እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዳ
ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ከም ቢትኮይን ዝኣመሰሉ ክሪፕቶካረንሲታት ኣብ ዕዳጋ እታ ሃገር ንመተዓዳደጊ ምውዓል ኣፍልጦ ከምዘይተውሃቦ ብምሕባር ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕሉ ከልኪሉ።
እቲ ባንኪ ብመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብክሪፕቶካረንሲታት ምትዕድዳግ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ ብምባል፡ ሕብረተሰብ ንርእሱ ካብ መሰል ተግባራት ክቁጥብ ኣጠንቂቑ።
ክሪፕቶካረንሲ እንታይ እዩ?
ክሪፕቶካረንሲ ዘይድህሰስ ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ።
ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዝውህለል ገንዘብ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁፅፃር ዘይግበረሎምን ምዃኖም'ዩ።
ክሪፕቶካረንሲታት ንውልቀሰባት ዝህብዎ ነፃነት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ገይርካ ምቕራብ ዘኽእሉ እዮም።
ኣብዚ እዋን ብዙሓት ዓይነት ክሪፕቶካረንሲታት ኣለዉ። ብብዝሒ ካብ ሞንጎ ዝፍለጡ ዓይነታት ክሪፕቶካረንሲ፡ ቢትኮይን፣ ኢቲሪየም፣ ካርዳኖን ዶጅኮይንን ምግላፅ ይከኣል።
ክሪፕቶ ኣብ ኢትዮጵያ?
ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሰባት ከም ቢትኮይን ዝኣመሰሉ ክሪፕቶካረንሲታት ብምጥቃም ክፍሊት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ዋላ እኳ እቲ ባንኪ እዚ እንተበለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝወሃቡ ፍርያትን ኣገልግሎትን፡ ብክሪፕቶካረንሲ ዝቕበሉ ትካላት ምህላዎም ግልፂ ኣይኮነን።
እቲ ባንክ፡ ከምዚኦም ዓይነታት ዲጂታላዊ መተዓዳደግታት ኣብታ ሃገር እናተስፋሕፍሑ ይመፁ ከምዘለዉ ብምግላፅ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ተቐባልነት ዘይብሉ ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን ቢትኮይን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ሓዊሱ ወግዓዊ መተዓዳደጊ ይኸውን ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ቢትኮይን ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ ወግዓዊ መተዓዳዳጊ ኮይኑ እዩ።
ወነንቲ ሚልየናት ገንዘብ ዝኾኑ ትካላት ማይክሮሶፍት፣ ፔይፓል፣ ወኪል ጉዕዞ ኤክስፔዲያ ሓዊሱ ሆቴላትን ካፍተርያታትን፡ ቢትኮይን ብመልክዕ ክፍሊት ይቕበሉ።
ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ግና፡ ናይ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መተዓዳደጊ ባጤራ ብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ “ብዝኾነ ይኹን ናይ ክፍሊት መፈፀሚ ሰነድ ኮነ ስርዓት፡ ብዘይፍቓድ ብሄራዊ ባንክ ገንዘብ ምዝውዋር ኮነ፡ ገንዘብ ተንከፍ ኣገልግሎት ምሃብ ኣይከኣልን” ኢሉ።
ክሪፕቶ ከም ስግኣት?
መንግስታት ኣብ ዕዳጋ ክሪፕቶካረንሲ ቁፅፅር ምግባር ይኸብዶም እዩ።
ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ዝካየዱ ምትዕድዳጋት እውን፡ መንነት ሸያጥን ገዛእን ወግዓዊ እንከይገበርካ ምትዕድዳግ ይከኣል።
ብምኽንያት እዚ ድማ፡ ዘይሕጋውያን ጉጅለታት/ ውልቀሰባት ዝተኸልከሉ ነገራት ክዕድጉን ክሸጡን ከምኡ እውን ብዘይህጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲሎም ክጥቀሙ ይኽእሉ።
እዚ ከኣ ንሃገራት ስግኣት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ “ብገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ንምስዋር ጥጡህ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ፡ ንምርዳእ ተኻኢሉ እዩ። ነዚ ፈፂሞም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣካላት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ” ብምባል፡ ሕብረተሰብ ኣብዚ ተግባር ንዝተሳተፉ ኣካላት፡ ንሃገራዊ ባንክን ንዝምለከቶ ኣካል ሕግን ክሕብር ድማ ፀዊዑ።
ንክሪፕቶካረንሲ ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት?
ኣብዚ ቀረባ እዋን ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክን ኤል ሳልቫዶርን፡ ቢትኮይን ሕጋዊ መተዓዳዳጊ ገይረን እየን።
እዚ ማለት፡ ኣብዘን ሃገራት ሰባት ብቢትኮይን ክፍሊት ክፍፅሙ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባውያን ዘይሕጋዊ እዩ ማለት ግና ኣይኮነን።
ኣብ ከም ሃገራት ቦሊቪያ፣ ቻይና፣ ኢራንን ኮሎምቢያን ግና፡ ቢትኮይን ዘይሕጋዊ እዩ ክብላ ደንጊገን።