድርኺት፡ ሰባት መዓልታዊ ክዘራረቡ፣ ክካትዑን ሓሳባት ክለዋወጡን ኣለዎም ዝብል ሓሳብ’ዩ።

እዛ ካፌ፡ ኣብ ዴንቨር እንኰ ኣፍሪቃዊት ባር ኤስፕረሶ ኰይና ዓሰርተ ዓመታት ተሳጊራ ኣላ። ዋና ‘ዊትየር ካፌ’ ምልእቲ ብርሃነመስቀል ድማ፡ “ቡን ጥራይ ዘይኰነ ተሞክሮ፣ ዝርርባት፣ ርክባት’ውን ኢና ንሸይጥ” ትብል።

ወትሩ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ‘ዊትየር ካፈ’ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ብዙሓት ሰባት ይመጽኡ፤ ንክልተ ሰዓታት ድማ ኣብ ዝዀነ ዛዕባ ምይይጥ ይግበር።

“ኣብዚ እንተኣኻኸብ ሰባት፡ ኵላትና ኣይንፋለጥን፣ ግን ንዕኡ ጥራይ ደልዩ ዝመጽእ ብዙሕ’ዩ፤ ኣፍ ኣውጺእና ሰብ የድልየኒ’ዩ ኣይንብልን እምበር ዝዀነ ነገር ይጐድለና ከም ዘሎ ተረዲኡና ኣሎ። ስለዚ ተጠቀምቲ ናባና ክመጽኡ ከለው ወግዒ’ውን ደልዮም’ዮም ዝመጽኡ። ወግዒን ማሕበራዊ ርክባትን ከነተባብዕ ኢና ንጽዕር” ትብል ምልእቲ።

እዚ ካፈ ማእከል እለሻ ማሕበራዊ ፍትሒ ምዃኑ እኳ እንተዘይገረማ፡ ብመደብ ‘ካፈ ማሕበራዊ ፍትሒ’ ክኸውን ከም ዘየንቀደት እያ ትዛረብ።

“ኰነ ኢለ ዝገበርክዎ ኣይኰነን፣ ክሓስቦ እንከለኹ ግን ስድራቤትና ብቐጻሊ ንፍትሒ እናተቓለሱ’ዮም መጺኦም። ንኣብነት ኣቦይ፡ ኣንጻር ደርጊ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ ሓጊዙ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ። መወዳእትኡ ኣብ ሱዳን’ውን ክሳብ ፖለቲካዊ ዕቝባ ምሕታት ዘብጽሖ ቃልሲ ገይሩ። ናብዚ ምስ መጻእና’ውን ወለደይ ብቐጻሊ ኣብ ዓዲ ንዘሎ ነገራት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ይገብሩ ነይሮም። ስለዚ እቲ ንህዝቢኻ ይዅን ካልእ ክትቃለሰሉ ኣለካ፣ ፍትሒ ክትደልየሉ ኣለካ ዝብል ነገር ኣካል መንነትና እዩ ኢለ ይሓስብ” ትብል።

እታ ካፈ፡ ካብ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ታንዛኒያ፡ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ቡን፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን ዝመጽአ ሻሂ ከተቕርብ እንከላ፡ ጽባቐ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ፍዅስ ብዝበለ መገዲ ናብ መዓልታዊ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከተምጽእ ትፍትን።

‘መዓልትና ብጭራም ኣፍሪቃ ኢና ንጅምር’

ምልእቲ ብርሃነመስቀል፡ ‘ዊትየር ካፈ’ ቅድሚ ምኽፋታ ንዓሰርተ ዓመታት ብጋዜጠኝነት ሰሪሓ’ያ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ን’ስክሪፕስ ሃወርድ ኒውስፔፐርስ ግሩፕ’ን ካልኦት ሚድያታትን ብምስራሕ ናብ ላይበሪያ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኣፍሪቃ ብምኻድ መረጻታት፡ ጉዳያት ጥዕናን ካልኦትን ከም ዝጸብጸበት ትዛረብ።

ኣብ መስርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣፍሪቃ ከውግዑ እንከለው፡ ኲናት፡ ጥምየት፡ ስደት . . . ዝኣመሰሉ ሕማቕ መልክዓት እቲ ኣህጉር ጥራይ ከዘውትሩ ትዕዘቦም ምንባራ፡ ‘ዊትየር ካፈ’ ንምኽፋት ምኽንያት ካብ ዝዀኑዋ ጉዳያት እቲ ሓደ ምዃኑ ትጠቅስ።

ይዅን’ምበር፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ቡን ዝሰቲ ሰብ ወይ ኣብ ዓለም ዘለው መብዛሕትኦም ሰባት መዓልቶም ብኣፍሪቃ’ዮም ዝጅምሩ። ቡን ትሰቲ እንተዄንካ መዓልትኻ ብሓንቲ ጭራም ኣፍሪቃ ኢኻ ትጅምር ዘለኻ ማለት’ዩ፤ ስለዚ ቡን ካበይ’ዩ መጺኡ ዝብል ክምህሮም፤ እቲ እትፈትዉዎ ነገርስ ካባና’ዩ መጺኡ ክብሎም ደልየ” ትብል።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣመሪካ ዘለው ከም ዓሌታውነት፣ ኣድልዎ ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት ኣብ ምቅላስ ንዝግበሩ ጐስጓሳት ብምሕጋዝ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዘገልግል ካፈ ክኸውን ከም ዝገበረቶ ብምግላጽ፡ እቲ ካፈ፡ ንጉዳያት ትምህርቲ፡ ምንቅስቓስ ‘ብላክ ላይቭስ ማተር’፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝበሉ ጉዳያት ከም ዝሕግዝ ሓቢራ።

“ኣብ ኣመሪካ ዓሌትነት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ እንተዄንካ ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ ክትነብር’ዩ ዝፍቀድ ዝነበረ። እዚ ዘለናሉ ከባቢ ሓደ ካብኦም’ዩ። ኵሉ ድኳናት፡ ሓካይም ጸለምቲ’ዮም ነይሮም። ድሕሪኡ፡ እቲ ሕብረተሰብ ክወሃሃድ ምስ ተገብረ ሕጂ ብብዝሒ ጸዓዱ እዮም ዘለው። እቲ ዝነበረ ዘይፍትሓውነት ርኡይ ስለ ዝዀነ፡ ዓማዊልና፡ እንታይ ከም ዝሓለፈ ይርድኦም’ዩ፤ ስለዚ እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ዝሓለፈ ክእርሞ’ዩ ዝደሊ። ንትግራይን ኢትዮጵያን ዝሓልሞ ነገር ከምዚ’ዩ” ትብል።

መብዛሕትኦም፡ ኣብታ ካፈ ዝካየዱ ዝርርባት፡ ኣብ ዙርያ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸሙ ነገራት ንምቕናዕ እጃም ሓድሕድና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ከም ዝዀኑ እትገልጽ ምልእቲ፡ እቲ ካፈ ኣማራጺ ሓሳባት ንምርኣይ ኣዝዩ ውሑስ ቦታ ብምዃን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ጠቒሳ።

“ኣብ ዓድና’ውን ብዙሕ ግፍዒ ይስራሕ’ዩ፤ ነዚ ንምዕራይ ዝግበር ነገር ግን የለን - እንተውሓደ ዝርርብ የለን። ‘ከም ህዝቢ፡ ከም ሃገር ተጋጊና ኢና፤ ከመይ ገይርና ንኣርሞ?’ ዝብል ዘረባ እንተንጅምር ነዊሕ ርሕቀት ክወስደና ምኽኣለ። ኣብ ክንድኡ ግን ምንም ከም ዘይተገብረ ከነምስል ኢና ንፍትን፤ ዝዀነ ኰይኑ’ዩ እሞ ንሕለፎ ኢና ንብል። እዚ ግን ጌጋ’ዩ፤ ክንዘራረብ ክንክእል ኣለና።

“ኣብ ኣመሪካ ምዃን ካብ ዝንእዶ ነገራት እቲ ሓደ እዚ’ዩ። ብዙሕ ዘይፍትሓውነት ዝተፈጸሞ ሃገር’ዩ - መብዛሕትኡ ብጸዓዱ ዝተፈጸመ፤ ግን ክኣ እቲ ሕሉፍ ስለ ዝርድኦም፡ ነዚ ንምእራም ቅሩብነተን ኣለዎም። በዚ መንጽር ከባቢና ኣዝዩ ደስ ዝብል ከባብን ካፈን’ዩ” ኢላ።

‘ነታ ህይወት ዝሃበትኒ ዓዲ ክርእያ ይምነ ነይረ፤ ግን . . .’

ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ እቲ ኲናት ብምቅዋም ‘ዊትየር ካፈ’ ቡን ኢትዮጵያ ምቕራብ ደው ኣቢሉ ጸኒሑ።

ምልእቲ’ውን፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘስዕቦም ዝነበሩ ግፍዒታት፡ ምዝንባል ሰባትን ስደትን፡ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘድሃቡ መደባት ተሌቪዥን ንምስራሕ ናብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝገደፈቶ ስራሕ ጋዜጠኝነት ተመሊሳ፡ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ኣብ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ቃለ መጠይቓት ትገብር ነይራ።

ምልእቲ ኣብ እዋን እቲ ኲናት፡ ማዕረ-ማዕረ እቲ ኣብ ካፈኣ እትሰርሖ ንጥፈታት ናብ ሞያ ጋዜጠኝነት ክትምለስ እንከላ፡ መጀመርታ ናብ ሱዳን እያ ኣቕኒዓ።

“ኣብ ግዜ ኲናት (ኣንጻር ስርዓት ደርግ) ኣብኡ’የ ተወሊደ፤ ነታ ህይወት ዝሃበትኒ ዓዲ ደቀይ ሒዘ ከይደ ክርእያ እምነ ነይረ። ግን፡ ኣነ ክውለድ እንከለኹ ዝነበረ ተመሳሳሊ ነገር ሎሚ ኣብ ዓዲ ይካየድ ኣሎ። ድሕሪ እዚ ኵሉ ዓመታት ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ጸገም ወዲቘም ክርኢ ኣዝዩ ዘሕምም ነይሩ።

“ኣብ ስልጡን ዓለም እናሃለና ብኸመይ’ዮም ሰባት ዝዕመጹ? ህጻናት ቈልዑ ዝጥቅዑ? በዚ ምኽንያት’የ፡ ግዜይን ገንዘበይ ወጻኢ ብምግባር ብኸመይ ኢና ናብዚ በጺሕና፣ ብድሕሪኡ ዘሎ ታሪኽ እንታይ እዩ? መን ኢና? ብኸመይ ካብዚ ክንወጽእ ንኽእል? ኣብ ዝብሉ ሰባት ክሓትት፣ ንሰነተራት ከረድእ ጀሚረ” ክትብል ነቲ ናብ ጋዜጠኝነት ክትምለስ ዝደረኻ ምኽንያት ተብርህ።

ምልእቲ፡ ሱዳን ካልአይቲ ዓዳ ከም ዝዀነት እናተነግራ’ያ ዓብያ። ይዅን’ምበር፡ እዚ ኣብ ውሽጢ 20-30 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝደጋገም ዘሎ ኲናትን ጐንጽታትን ክድገም ከም ዘይብሉን ጠጠው ክብል ከም ዘለዎን ትዛረብ።

“ኣነ ዘስግኣኒ፡ ነቲ ዘጋጠመ ክንርስዖ ምዃንና እዩ። ግና እንተረሲዕናዮ ናብቲ ዝነበረ ኢና ክንምለስ፤ ድሕሪ 30 ዓመት ጓለይ’ውን ናብ ሱዳን ክትከይድ እያ ማለት’ዩ፤ እዚ ክኸውን ግን ኣይደልን፤ ስለዚ ናብኡ ክንምለስ ዲና ኢለ’የ ዝሰግእ” ኢላ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ሓደ ዓመት ዘቝጸረ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ይካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝተዓቝቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት’ውን ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ደው ስለ ዝበለ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቡን ኢትዮጵያ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ እታ ካፌ ኣብ ቀረባ ክለዓል’ዩ።

‘ኣነ ንትግራይ ዝምነዮ ደስታ'ዩ’

ምልእቲ ብርሃነመስቀል፡ ኣብ ሱዳን ተወሊዳ ኣብ ኣመሪካ ኮሎራዶ እያ ዓብያ። ጓል 17 ዓመት ምስ ኰነት ነይሩ ንፈለማ እዋን ናብ ትግራይ ዝመጽአት።

“ኣቦይን ኣደይን፡ ዓዶም ዝፈትውን ዝናፍቑን ነይሮም፤ ቈልዓ ኰይነ ዘውግዑዎ ዝነበረ ኵሉ ኣብ ርእሰይ ተቐሪጹ ስለ ዝዓበኹ፡ ናብ ዓዲ መጺአ ብዙሕ ቤተሰብ ምስ ረኸብኩ፣ መን’የ? ካበይ መጺአ? ዝብል ምስ ተረድአኒ፣ እቲ ባህልን ፍቕሪ ሰብን ምስ ርኣኹ፡ ሽዑ’የ ምስ ትግራይ ኣብ ፍቕሪ ዝወደቕኩ” ትብል።

ኣብ ኲናት ትግራይ፡ 14 ኣባላት ስድርኣ ስኢና።

ሕጂ ህይወት “ኣዝያ ተነቃፊት ኰይና እያ ትርኣየኒ፤ እኹል ግዜ የብለይን ዝብል ፍርሒ’ውን ኣለኒ። ስለዚ፡ ግዜ ከየርከበኒ እንከሎ ትኽክለኛ ነገር ክሰርሕ እየ ዝጓየ” ትብል።

ድሕሪ እቲ ኲናት ዝስዓቡ ብርክት ዝበሉ ውሽጣዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻእ ዘለው ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ናብ ዓዶም ብምኻድ ክሕግዙ ትላቦ።

“ህዝቢ ኣብ ምንቃሕ ክንሕግዝ ኣለና፤ ብኸምኡ ኢና እንደልዮ መንግስቲ ክንረክብ ንኽእል። ኣብ ዓለም ብዙሓት መራሕቲ ዝዀና፣ ቢዝነስን ካልእን ዘመሓድራ፣ ወለዶታት ዝሃንጻ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ዓድና ግን ኣብ ስልጣን የለዋን። ስለ ምንታይ ኢልካ ክትሓትት ከለኻ ዝወሃበካ መልሲ የለዋን፤ ኣይደልያን ዝብል እዩ፤ እዚ ንዓይ ቀልዲ እዩ። ኣይትርእየንን ማለት የለዋን ማለት ኣይኰነን። ኣለዋ እየን፤ እዚ ክፍተት ንምጽባብ ክንሰርሕ ኣለና” ትብል።

ብዓብይኡ ግን፡ “ኣነ ንትግራይ ዝደልዮ ነገር ፍስሃን ሓጐስን እዩ፤ ሰባት ብዛዕባ መግቢ፣ ድሕነት ወይ ሕጽረት ጸጋታት ክጭነቑ ኣይደልን። ተምኒተይ ፍስሃን ሓጐስን እዩ” ኢላ።

ዛንታ ብዙሓት ከሸንቲ ዝነግር ናይ መግቢ መጽሓፍ

ምልእቲ፡ ኣደ ሰለስተ ቈልዑን ኣላይት ብርክት ዝበሉ ዋኒናትን ፕሮጀክታትን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ማሕበር ተጋሩ ኮሎራዶ እያ።

ዛንታ ሰባት ምስማዕን ምጽሓፍን ካብ ምፍታዋ ዝተላዕለ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ (ብቐንዱ ሰሜን ኣመሪካ) ከሸንቲ ቃለ መጠይቕ ብምግባር ናይ መግቢ ክሸና መጽሓፍ ተዳሉ ኣላ።

እዚ፡ ሰባት ብዛዕባ መግቢ ዘለዎም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክቐርፉን ምስ መግቢ ጽቡቕ ዝምድና ከማዕብሉን ዝዓለመ ከም ዝዀነ እትገልጽ ምልእቲ፡ እቲ መጽሓፍ ኣሰራርሓ መግቢ እቶም ከሸንቲ ዝፈትውዎ ሓደ ዓይነት መግቢ ብምልላይ ምስኡ ዘለዎም ዝምድናን ካልእን ዝድህስስ ከም ዝኸውን ሓቢራ።

እቲ መጽሓፍ “ብዛዕባ መግብን ሰውራን’ዩ” እትብል ምልእቲ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝዝንቶ ኣንጻር መግቢ ዝዀኑ ብሂላትን ኣተሓሳስባታትን ንምቕያር ዝዓለመ ከም ዝኸውን ገሊጻ።

“መግቢ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መሳርሒ ኲናት ኰይኑ’ዩ፤ ኣብ ባህልና’ውን ከምዚ ‘ከብድኻ መሊእካ ኣይሕደርን’ ይበሃል፤ ስለ ምንታይ ኢና ከምኡ ንብል? ኣብ እዋን ኲናት’ውን ‘ንሕና’ኰ ቆሎ እናበላዕና ኢና ንጸላእትና ንቃለስ’ ይበሃል። ከም ተጋሩ ምስ መግቢ ዘለና ርክብ ተመዝሚዙ፣ መሳርሒ ኲናት ተገይሩ’ዩ” ብምባል እዞም ኣተሓሳስባታት ክቕየሩ ከም ዘለዎም ትኣምን።

መበዛሕትኡ ኣብዚ መጽሓፍ ዝተኻተቱ ኣሰራርሓታት መግቢ ካብ ኣደይ ዝመጽኡ’ዮም እትብል ምልእቲ፡ ፍርቂ ክፋል እቲ መጽሓፍ ድማ ካብቶም ቃለ መጠይቕ ዝተገብረሎም ከሸንቲ ዝተመርጹ ኣሰራርሓታት ከም ዝዀኑ ሓቢራ።

“እዚ መጽሓፍ እቲ ምስ መግቢ ዘለና ኣረኣእያ ንምቕያርን ከመይ ገይርና ኢና ናብዚ በጺሕና ዝብል ንምርዳእን ክሕግዘና እዩ። ስለ ምንታይ ኢና ኣብ ባህልና ከምኡ ንብል? እዚ ምስቲ መግቢ መሳርሒ ኲናት ምግባር ዝብል ዘለዎ ርክብ እንታይ እዩ? ዝብሉ ክድህስድ’ዩ” ኢላ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ጸገማት ዝስዓበ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ይርከብ። ክሳብ መወዳእታ ሓምለ ብዝሒ ሕጽረት መግቢ ዘጋጥሞም ሰባት 10.8 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግመት።

ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት፡ ከም ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕናን ትሕተ ቅርጺ ማይን ዝዓነዎም ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዘጋጥም ሕጽረት መግቢ ድማ እናኸፍአ ከም ዝኸይድ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ ኣሎ።