ታምራት ነገራ፡ ብዛዕባ ማእሰርቱን ስደቱን እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, TAMIRA
ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእያ ናይ ሕትመት ሚድያታት፡ ብዙሕ ተነባብነትን ዝናን ካብ ዝነበረን ሓንቲ ጋዜጣ ‘ኣዲስ ነገር’ ኮይና፡ ሓደ ካብቶም ነታ ጋዜጣ ዘዳለዉ ዝነበሩ ታምራት ነገራ ዳግማይ ናብ ስደት ከይዱ ኣሎ።
ታምራት ነገራን ኣብ ‘ኣዲስ ነገር’ መሳርሕቱ ዝነበሩን፡ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ፡ በቲ ስራዓት ብዝፍጠረሎም ዝነበረ ጸቕጢ ንዓመታት ኣብ ስደት ከምዝጸንሑ ይዝከር።
እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ብዘተኣታተዎ ለውጥታት ተተባቢዖም ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመለሱ ጋዜጠኛታት ሓደ ታምራት ነገራ’ዩ።
ታምራት ነገራ፡ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ሚድያታት ወቕታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምትንታንን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተረርቲ ነቐፌታት ብምስማዕን ዝና ክረክብ ክኢሉ’ዩ።
ጸኒሑ’ውን ‘ተራራ ኔትዎርክ’ ኢሉ ዝሰመዮ ናቱ ናይ ዩትዩብ ቻነል ብምክፋት፡ ዜናን ትንታነታትን ከቕርብ ጀሚሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ብኣባላት ጸጥታ ካብ ቤቱ ተወሲዱ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳሩ ብዋሕስ ወጺኡ።
ታምራት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈተሐ ናብ ስርሑ ከይተመለሰ ድምጹ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ናብ ስደት ተመሊሱ ኣሎ።
ታምራት ነገራ ካብቲ ሕጂ ኣበይ ምህላዉ ክግለጸሉ ዘይደለዮ ቦታ ኮይኑ ብዛዕባ ማእሰርቱ፡ ንምንታይ ድሃዩ ከይተሰመዐ ከምዝጸነሐ፡ ብዛዕባ ናይ መጻኢ መደባቱን ካልእ ጉዳያትን ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ኣካይዱ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ዳግማይ ስደትካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሚዕና፡ ንምንታይ ኢኻ ስደት መሪጽካ?
ታምራት ነገራ፡ እወ ብዛዕባ ናብ ስደት ምምረሐይ ዝተሰመዐ ዜና ሓቂ’ዩ። ንሰደት ዝመረጽክሉ ምኽንያት ብሩህ’ዩ። ዝተኣሰርክሉ ኩነታት፡ ድሕሪ ምእሳረይን ብዋሕስ ምውጸአይን ናብ ስራሕ ክምለሰሉ ዝኽእል ነገራትን ኣይተማልኡን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሓደጋታት እናብኣሱ ከይዶም።
ፖሊስ ኦሮምያ ክወስዱኒ እንከለዉ ዝወሰድዎ ልዕሊ 32 ኣቑሑት ናይ ስቱድዩ ኣይመለሱለይን። እዚ ናተይ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሰራሕተኛታት ‘ተራራ ኔትዎርክ’ እውን ነይርዎ’ዩ።
ብዓልቲ ቤተይ ሰላም በላይ ናብ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ቤት ፍርድን ኮምሽን ፖሊስን ብምኻድ “ኣብ ልዕሊ ታምራት ክሲ ትምስረቱ ዲኹም? መርመራ ወዲእና ኢና ኢልኩም ኢኹም፡ ንብረትና ኣይትመልሱልናን ዲኹም?” ብምባል ብወረቐት ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ። እቲ ዝረኸበቶ መልሲ ግን “ኣይኣኽለኩምን ድዩ? ናብ ስራሕ ከኣ ክትምለሱ ትሓስቡ ኣለኹም?” ዝብል መፈራርሒ ካባይ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ስድራይን ሰራሕተኛታትን ስለዝመጽአ ንክስደድ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ምፍርራሕ እናወሰኸ መጺኡ፡ ኣብ እንዳ ሓዘን፡ ኣብ መርዓን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታትን ኣብ ዝኸደሉ “ክንርእየካ የብልናን” ዝብሉ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ክርአዩ ስለዝጀመሩ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምንባር ኣስጋኢ እናኾነ መጺኡ።
ኣብ ልዕለይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርትን ምክልባትን ኣብ ሚድያ ዝግበር ዘሎ ምዕፋንን እናወሰኸ ስለዝመጽአ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ናይ ሚድያ ስራሕ ክስራሕ ይክኣል ድዩ? ኣብ ዝብል ንእምነተይ ምሉእ ንምሉእ ስለዝዓጸዎ፡ ናይ ሚድያ ስራሕ ምስራሕን ካብኡ ሓሊፉ ብሰላም ንምንባርን ካብ ሃገር ምውጻእ ግድን ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ወጺእና ኣለና።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ተኣሲረ እንከለኹን ምስ ተፈታሕኩን ካብ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ካብ ፖሊስን ብዓቢኡ ንተራራ ኔተዎርክ ንምምሕዳር ንዝተሓለፈ ህይወት ብዘይ ሓገዝ ብዓልቲ ቤተይ ሰላም በላይ ኣይምሓለፍክዎን ነይረ።
ተራ ብዓልቲ ቤተይ ካብቲ ካልኦት ዝፈልጥዎ ንላዕሊ’ዩ ነይሩ። ተራራ ኔትዎርክ ንኽምስረትን ኣነ ደው ኢለ ንክኸይድን ኩሉ እያ ገይራ። ሓደ ካብቲ ንክስደድ ምኽንያት ዝኾነነኒ’ውን ንብዓልቲ ቤተይ ተመሊሰ ናብ ከምኡ ሃልኪ ክእትዋ ስለዘይደለኹ’የ።
ምስ ብዙሕ ናይ ቤተሰብን ናይ ውልቕን ተጽዕኖታት፡ ብፖሊስ፡ ብፌደራል ከምኡ’ውን ብዓቓቢ ሕጊ ክልል፡ ብቤት ፍርዲ እንታይ ዓይነት ምክልባታት ከምዝበጽሓኒ ክዛረብ ኣይክእልን’የ። ስለዚ ንኽስደድ ዝደረኸኒ ኣብ ዝባና ዝነበረ ጾር እዩ። ብሓባር ክንስደድ ምኽንያት ዝኾነ’ውን ንሱ’ዩ።
ቢቢሲ፡ ምስ ተኣሰርካ ዘለኻዮ ቦታ ንምፍላጥን ናብ ቤት ፍርዲ ክሳብ ትቐርብን 7 መዓልታት’ዩ ወሲዱ። ናበይ ኢኻ ተወሲድካ? እተን ሸውዓተ መዓልታተ እንታይ’የን ዝመስላ ነይረን?
ታምራት ነገራ፡ ምስ ተኣሰርኩ ንሸውዓት መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቐረብኩን። ስድራይ’ውን ኣበይ ከምዘለኹ ክፈልጡ ኣይክኣሉን። ኣብቲ እዋን ናብ ከተማ ገላን ተወሲደ፡ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ’የ ጸኒሐ። ወተሃደራዊ መዓስከር ምዃኑ፡ ናይቶም ዝኣሰሩኒ ወተሃደራዊ ክዳን ብምርኣይ’የ ፈሊጠ።
እዚ ወተሃደራዊ መዓስከር እዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ኦሮምያ ፍሉያት ሓይልታትን ናይ ቅትለትን ስቕያትን ገበናት ዝፍጽምሉ’ዩ። ንሸውዓት መዓልታት ኸኣ ንበይነይ ምስ ካልኦት እሱራት ኣብ ዘይራኸበሉ ቦታ’የ ተኣሲረ ነይረ። ኣብቲ እዋን ምእንታይ ኢሎም ድምጾም ንዘስምዑ ኩሎም ብሽም እግዝኣብሄር ከመስግኖም እፈቱ። እሶም ድምጾም ብምስማዕ ጸቅጢ እንተዘይፈጥሩ ነይሮም፡ ምናልባት ሎሚ ብህይወት ኣይምሃለኹን።
ቢቢሲ፡ ምስ ተፈታሕካ ስቕታ ኢኻ መሪጽካ፡ ንምንታይ? ንምንታይ ኢኻኸ ናብ ስራሓት ሚድያ ዘይተመለስካ?
ታምራት ነገራ፡ ስቅታ ንኽመርጽ ዘገደዱኒ ብዙሓት ምኽንያታት ነይሮም’ዮም። ቀዳማይ ምስ ተፈታሕኩ ክዛረቦም ዝሓሰብኩ ብዙሓት ነገራት ነይሮም’ዮም። ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ፖሊቲካ፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ፖሊቲካ ኣንፈትን ምሳይ ዘይሰማምዑ ዝረኸብክዎም ብዙሕት ሰባት ነይሮም’ዮም።
እንተኾነ፡ እዞም ሰባት ኣትሪሮም ዝተዛረቡኒ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዝርኣኻዮ ነገረት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይናካ ክትዛረቦ ብፍጹም ኣይክንፈቕደልካን ኢና ዝብል’ዩ ነይሩ። እዚ ስድራይ ቅድሚ ከምኡ ምባሎም’ዩ።
ብፍላይ ጃል ኣብዲ ረጋሳ [ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ላዕለወይ ሓላፊ ኦነግ] ብምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ቤተ-ሰቡን ብዙሕ መከራ፡ ስቓይን እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትክእል ግፍዕታት ካብ ዝርኣዩ ሓደ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣትሪሩ ኣጠንቂቕኒ “ካብ ኢትዮጵያ ከይወጻእካ እዚ ዝነገርናካን ዝረኣኻዮን ነገር ከይትዛረብ” ኢሉኒ።
ካልኣይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ጸልማታት ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ብዓይነት ዝርኣኽዎ ከይተዛረብኩ ናብ ሚድያ ክምለስ ኣይክእልን’የ። ከም ጋዜጠኛን ከም ሓደ ኢትዮጵያውን ነዚ ከይተዛረብኩ ኣብ ሚድያ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ። ነዚ ዝዛረበሉ መዓልቲ ክመጽእ’ዩ። ብዙሓት ዝሓዝክዎም መርትዖታት ኣለዉ። ነዚ ኸኣ ኣብ ቀረባ ክዝርግሖ’የ።
ነዚ ከይገብር ናይ ብዓል ጃል ኣብዲ መጠንቐቕታን ናይ ቤተሰበይን ነይሩ’ዩ። እቲ ሳልሳይ ምኽንያት እቲ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንሚድያ ዝኸውን ኣይኮነን። ስለዚ ክዛረብ እንተኾይነ፡ እቲ ዝዛረቦ ሓቂ ክኸውን ኣለዎ።
ሓቂ ንምዝራብ ኸኣ ሓቂ ንክትዛረብ ኣብ ዘኽእለካ ቦታ ክትህሉ የድልየካ’ዩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ሓቂ ክትዛረበሉ ትክእል ቦታ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን’የ። ነገራት ክቕየር እዩ ኢለ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተጸብየ። እንተኾነ እቲ ነገራት እናብኣሰ’ዩ ከይዱ።
ቢቢሲ፡ ካብ ኣሜሪካ ተመሊስካ ኣብዛ ሃገር ንኽትሰርሕ ዝነበረካ ተስፋን ሕጂ ዳግማይ ናብ ስደት ንኽትምለስ ዘገደደካ ነገርን ኣወዳዲርካ ሕጂ ዘለካ ስምዒት ንገረኒ?
ታምራት ነገራ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ካብ ኣሜሪካ ተመሲሰ ክመጽእ እንከለኹ ኣነ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ተስፋ ነይርና’ዩ። ሕጂ ተስፋ ዘቑርጽ ነገር’ዩ ዘሎ። ኣነ በዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እምበር ብኢትዮጵያ ኣይኮንኩን ተስፋ ቆሪጸ። እቲ ስርዓት ተስፋኻ ዘጸንቅቕ’ዩ። እንተኾነ ብኢትዮጵያ ተስፋ ኣይቆርጽን’የ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሚድያ ስራሕ ምስራሕ ኣጸጋሚ’ዩ። ሚድያ ሓደ ጎኑ ንግዲ’ዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን ዘሎ ሕገ መንግስትን ዓሌታውንትን ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ንኽትሰርሕ ዘክእል ኣይኮነን።
ስለዚ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ተስፋ ዘቁርጽ’ዩ። እንተኾነ በቶም ዝገዝኡ ዘለዉ’ምበር በኢትዮጵያ ኣይኮንኩን ተስፋ ቖሪጸ።
ቢቢሲ፡ ብድሕሪ ሕጂ ናብ ስራሓት ሚድያ ክትምለስ ዲኻ?
ታምራት ነገራ፡ ሰራሓት ሚድያ ኣብ ውሽጠይ ስለ ዘሎን ናብ ዝኸድኩ ከይደ ካብ ውሽጠይ ተፋሒቑ ዘይፍለ ስለዝኾነን ዝተዛረብኩ ቋንቋ ይዛረብ ዝተርፍ ኣይኮነን። ስለዚ ናብ ስራሕ መራኸቢ ብዙሃን ክምለስ’የ። ክምለስ’የ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተራራ ኔትዎርክ ናይ ኢትዮጵያውነት ድምጺ ኮይኑ ክቅጽል’ዩ።
ደልዲልና ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ነጻ ብዝኾነ ኣገባብ ክቅጽል’ዩ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ተስፋ ምሃብ፡ ምምሃርን ድምጺ ምዃንን ኣይክተርፍን’ዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለኻ ካብ ዘካየድካዮ ስራሕ ክገብሮ ኣይነበረንን ወይ ክገብሮ ዝነበረኒ ትብሎ እንተሃልዩ?
ታምራት ነገራ፡ ቅድሚ ምእሳረይ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ምሩቓት መንእሰያት ሰራሕ ቆጺርና ነይርና። ኩሉ ነገራት ወዲእና ነይርና ኢና። ስለዚ ካብቲ ዘጣዕሰኒ ነቶም መንእሰያት መጻኢ ትውልድን ኣብ ሃገረይ ኮይነ ካብታ ዘላትኒ ብዛዕባ ስራሕ ጋዜጠኛ ፍልጠት ከሰጋግረሎም ይደሊ ነይረ።
ብዛዕባ ዲጂታላዊ ስራሕ ጋዜጠኛ ብሓዲሽ ኣገባብ ክሰርሕ ይደሊ ነይረ። ተራራ ኔትዎርክ ንምምስራት ብገንዘብ ናይ ስድራ ዝተገዝኡ ኣቑሑት ናይ ስትድዮ መንግስቲ ወሲድዎም ኣሎ። እንተኾነ እሱ ኣይኮነን ዘተሓሳስበኒ። እቲ ዘተሓሳስበኒ ንመንእሰያት ጋዜጠኛታት ሃገረይ ኣብ ሃገረይ ኮይነ ከርእዮም ዘይምክኣለይ’ዩ።
ቢቢሲ፡ ናብ ኢትዮጵያ መዓስ ክምለስ’የ ኢልካ ትሓስብ? ኢትዮጵያ'ኸ ከመይ ኮይና ክትጸንሓካ ኢኻ ትደሊ?
ታምራት ነገራ፡ ኩነታት ተተቐያይሩ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ይኽእል’የ። እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስበኒ ግን ምምላስን ዘይምምላስን ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ወጻእን ዘሎ ኢትዮጵያዊ ብኸመይ ክትከውን ትኽእል እዩ ዘተሓሳስበኒ። እዚ ኸኣ ናተይ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሕቶ’ዩ።
ነዚ ንምግባር ዋላ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ኮይነ ከበርክት’የ ኢለ እኣምን። እዛ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ትኸውን ኣይኮነተን።
ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎ፡ እስራኤላውያን እስራኤል ምስ ፈረሰት ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት ተመሊሶም ሃኒጾማ። ኢትዮጵያ’ውን ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከምዘለዋ ኩልና ንፈልጥ ኢና።
ኢትዮጵያ ደው ክትብል እንደሊ ሰባት እንተተኻኢሉ ኣብ ዘመንና ከነጽንሓ ኢና። እንተዘይተካኢሉ ብቃል ደው ኣቢልናያ እቲ ቃል ዋላ ድሕሪ ሓደ ሽሕ ዓመት ይኹን ንኢትዮጵያ ዳግማይ ዝሰርሕ ክኸውን ግዴታ ኣለና ባሃላይ እየ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ምስ ምምስራት ኢሰፓ ተተሓሒዙ ስምካ ብተደጋጋሚ ይልዓል ነይሩ፡ ኣብዚ እንታይ ምልሲ ኣለካ?
ታምራት ነገራ፡ ምስ ምምስራት ኢሰፓ ተተሓሒዙ ስመይ ምልዓሉ ንዓይ’ውን ዜና’ዩ። ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ ነገር የለን። ኣነ ኣባልን ደጋፍን ኢሰፓ ኣይኮንኩን። እንተኾነ ኣብ ግዚኡ ክምልሰሉ ኣይደለኹን። ካብዚ ብተወሳኺ ግን ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሰልፊ ርክብ ክህልወኒ ኣይደልይን’የ።
ኣብ ግዜ ንእስነተይ ምስ ቅንጅት ተሳቲፈ’የ። ተመራጺ ነይረ። እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ካብ ምምስራቱ ብቐረባ ይርእዮ ነይረ። ንቕነጅት ዘፍረስዎን ከቀጸልዎ ዝፈተኑን ኣመራርሓ ብቀረባ ምስኦም ሰሪሐ’የ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ ፖለቲካውያን ሰልፍታት እንታይ ከምዝመስል ርእየዮ’የ። ኣነ ኢትዮጵያ ብፖለቲካውያን ሰልፍታት ክትድሕን ትኽእል’ያ ዝብል እምነት የብለየን። በዚ ምኽንያት ድማ’የ ኣብ ስራሕ ናይ ሚድያ ዘቶኵር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







