ደርሆ ሓበሻ ካብ ደርሆ ፈረንጂ ብሓቂ ዝበለፀ ድዩ?

ኣብ ዓመት በዓላት - ብፍላይ ኣብ'ዚ ከምዚ ሎማዓንቲ ዝተኸብረ በዓል ፋሲካ ዓይነት ዓበይቲ በዓላት - ብተለምዶ ናይ 'ሓበሻ'ን 'ፈረንጅን' ብዝብል ደርሆን እንቋቑሖን ብዝተፈላለየ ዋጋታት ናብ ዕደጋ ክቐርቡ ይረአ።

ተጠቀምቲ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ መሪፆም ክገዝኡ ከለዉ፡ እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ብጣዕምን ጥዕናዊ ረብሓን ይፍለ ክብሉ ይስምዑ እዮም።

ስለዚ ደርሆ ሓበሻን ደርሆ ፈረንጅን፡ እንቋቑሖ ሓበሻን እንቋቑሖ ፈረንጅን እንታይ ፍልልይ ኣለዎ?

ኣብ ዩኒቨርስቲ-ዲላ ተመራማሪ መግብን ሳይንሳዊ ኣመጋግባን ዶክተር ይሁኔ ኣየለ፡ እዚ ፍልልያት ካብ ምንታይ ዝምንጩ እዩ ክንብል ሓቲትናዮ።

እቲ ክኢላ፡ "ሰባት ናብ ደርሆን እንቋቑሖን ሓበሻ እናተፀግዑ ይመፅኡ ኣለዉ" ይብል።

ዶክተር ይሁኔ፡ ኢትዮጵያ ብተረባሕነት ደርሆን እንቋቑሖን ካብ ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ከም ዘላ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ "ካብ ስጋ ደርሆን እንቋቑሖን ዝግብኦ ረብሓ ይረክብ" ከም ዘየሎ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ እቶም ደርሆን 'ሓበሻ'ን 'ፈረንጅ'ን እንቋቑሖን ካብ ዘለዉ ፍልልያት፡ ኣፍራይነት፣ ትሕዝቶ መኣዛ ከምኡ'ውን ጣዕሚ ይርከብዎም።

ዶክተር ይሁኔ፡ "ብጽቡቕ ኩነታት ዘይተዳቐሉ፣ ኣመጋግባኦም ጽቡቕ ዘይኮኑን ደርሆ ሓበሻ፡ ኣፍራይነት የብለንን። ኣብ ዓመት ካብ 30 ክሳብ 60 እንቋቑሖ ጥራይ'የን ክህባና ዝኽእላ" ይብል።

ደርሆ ፈረንጂ ግን፡ ልዕሊ 300 እንቋቑሖ ክተውድቕ ከም እትኽእል ይገልፅ።

ብሓፈሻ ከም ሃገር ካብ ስጋ ደርሆን እንቋቑሖን "ከም ሕብረተሰብ ክንረኽቦ ዝግበኣና ረብሓ ኣይንረክብን ኢና" ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

"ደርሆን እንቋቑሖን ሓበሻ ብናይ ምግቢ ዋጋ ወይ መኣዛዊ ዋጋ ዘይኮነስ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ባህላዊ ኣጠቓቕማ ስለዘለዎም'ዩ ዝምረጽ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ክኢላ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዓሌታት፡ ገለ ፍልልያት እኳ እንተሃለወ፡ "ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ከምዘይኰነ" ይገልጽ።

ከምኡ ኰይኑ'ውን ግን፡ ደርሆ ሓበሻ፡ ብዓይኒ ጥዕና ትኽክለኛ መጠን ፕሮቲንን ስብሕን ከም ዘለወን መጽናዕትታት ከም ዘረጋገጹ ይጠቕስ።

ናይ ሓበሻን ፈረንጂን እንቋቑሖን ደርሆን ናሙና ወሲድካ ንሰባት ብምምጋብ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ዝተረኽበ ውፅኢት፡ ናይ ሓበሻ ዝሐሸ ኰይኑ ከምዝተረኽበ ይገልፅ።

"ናይ ሓበሻ ጥዑምን ዝያዳ ዕግበትን ኣለዎ ዝብል ኣበሃህላ ሳይንሳዊ መሰረት ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ'ዩ" ይብል።

ካብ መንታይ ዝምንጩ ፍልልይ'ዩ?

እንስሳታት፡ ብመንጽር ትሕዝቶ ኣመጋግባኦም ክንርእዮም ከለና፡ "ዝተዋህቦም እዮም መሊሶም ዝህቡና" ይብል፡ ተመራማሪ ዶክተር ይሁኔ።

ኣብ መንጎ ዝሰብሓን ብመጓሰ ብሳዕሪ ዝዓብያን፡ ከብቲ ዘሎ ፍልልይ ስጋ ከም ኣብነት ክውሰድ ይከኣል።

እቲ መዐቀኒ ደረጃ፡ ጥዑይ ስጋ ብዙሕ ስብሒ ክህልዎ የብሉንካብ ዝብል ዝብገስ ኰይኑ፣ ውህደትን ናይቲ ስጋ ድማ ምሉእን ልዑል ፕሮቲን ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ -ይብል።

ብሆርሞን ወይ ተዓፅዮም ተመጊቦም ዝዓበዩ እንስሳታት ጥዑያት ኣይኮኑን።

"ስጋን እንቋቘሖን ደርሁ'ውን ካብዚ መንፅር እዩ ዝረአ" ይብል።

"ብዛዕባ ደርሆታት ክዝረብ እንከሎ፡ እቶም 'ናጻ-ሬንጅ' ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ መግቢ ንምድላይ፡ ብዙሕ ምንቅስቓስ ዝገብሩን ንፁሕ ኣየር ዝረኽቡን እዮም። እቶም 'ኣብ ተዓፅየን' ዝዓብያ ድማኣብ ከም ሳንዱቕ ብሓባር ዝፈርያ እየን" ይብል እቲ ክኢላ።

ብዘይ ምንቅስቓስ ዝዓብያ ደርሆ፡ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ሓልኡ ናብ ደረጃ ስጋ ከምዘይዓበየን ፍርክስክስ ከምዝብለን የረድእ።

ልዑል ፕሮቲንን ሚዛናዊ ትሕዝቶ ስብሕን ዘለዎ ጥዑምን ደርሆ ምምራጽ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ደርሆ ሓበሻ ከም ዝምረጽ፡ "እዚ ማለት ግና፡ ደርሆ ፈረንጂ 'ጽቡቕ ኣይኮነን ማለት ግን ኣይኮነን' " ይብል።

ኣብ መንጎ ደርሆ ሓበሻን ፈረንጅን እውን፡ ኣብ መንጐ ሕድሕደን ፍልልይ ከምዘሎ ይዛረቡ።

እቲ ክኢላ፡ መግቢ ክእልሻ ዝንቀሳቐሳን ኣየር ዝረኽባን ደርሆ ዝሓሸ መጠን ቫይታሚን ኤ፡ ቪታሚን ቢን ቪታሚን ኢን ከም ዘለወን ይገልጽ።

ብተወሳኺ እዘን ደርሆታት ተንቀሳቒሰን ዝተፈላለዩ መግብታት ስለ ዝበልዓ ዝሐሸ ስጋ ከምዝህባ ይውስኻ።

"ሓደ ደርሆ እንጣጢዕ እንተመጊብናዮ ኦሜጋ 3 ይህበና። ኣሕምልቲ እንተመጊብናዮ ካልሲየም ይህበና። ስለዚ እቲ ፍልልይ ዝፈጥር ኣመጋግባኦምን ምንቅስቓሶምን'ዩ" ይብል ዶክተር የሁነ።

ኣብ መንጎ ሓበሻን ፈረንጅን ዘሎ ምክፍፋል ሃሳዪ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልፅ እቲ ምሁር፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ግምት ብምእታው ደርሆን እንቋቑሖን ሓበሻ ምቕራብ ከምዘይከኣል ይጠቅስ።

"ደርሆ ፈረንጅን እንቋቑሖን ብምብላዕ ካብ ሓበሻ ደርሆን እንቋቑሖን ትረኽቦ ትስእን ማለት ኣይኮነን" ክብል ይገልጽ።