ነበርቲ ሓጢኣት'ዩ ዝበልዎ ፕሮጀክት ነዳዲ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቦትስዋና፡ ሓደ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ደሴት ደልታ ኣሎ።

እዚ፡ ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣኡ ኣዝዩ ዝተፈለየ ብምዃኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጽባቐኡ "ፍሉይ"ን "ሳሕቲ” ዝርከብን ብምባል፡ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ዓቂቡዎ'ዩ።

ደልታ ኦካቫንጎ ኣብ ማእከል በረኻ ካልሃሪ እዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ዝርከቡ መስመራት ማይን ውሕጅ ዝበዝሖ ቆላታትን፡ ገለ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ከም ጸለምቲ ሓሪሽ ዝበሉ ዓበይቲ መጥበውቲ እንስሳታት ዝነብሩሉ ቦታ እዩ።

ኣብዚ ዝርከቡ ኣትክልቲ፡ ኣዕዋፍ፡ ዓሳታትን ካልኦት እንስሳትን'ውን ብሉጽ ስነ-ህይወት ዝፈጥሩ’ዮም።

እዚ ቦታ፡ ውርሻ ዓለም ተባሂሉ ስለ ዝተሰየመ ኸኣ፡ ኣዝዩ ብሉጽ ይገብሮ።

ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ ነዳዲ ከርሰ ምድሪ እዚ ሳሕቲ ዝርከብ መልክዓ ምድሪ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ኣሎ።

ሪኮናሳንስ ኢነርጂ ኣፍሪቃ (ሪኮንኣፍሪካ) ዝተባህለ ካናዳዊ ኩባንያ፡ ኣብ ሰሜን ቦትስዋናን ጐረቤት ሃገር ናሚብያን ኣብ ትሕቲ መሬት ብዙሕ ሃብቲ ነዳድን ጋዝን ክህሉ ከም ዝኽእል ይኣምን።

ነዚ ድማ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት 34,325 ትርብዒት ኪ.ሜ መሬት ዝሽፍን ፍቓድ ኣለሻ ነዳዲ ተዋሂቡዎ ኣሎ።

ኣብ ናሚብያ ድሮ ሰለስተ ዒላታት ፈተነ ተዃዒተን ኣለዋ።

"እቲ ፕሮጀክት ሓጢኣት እዩ፤ ቀሊል ከኣ ኣይኰነን” ይብል ኣብ ቀረባ እዋን ጡረታ ዝወጽአ ካህን ኣንግሊካን ናሚብያ ሉክ ፓቶ።

ፖለቲከኛታት፡ መጠን ልቀት ካርቦን ብኸመይ ከም እንንክዮ ንምዝርራብ ኣብ ግብጺ እዮም ዝርከቡ።

ወለዶታት ናይቶም ቀዳሞት ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀኑ ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ኣለሻ ነዳድን ጋዝን ዘለዎም ስክፍታታት የልዕሉ ኣለዉ።

መራሕቲ ሃይማኖት እውን እንተዀኑ ተዛሪቦም እዮም፤ እቲ ፕሮጀክት ሓጢኣት እዩ ኢሎም።

ስለ ዝዀነ፡ ልኡኻት ኮፕ 27 ንጥፈታት ኩባንያታት ነዳዲ ከርሰ ምድሪ [fossil fuel ]ክንክዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ሉክ ፓቶ ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ኣገልግሎቱ፡ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ብምዃን ኣንጻር እቲ ፕሮጀክት ጐስጓስ የካይድ ነይሩ።

ሕጂ ኣብ ጆሃንስበርግ እዩ ዝነብር።

"የሱስ ሰባት፡ ‘ህይወት ምእንቲ ክረኽቡን ብብዝሒ ንክረኽብዋን እየ መጺአ’ ይብል። ንሱ፡ ፈጺሙ ኣብ ጐኒ ንህይወት ከጥፍእ ዓቕሚ ዘለዎ ነገር፣ ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ ከጥፍእ ዝኽእል ነገር ደው ኣይምበለን” ብምባል ምኽንያት እቲ ተቓውምኦም የረድእ።

ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ "ኩዕታ ደው ክብል፤ እቲ ኩባንያ ድማ ማሽናቱ ኣልዒሉ ክኸይድ ደስ ይብለኒ።"

ካህን ፓቶ፡ እቲ ኣብ ናሚብያ ዝካየድ ዘሎ ኵዕታ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ ሩባ ኦካቫንጎ ዝራኸብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ዕቋር ማይ ጽልዋ ከየሕድር ዓቢይ ሻቕሎት ኣለዎ።

እቲ ሩባ ብሰሜን ናይቲ ኵዕታ ዝካየደሉ ዘሎ ዶብ ናሚብያ ዝርከብ ቦታታት ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ማይ ናብቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ቦትስዋና ዝርከብ ደልታ ይወስድ።

ሪኮናኣፍሪካ ዝጀመሮ ኣለሻ ነዳዲ ሓደጋ ብከላ ከም ዘየስዕብ ይገልጽ።

ሓላፊት ኮሙዩኒኬሽን ሪኮንኣፍሪካ ምዋንየንግዋ ሻፕዋናለ፡ እቲ ኩባንያ ምስ መንግስቲ ናሚብያ ብምትሕብባር "ከባቢ ብፍላይ ድማ ማይ ካብ ብከላ ንምክልኻል ጥራይ ዘይኰነ፡ ልዕሊኡ ንምርግጋጽ ዝያዳ ንምስራሕ ተሰማሚዕና ኢና” ትብል።

ካህን ፓቶ ግን ካልእ ስክፍታ እውን ኣለዎ።

እቲ ብካናዳ ዝውነን ኩባንያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይዶም ዘለው ኣለሻታት ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ፡ ምስ "ሓድሽ ማዕበል ባዕዳዊ መግዛእቲ'' ዝዳረግ እዩ ክብል ይገልጽ።

እቶም ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኮፕ 27 ዝተረኸቡ ልኡኻት ድማ፡ "ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንዝዅዕቱ ዘለዉ ኩባንያታት፡ ጠጠው ንከብሉ ዘኽእል እማመ ከውጽኡ” ይጠልብ።

መንግስቲ ናሚብያ ግን፡ ነዚ ነቐፌታ ይነጽጐ።

መንግስቲ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እታ ሃገር ንረብሓ ህዝቢ ናይ ምምዕባል ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ።

"ሓላፍነትካ ምሕዳግ ሸለልትነት ክኸውን'ዩ፤ ስለዚ ከም ልኡላዊት ዲሞክራስያዊት ሃገር፡ ናሚብያ ብዘላቒ መገዲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታ ክትድህስስን ከተማዕብልን እያ" ኢሉ።

ናሚብያ፡ "ምስ ናይተን ምዕቡላት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ንልቀት ግሪን ሃውስ ጋዝ [ልቀት በከልቲ ጋዛት] ዘለዋ ኣበርክቶ ንእሽቶ እዩ” ኣይኰነን።

ብሓፈሻ፡ ልቀት ግሪን ሃውስ ጋዝ ኣፍሪቃ ትሕቲ 4 ሚእታዊት እዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዳዲ ክምዝምዛ ኣለወን'ዶ የብለንን ዝብል ሕቶ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ኮፕ ዓቢይ ክትዕ ዘልዓለ ጉዳይ ኰይኑ እዩ።

ገሊአን፡ ቍጠባአን ንምዕባይን ድኽነት ጸዓት ንምውጋድን፡ ዕቝር ነዳድን ጋዝን ንምምዝማዝ ነጻ ክዀና ኣለወን ይብሉ።

ካህን ፓቶ ግን ነዚ ኣይኣምነሉን።

“ካልኦት ኣማራጺታት ጸዓት እንከለው፡ ስለ ምንታይ ናብ ነዳዲ ከርሰ ምድሪ ንምለስ?” ኢሉ ይሓትት።

ኣብ ቦትስዋና እቶም ስክፍታታት ብወለዶ ናይቶም ቀዳሞት ነበርቲ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ይለዓል ኣሎ።

እዚኦም፡ ሳን ተባሂሎም ይጽውዑ።

ንሓደ ሚእቲ ዓመት ሕብረተሰብ ሳን [ሕጂ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝጽዋዕ] ብሃድን ዝናበሩ ዝነበሩ እዮም።

ሕጂ ኣብ ቦትስዋና፡ ናሚብያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዛምብያን ዝነብሩ ኣስታት 90 ሽሕ ዓሌት ከም ዘለዉ ይግመት።

ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዕካ ምንባር፡ ቀንዲ ባህሎምን ስርዓተ እምነቶምን እዩ።

መንፈሳውነት ሳን፡ ምስ መሬት፡ ኣትክልትን እንስሳን ዘለዎም ርክብ ዝተኣሳሰር እዩ።

"እዚ ፕሮጀክት ክውን ክኸውን ኣይንደልን ኢና" ትብል ተሓላቒት ሳን ዲፌቶጎ ኣኒታ ሊክጎዋ።

ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ኮፕ 27 ተጣባቒት መሰላት ደቀባት ኰይና ትሳተፍ ኣላ።

"ከባቢናን ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብትናን የገድሰና እዩ። ምኽንያቱ [ምዅዓት ምስ ተጀመረ] ለውጢ ክህሉ’ዩ። እንስሳታት ክስደዱ እዮም፣ ደቀባት ኣትክልቲታትና ከይንስእኖም ድማ ንፈርሕ።"

መንግስቲ ቦትስዋና፡ ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ክህብ ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ሕቶ እኳ እንተነጸጐ፡ ሚኒስተር ሃብቲ ማዕድን ለፎኮ ሞኣጊ ግን ኣቐዲሙ፡ "ንሪኮንኣፍሪካ ዝተዋህበ ፍቓድ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ክዕቅቦ [ከምኡ'ውን] . . . ኣብ ተፈጥሮኣውን . . . ስነህይወታዊ ጸጋታት ክበጽሕ ዝኽእል ሳዕቤን ክንኪ" ከም ዘለዎ ዘጠቓልል እዩ ኢሉ ነይሩ።

መንግስቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ቦትስዋና ዝዀነ ይዅን ኵዕታ ከም ዘይተሓሰበ ብምግላጽ፡ እቲ እለሻ ነዳዲ ወራሪ ብዘይኰነ መገዲ እዩ ክካየድ ይብል።

ዲፌቶጎ ኣኒታ ለክጎዋ ግን ህላወ ነዳዲ ወይ ጋዝ እንተተረጋጊጹ ኣብ መወዳእታ ኵዕታ ከይካየድ ስግኣት ኣለዋ።

ልክዕ ከም ካህን ፓቶ ድማ፡ እዚ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ የጨንቓ።

ንሳ ካብ ህዝቢ ሩባ ሳን እያ።

እዞም ህዝቢ፡ እቲ ንደልታ ኦካቫንጎ ዝምግብ ሩባ ፈጺሙ ስለ ዘይደርቕ ብኣማልኽቲ ከም ዝተዋህቦም ይኣምኑ።

ኣብ ወሰን ደልታ ኣብ እትርከብ ቁሸት ክዋይ ዝዓበየት ኣኒታ፡ ዓበይቲ ዓዲ ነቲ ሩባ ዝነበሮም ኣኽብሮት ዳርጋ ምስ ህይወቶም ከም ዝተሰፍየ ዓለባ'ዩ ትብል።

"ወለድና፡ ንክለሃዩ፡ ምስ ኣማልኽቶም ንኽራኸቡ፡ ንኸመስግኑ ናብቲ ሩባ ይኸዱ ነይሮም። ባህሊ፡ ኣነባብራን መንፈስናን ምስቲ ሩባ ዝተኣሳሰረ'ዩ።"

እቲ ሩባን ደልታን እንተተጐዲኦም፡ "ስምዒት ሰባት ክጕዳእ'ዩ" ትብል ኣኒታ።

"ካልኦት እቶት ከምጽኡ ዝኽእሉ ነገራት እናሃለዉ፡ ስለ ምንታይ'ዩ መንግስትና ኣብ ነዳዲ ተገዲሱ?"

ኣኽራናት ኣማልኽቲ

ኣብ ካልእ ሸነኽ እቲ ደልታ - ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቦትስዋና - ካልእ ቅርሲ ዓለም ኣሎ።

እዚ፡ ንህዝቢ ሳን ኣዝዮም ቅዱሳት ዝዀኑ ተኸታተልቲ ዓበይቲ ኣኻውሕ ዘለውዎ ኰይኑ፡ "ኣኽራናት ኣማልኽቲ" ተባሂሎም ይፍለጡ።

ጐቦታት ጾዲሎ፡ ሳን መናፍስቲ ኣቦታቶም ዝነብሩሉ ቦታ'ዩ ተባሂሉ ዝእመን ኰይኑ፡ ብእኦም ኣቢሎም ድማ እዮም ምስቲ ልዑል ፍጡር ዝራኸቡ።

እቶም ጐቦታት ልዕሊ 4500 ስእልታት ኣኻውሕ ዝሓዙ ኰይኖም፡ ገሊኦም ልዕሊ 20,000 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም ተባሂሉ ይግመት።

እዚኦም፡ ታሪኽ ህዝቢ ሳን ብዝርዝር ዝገልጹ'ዮም።

ተሓላቒ ሳን ጋኬሞቶ ዋሊካን ሳታው፡ እቶም እምባታት ንህዝቢ ሳን፡ ማዕረ "ንህዝቢ ኣስላም ቅዱስ ስፍራ ዝዀነ መካ ዝመሳሰሉ" ምዃኖም ይገልጽ።

ኣብ ጥቓ እቶም ጐቦታት ኣብ ውሽጢ 20 ኪ.ሜ ኵዕታ ምክያድ ፍቝድ ኣይኰነን።

እዚ ግን እኹል ከም ዘይኰነ ሳታው ይዛረብ። "ከመይ ኢለ ዘይጭነቕ?" ይብል።

ብፍላይ፡ "ራዕዲ ወይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ" ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርእከቡ ኣሳእል ከዕንዎም ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

ኣብ መላእ ደቡባዊ ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ሳን እቲ ሕብረተሰብ መሬቱ ተሓዲጕ ኢሎም ይምጕቱ።

"ድሮ ተገሊልና ኣለና፤ ድኻታት ኢና፡ መሬት ስኢንና። ሕጂ ድማ ካናዳውያን ይመጽኡ ኣለዉ" ይብል ጋኬሞቶ ዋሊካን ሳታው።

ሓላፊት ኮሙኒኬሽን ሪኮንኣፍሪካ ሚስሻፕዋናለ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቦትስዋና ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ ከም ዘሎን፡ እቲ ኩባንያ ድማ ካብቶም ዝተጐድኡ ሕብረተሰባት ጥርዓናት ክሰምዕ ድሌት ከም ዘለዎን ኣስሚራትሉ።

"ንማሕበረሰብ ሳን ብቐጻሊ ክንሰምዖም ኢና። ምኽሮም ሰሚዕና ኸኣ እቲ ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ክንገብር ኢና።"

እንተዀነ፡ ካልኦት ሃገራት ኣብ እለሻ ነዳድን ጋዝን ከም ዝተኣማመኑን ቍጠባኦም ንምምዕባል ከም ዝሓገዞምን ትዛረብ።

"መንግስታት ናሚብያን ቦትስዋናን እንተዓዲሞምና፡ እዘን ክልተ ሃገራት'ውን ንረብሓ ህዝቢ፡ እንተላይ ንማሕበረሰብ ሳን፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ክድህስሳ ክፍቀደለን ፍትሓዊ'ዩ ዝመስለኒ፡" ትብል።