ካምቦድያ ምስ ታይላንድ ዝኣተወቶ ጎንጺ ብቕልጡፍ ደው ክብል ትጽውዕ

ካምቦድያ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክካየድ ትጽውዕ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ካምቦድያ ምስ ታይላንድ "ብቕልጡፍ" ተዅሲ ደው ናይ ምባል ውዕሊ ክግበር ጸዊዓ። ክልቲአን ሃገራት በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሰለማውያን ሰባት ሓዊሱ ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዝሞቱ ምስ ተፈለጠ'ዩ ናብዚ ውሳነ ክበጽሓ ዝተገደዳ።

ኣምባሳደር ካምቦድያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቸያ ኬኦ፡ ሃገሩ "ብዘይ ቅድመ ኵነት" ዕርቂ ክግበር ከም ዝሓተተት ብምግላጽ፡ ፍኖም ፐን "ሰላማዊ ፍታሕ ናይቲ ምስሕሓብ" እውን ከም እትደሊ ገሊጹ።

ታይላንድ ብዛዕባ እቲ እማመ ዛጊት ዝሃበቶ ንጹር ርእይቶ የሎን። እንተዀነ፡ ብሳልሳይ ወገን ንዝግበር ሽምግልና ነጺጋቶ።

ታይላንድ ኣቐዲማ ኣብተን ምስ ካምቦድያ ዝዳወባ ሸሞንተ ኣውራጃታት ወተሃደራዊ ሕጊ ኣዊጃ ነይራ።

ኣብዘን ክልተ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ብውሕዱ 32 ሰባት ወተሃደራትን ሰለማውያን ሰባትን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 200,000 ድማ ተመዛቢሎም እዮም።

ሰራዊት ታይላንድ፡ ካምቦድያ ብሸነኽ ደቡብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ከባቢ መጥቃዕቲ ከም ዘካየዱ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ግን ንድሕሪት ከም ዝተደፍኡ ገሊጹ።

ታይላንድ ኣቐዲማ ኣብ ዶብ ካምቦድያ ኣብ ዝርከባ ግዝኣታታ ሱሪን፡ ኡቦን ራትቻታኒን ስሪሳኬትን ውግእ ከም ዝተኻየደ ጸብጺባ ነይራ።

ሰበስልጣን ባንኮክ ኣብታ ሃገር ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ 13 ሰላማውያንን ሽዱሽተ ወተሃደራትን ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣስታት 140,000 ሰባት ካብቲ ቦታ ከም ዝተሰደዱ ሰበስልጣን ታይላንድ ወሲኾም ገሊጾም።

ምኒስትሪ ምክልኻል ካምቦድያ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ። ልዕሊ 35,000 ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ከም ዝሃደሙ ሓቢሩ።

ግዝያዊ ቀዳማይ ምኒስተር ታይላንድ ፉምታም ወቻቻይ እቲ ግጭት "ናብ ኲናት ክሰጋገር" ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ውግእ ሕጂ ከበድቲ ኣጽዋር ዘጠቓለለ ምዃኑን ኣብ ዶብ ናብ 12 ቦታታት ከም ዝተዘርግሐን ገሊጹ።

ታይላንድ ካምቦድያ ናብ ስቪላዊ ከባቢታት ከም ዝተኰሰት ከሲሳ።

ካምቦድያ ብወገና ታይላንድ ክላስተር ተተኰስቲ ትጥቀም ኣላ ክትብል ከሲሳ። ክላስተር ተተኰስቲ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ዝተኣገደ እዩ። ታይላንድ ነዚ ክሲ መልሲ ኣይሃበትሉን።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይላንድ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መራሕቲ ዓለም ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፡ ኣብቲ ግጭት ናይ ሳልሳይ ወገን ሽምግልና ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ማሕበር ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ማሌዥያ ኣንዋር ኢብራሂም፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ንምክያድ ምድላዋት ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ኣመሪካ ብግዴኣ፡ "ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብል፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕሎን እቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን፡" ጸዊዓ።

ታይላንድ እቲ ግጭት ዝጀመረ ሰራዊት ካምቦድያ ኣብ ጥቓ ዶብ ንዝርከቡ ወተሃደራት ታይላንድ ክትትል ንምክያድ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምውፋር ምዃኑ ገሊጻ።

ካምቦድያ፡ ወተሃደራት ታይላንድ ነቲ ግጭት ዘበገስዎ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ናብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ክመር-ሂንዱ ብምግስጋሶምን ኣቐዲሙ ዝተገብረ ስምምዕ ብምጥሓሶምን እዩ ትብል።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ቅድሚ ልዕሊ 100 ዓመታት ዝጅምር ኰይኑ፡ ፈረንሳ ካብ ካምቦድያ ጠቕሊላ ምስ ወጽአት ዝሰዓበ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስፍሕ ዝበለ ግጭታት ዝተረኣየ ኰይኑ፡ ብኽልቲኡ ወገን ወተሃደራትን ሰለማውያን ሰባትን ተቐቲሎም።

ኣብ ግንቦት ሓደ ካምቦድያዊ ወተሃደር ኣብ ግጭት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ክልተኣዊ ርክብ ታይላንዳን ካምቦድያን ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ተሰጋጊሩ'ሎ።