እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወራር ሩስያ ዘለወን መርገጺ ስለምንታይ ተኸፋፊሉ?
ሩስያ ንዩክሬን ካብ እትወርር ሓደ ዓመት ኮይኑ’ሎ፤ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘለወን ርእይቶ ግን ብዙሕ ዝተቐየረ ኣይመስልን።
ሰላሳ ሃገራት ንሩስያ ዝኹንን፣ ንመሬታዊ ሓድነት ዩክረይን ዝድግፍን ሰላም ክህሉ ዝጽውዕን ውሳነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ደጊፈን። እዚ ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብክልተ ጥራይ’ዩ ይዛይድ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ውሳነ ድምጸን ዝዓቀባ ማዳጋስካርን ደቡብ ሱዳንን ሕጂ ደጊፈን ኣለዋ። ሞሮኮ’ውን ኣብ 2022 ድምጺ ዘይሃበት’ኳ እንተነበረት፡ ብሓሙስ ግን ነቲ ውሳነ ዝድግፍ ድምጺ ሂባ’ያ።
ዳርጋ ፍርቂ ካብተን ድምጺ ዘይሃባ ተሳተፍቲ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዩክረይን ዝሃበቶ ድጋፍ ዝቐየረት ጋቦን፡ ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
እዘን ሃገራት መርገጺአን ምስ ሩስያ ይኹን ምስ እታ ብምዕራባውያን እትድገፍ ዩክረይን ከምዘይኮነ ብወግዒ ይገልጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጹ ላዕለዎት ሰበስልጣን ከምኡ’ውን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬንን ሩስያን ዝገብርዎ ምትእስሳርን ምብጻሕን እኳ እንተወሰኸ፡ መርገጺ እዘን ሃገራት ግን ኣይተቐየረን።
ካብቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ምስ ኡጋንዳዊ መዘንኡ ዮዌሪ ሙሰቨኒ ተዘራሪቡ ነይሩ፤ እቲ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ፈተነ ግን ኣብቲ ድምጺ ለውጢ ኣየምጽአን።
ኣብዚ ሰሙን፡ ፈላማይ ዑደት ቀዳማይቲ እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ ዘአንገደት ናሚብያ’ውን ለውጢ ኣይገበረትን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ን ዘ ኣትላንቲክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ከም መብራህቲ ምውላዕ ኣይኮነን” ክብል ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዩክረይን ደገፍ ኣብ ምርካብ ዘጋጥሞም ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ኣሚኑ።
ንሱ ግን፡ እታ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ቻይናን ሩስያን ናይ 10 መዓልታት ወተሃደራዊ ልምምድ እተአንግድ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሩስያ "ቀስ ብዝበለ ኣካይዳ" ትርሕቕ ከምዘላ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ልምምድ ብዘለዓዕል መንገዲ ምስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወረራ ዝፈጸመትሉ ቀዳማይ ዓመት ንኽገጥም ዝተመደበ ከምዘይኮነ ይገልጹ።
ሩስያ ስለምንታይ ምስ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ድልዱል ርክብ ሃልይዋ?
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሕብረት ሶቭየት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ርክብ ነይርወን። ሶቭየት ኣብ 1991 ምስ ፈረሰት ድማ እቲ ርክብ ምስ ሩስያ ቀጺሉ።
ብዙሓት መራሕቲ ቃልሲ ናጽነት፡ ቀረብ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ስልጠናን ኣንጻር መግዛእቲ ውሑዳት ጸዓዱ ኣብ ምሕጋዝ ቁልፊ ከምዝነበሩ ይገልጹ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ናይ ሎሚ ገዛኢ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኢሉ ሰይምዎ ነይሩ።
ኔልሰን ማንዴላ ዝርከቦም መራሕቲ እቲ ሰልፊ’ውን ከም ኣሸበርቲ ተመዲቦም ነይሮም።
ማንዴላ፡ ኣብ 1993 ሽልማት ኖቤል ሰላም ምስ መራሒ ኣፓርታይድ ፍረደሪክ ደ ክለርክ ብሓባር ተዓዊቱ:: ካብ 1994 ክሳብ 1999 ድማ ናይ መጀመርታ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ እዩ። እንተኾነ፡ ኣመሪካ ክሳብ 2008 ካብ ዝርዝር ክትትል ግብረሽበራ ከምዘየውጽአቶ ይፍለጥ።
ብሊንከን፡ "ብርግጽ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ካብቲ ዘሕዝን ንላዕሊ፡ ኣመሪካ ንስርዓት ኣፓርታይድ ኣዝያ እያ ትድንግጸሉ ነይራ፡ ስለዚ እቲ ታሪኽ ብሓደ ለይቲ ኣይድምሰስን" ኢሉ።
ሕሉፍ መግዛእቲ ግን እንተወሓደ ንገለ ሃገራት ነቲ ሕጂ ዘሎ ህሉው ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ዝገልጾ ኣይኮነን።
ከም ኤርትራን ሕጂ ድማ ማሊን ዝኣመሰላ ብዓቢኡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተነጸላ ሃገራት ምስ ሩስያ ምሕዝነት መስሪተን ኣለዋ።
ክልቲአን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ካብ ዘአንገዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነን ነቲ ንዩክሬን ዝድግፍ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊመን እየን።
ወተሃደራዊ መራሕቲ ማሊ ዝሓለፈ ዓመት ንኹሎም ወተሃደራት ፈረንሳ ካብታ ሃገር ክወጹ ምእዛዞም ይዝከር፤ ብኣንጻሩ ዕሱብ ጉጅለ ሩስያ ቫግነር ኣብታ ሃገር ዘሎ እስላማዊ ናዕቢ ንምምካት ወተሃደራት ፈረንሳ ተኪኡ ክሕግዝ ዓዲሞም ኣለዉ።
ካልኦት 7 ሃገራት ኣፍሪቃ - ሰኔጋል፣ ታንዛንያ፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ቡርኪናፋሶ፣ ኤስዋቲኒ፣ ጊኒ ቢሳውን ካሜሩንን - ድምጺ ኣይሃባን። እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድምጺ ካብ ምሃብ ከም ዝተቖጠባ ይፍለጥ።
ኣብታ ልዕሊ 50 ሃገራት ዘለዋ ኣፍሪቃ፡ እቲ ግብረ መልስን ስምዒትን ሓፈሻዊ ምግባር ኣይከኣልን።
ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ነቲ ዝሃብኦ ድምጺ ነናተን ምኽንያት ኣለወን።
እቲ ድምጺ ብሕጋዊ መንገዲ ቀያዲ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕን ዓመታትን ግን ጂኦፖለቲካዊ ምሕዝነታት ዝቐርጽ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።