ጃልባ ብምግልባጣ ብዙሓት ስደተኛታት ሃለዋቶም ተሳኢኑ

ኣስታት 35 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱሳ ተገልቢጣ።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ሬሳ ናይ ሓደ ሰብ ከምኡ'ውን 11 ሰባት ብህይወቶም ክርከቡ እንከለዉ ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋት ክፍልጥ ከምዘይተኻኣለ ቤት ጽሕፈት ዩኒሴፍ ኣብ ጣልያን ትማሊ ሰንበት ምሕባሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ብዓርቢ ብሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱሳ ዝተኻየደ ስርሒት ህይወት ኣድሕን በይኖም ዝጉዓዙ ዝነበሩ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም 11 ስደተኛታት ብህይወት ከምዝደሓኑን ሬሳ ናይ ሓንቲ ነብሰ-ጾር ከምዝተረኸበን ኣብ ጣልያን ሓላፊት ዩኒሴፍ ኒኮላ ደል ኣርሲፕረተ ንሮይተርስ ገሊጻ።

እቶም ብህይወት ዝረኸቡ 11 ሰባትን ሬሳ ናይታ ነፍሰ ጾርን ናብ ላምፔዱሳ ከምዝተወሰደ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሃለዋት ናይቶም ልዕሊ 20 ስደተኛታት ግን ክፍለጥ ኣይተኸኣለን።

እታ ጃልባ ካብ ገማግም ሊብያ ምስ ተበገሰት ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታተ ጉዕዞ ናብ ላምፐዱሳ ምስ ቀረበት ከምዝተገልበጠት'ውን እታ ሓላፊት ንሮይተርስ ሓቢራ።

ብሰንበት ኣብ ዝተገበረ ካልእ ዳህሳስ'ውን ሬሳ ናይ ክልተ ስደተኛታት ክረከብ እንከሎ 14 ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነበሩ ሰባት'ውን ብህይወቶም ከምዝተረኸቡ ፖሊስ ጣልያን ኣፍሊጡ።

እታ ጃልባ 85 ዜጋታት ፓኪስታን፡ ኤርትራን ሶማልያን ጽዒና ከምዝነበረት'ውን መደበር ዜና ኤጂኣይ ኣቓሊሑ።

እታ ጃልባ ካብ ላምፐዱሳ ኣስታት 30 ኪሎሜተር ርሒቓ'ያ ተረኺባ። እቶም 14 ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝነበሩ ስደተኛታትን ክልተ ሬሳን ከኣ ሽዑ ንሽዑ ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ተረኪቡ ናብ ሆስፒታል ወሲድዎም።

ጸብጻባት ብውዱብ ኣገባብ ክስነድ ካብ ዝጅምረሉ 2014፡ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት እቶም 32 ሽሕን 700 ከምዝጠሓሉን ካብኦም እቶም ሓደ ሕምሺት ህጻናት ምዃኖምን ኣብ ጣልያን ሓላፊት ዩኒሴፍ ኒኮላ ደል ኣርሲፕረተ ገሊጻ።

ውሃቢ ቃል ኣይኦኤም ፍላቭዮ ዲ ግያኮሞ ብቀዳም ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ'ውን ኣብዛ ገና ክትውዳእ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ተሪፍዋ ዘሎ ዓመተ 2025 ጥራይ 916 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ሓቢሩ።