እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓያል ባርዕ መዲትራንያን ልዕሊ 40 ሰባት ቀቲሉ
እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ባርዕ መሮር መዲትራንያን ዛጊድ ልዕሊ 40 ሰባት ቀቲሉን ኣሽሓት ኣፈናቒሉን ይቕጽል ኣሎ።
መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ኣብ ኣልጀርያ ኰይኖም፡ እቲ ባርዕ ኣብ ልዕሊ ገጠራትን በጻሕቲ ዝዓርፉሎም መዘናግዒ ቦታታትን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ።
ግሪክ ካብ ሮድስ ተወሰኽቲ ሰባት ከተውጽእ በረራታት ተዳሉ ዘላ ኰይና፡ እቲ ባርዕ ኣብ ደሴታት ኮርፉን ኢፍያን እውን ይጋፋሕ ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ባርዕ ኣብ ገለ ከባቢታት ግሪክ መጠን ሙቐት ካብ 44 ዲግሪ ሰንትግሬድ ክሓልፍ ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ ሲሲሊ ዝጋፋሕ ዘሎ ባርዕ እውን፡ ኢጣልያ ንመዕርፎ ነፈርቲ ፓሌርሞ ንሓጺር እዋን ክትዓጽዎ ኣገዲድዋ።
ሓያል ንፋስን ዝደረቝ ኣግራብን፡ ጻዕሪ ናይቶም ነቲ ባርዕ ደው ንምባል ዝቃለሱ ዘለዉ ኣጥፋእቲ ሓዊ ክኸብድ ገይሩዎ።
ዛጊድ ዝኸፍአ ሓደጋ ሞት ዘጋጠመ ኣብ ኣልጀርያ ኰይኑ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ባጃያ ሰብ ኣብ ምግዓዝ ዝነበሩ ባርዕ ሓዊ ዝኸበቦም 10 ወተሃደራት ዝርከብዎም፡ 34 ሰባት ሞይቶም።
ካብ ሰንበት ጀሚሩ ብዝተገበረ ርብርብ 80 ሚእታዊት እቲ ባርዕ ከምዝጠፍአ ዝገለጹ ሰብ መዚ ኣልጀርያ፡ ሕጂ እውን ልዕሊ 8 ሽሕ ክኢላታት፡ ኣማኢት መካይን መጥፋእቲ ሓዊን ነፈርትን ነቲ ባርዕ ደው ንምባል ይጽዕሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ኣብ ጐረቤት ሃገር ቱኒዝያ ብተመሳሳሊ ባርዕ ዝጋፋሕ ዘሎ ኰይኑ፡ 300 ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም።
ሰብ መዚ ግሪክ ብወገኖም፡ ካብ 13 ክልላት እታ ሃገር ኣብተን ሽዱሽተ ከቢድ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከጋጥም ከምዝኸእል ኣጠንቂቘም።
ኣብዚ ወርሒ ኣብ ደቡባዊ ኣውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ቻይናን ዘጋጠመ ሓያል ዋዒ፡ ንጥፈታት ደቂ ሰብ ብዘስዓቦ ክሊማዊ ለውጢ ዝተፈጠረ ከምዝዀነ ተመራመርቲ ገሊጾም።
ካብ ደሴት ሮድስ ልዕሊ 20 ሽሕ ነበርትን ኣብ ዕረፍቲ ዝነበሩን ሰባት ግዒዞም።
ኣብ ግሪክ ቱሪዝም ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ ዝተዋፈሩሉ ስራሕ እዩ።
ካብ ኣቴንስ ንሰሜን ገጽ ኣብ እትርከብ ደሴት ኢቭያ፡ ሓዊ ንምጥፋእ ዝተዋፈረት ነፋሪት ናብ ስንጭሮ ወዲቓ፡ ክልተ ፓይለታት ሞይቶም።
ተጻረርቲ ኵነታት ኣየር እተተኣናግድ ኣብ ዘላ ኢጣልያ እውን ሰባት በቲ ባርዕ ሞይቶም።