እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ናብ ስድራና ዝተላእከ 6 ሽሕ ዩሮ ተቐቢሉ ጠፊኡኒ’
ህዝቢ ትግራይ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ስሩዕ ናብራን ሰላማዊ ህይወትን በዂሩ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኲናት እዩ ዝርከብ።
ብዙሓት ግን፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮም ህይወትን ምሕዝነትን፡ ትምህርትን ስራሕን፡ ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ዘይጽገብ ሰላም ይናፍቕዎ።
“ኣብ መቐለ ዝነበረኒ ህይወትን ስራሕን ይፈትዎ እየ። ኣብ ወጻእ ሃገር ክነብር እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ተማሂረ ዝረኸብክዎ ልምድን ተመኵሮን ንሕብረሰተበይ ከገልግለሉ’የ ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ” እትብል ሰላም ባለሀኝ ሓንቲ ካብኣቶም’ያ።
ሰላም፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክኢላ ስርዓተ-ጾታ ኰይና፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ ናብ ሃገረ ቤልጅም ከይዳ።
ሕጂ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ዓዳ ክትምለስ ኣይከኣለትን።
እቲ ኲናት ሓድሕድ ብዘሰናኸሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ባንኪ ክረክብ ኣይከኣለን።
እቲ ምቁራጽ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ድማ፡ ናብቲ ክልል ገንዘብ ምልኣኽ ኣጸጋምን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን እዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ገለ ስድራቤታት ገንዘብ ንምርካብ ኣቑሑ ገዝኦምን ካልእን ሸይጦም’ዮም።
ገሊኦም ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ መሓዙትን ስድራን ዝልኣኸሎም ገንዘብ’ዮም ዝጽበዩ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እንከይተረፈ፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ስድርኡ ክረኽቦምን ገንዘብ ክሰደሎምን ከም ዘይክኣለ ሓቢሩ ነይሩ።
“ኣብኡ ብዙሓት ኣዝማድ ኣለውኒ፤ ገንዘብ ክሰደሎም እደሊ’የ። ክሰድድ ግን ኣይክኣልኩን” ክብል ኣብቲ ብ25 ነሓሰ 2022 ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቶም ከም ሰላም ዝኣመሰሉ ኣብ ወጻእ ሃገር ኰይኖም ስድርኦምን ፈተውቶምን ዝሕግዙ ዘለው ሰባት ግን፡ ገንዘብ ንምልኣኽ ኣዝዮም ዝተሓላለኹን ዋሕስ ዘይብሎምን መገዲታት ክጥቀሙ ጸኒሖም ኣለው።
እቲ ነገር ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ።
ሰላም፡ “ብህይወት ንምጽናሕ፡ ንብዓት እናተሓናነቘም ገንዘብ ልኣኹልና ስለ ዝብሉና፡ ገንዘብና ልዕሊ ፍርቂ እናተበልዐ ዘይሕጋዊ መገዲ ክንጥቀም ተገዲድና” ትብል።
ካብቲ እትጥቀመሉ ዝተፈላለየ መገዲ እቲ ሓደ፡ ኣብ መቐለ ኰይኖም ገንዘብ ክህቡ ንዝኽእሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ሰባት ምልኣኽ እዩ።
ካልኦት ክልተ መገዲታት ድማ፡ ብሸነኽ ክልል ዓፋርን ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ኣምሓራ ብዝንቀሳቐሱ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ኣስገርቲ ገንዘብ ዘለው ኣማራጺታት’ዮም።
እዚ፡ ምዝውዋር ገንዘብ ሓደ ረቛሒ ኣለዎ።
መጀመርታ እቲ ልኣኺ፡ ምስቶም ገንዘብ ዘስግሩ ሰባት ብመሰረት ዝገብሮ ስምምዕ፡ ካብ 30 ክሳብ 50 ሚእታዊት ዓስበ-ድለላ ክኸፍል ይዋገ።
ክልቲኦም ምስ ተሰማምዑ ከኣ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ነቲ ተቐባሊ ይበጽሖ።
እቲ ብሸነኽ ዓፋር ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ዝኽፈሎ ሚእታዊት ካብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዝተሓተ'ኳ እንተዀነ፡ ናብ ዝምልከቶ ክሳብ ዝበጽሕ ሰለስተ ወርሒ ክወስድ ከም ዝኽእል ተጠቀምቲ ይዛረቡ።
እታ ነቲ ለኣኺ ገንዘብ ዘላቶ እንኰ መተኣማመኒት “እምነት” ጥራሕ ስለ ዝዀነት፡ ገሊኦም ኣስገርቲ ድምጺ ወይ ምስሊ እቲ ተቐባሊ ስድራ ቀሪጾም ብምምጻእ’ውን ግቡኦም ከም ዝፈጸሙ መረጋገጺ ይሰዱ’ዮም።
ነዞም ኵሎም ኣማራጺታት ከም ዝተጠቐምትሎም እትዛረብ ሰላም፡ ሓደ ግዜ፡ “ሓወይ ሓሚሙ ስለ ዝነበረ፡ ንመሐከሚኡን ንቤተሰብን ዝኸውን ገንዘብ ቀልጢፍኩም ልኣኹ ስለ ዝበሉና፡ 67 ሽሕ ብር ልኢኸ። እንተዀነ ስድራይ 30 ሽሕ ጥራይ ምስ ተቐበሉ ብጣዕሚ ሓሪቐ” ትብል።
ምኽንያቱ፡ መርበብ እቶም ገንዘብ ዝልእኩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝዝርጋሕ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድ ተቐባሊ ክሳብ ዝበጽሕ ሓያሎ ሰባት በብጽሒቶም ስለ ዝወስዱ ምዃኖም እዮም ዝገልጹ።
ቅድም ኢሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈረ ውልቀ ሰብ፡ "ኵሉ እንወስዶ ኮሚሽን ናብ ጁባና ኣይኣቱን እዩ። ፈለማ ካብ ባንኪ ገንዘብ ክወጽእ እንከሎ ንብዙሕ ሰብ ኢኻ ተውጽእ፤ ስለዚ ንሶም'ውን ናይ ሻሂ ይደልዩ'ዮም። ብተወሳኺ፡ ናብ ትግራይ ብዙሕ ገንዘብ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከቢድን ብዙሕ ማሕለኻታት ስለዘለዎን ነቲ ጕዕዞ ገንዘብ እናሃብካ ኢኻ ተሳልጦ ” ኢሉ ነይሩ።
'ሽዱሽተ ሽሕ ዩሮ ተቐቢሉ ጠፊኡ'
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ድሕሪ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተገብረ ውግእ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለን ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይን ክቈጻጸሩ እንከለው፡ ብዙሓት እቲ ናብራ ዝሓሸ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት'ኳ እንተነበሮም፡ ዝዀነ ዓይነት ለውጢ እንከይተራእየ ካልእ ምዕራፍ ኲናት ተወሊዑ ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ኣለው።
እቲ ኲናት፡ ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ዳግም ኣብ ነሓሰ ክውላዕ እንከሎ፡ ነቶም ሰባት ተስፋ ዝገብሩሎም ዝነበሩ ጉዳያት ፈሺሉዎም እዩ።
ኣቦ ክልተ ቈልዑ ምዃኑ ዝገልጽ ኣቶ ኣብርሃ ይሕደጐ፡ ኣብ ቤት መዝገብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ዝኽፈሎ ደሞዝ ከም ዘይብሉን ካብ ስራሕ ከም ዝበዀረን ይገልጽ።
“ኲናት የጨንቐና ኣሎ፤ እቲ ህይወት እሞ እንታይ ኢልካ ከም ዝግለጽ ኣይፈልጥን - ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣነ፡ ካብ ደገ ዝልእኩ ፈተውተይ እናተጸበኹ’የ ደቀይ ክዕንግል ዝፍትን ዘለኹ፤ መጺኡ’ውን ኵሉ ነገር ክቡር ስለ ዝዀነ፡ ምንም ክትገዝእ ኣይትኽእልን” ይብል።
ሃገራዊ ባንክ፡ ምኽንያት ምዕጻው እቶም ባንክታት ዝምልከት ግልጺ መብርሂ’ኳ እንተዘይሃበ፡ ኣብ ሞንጐ ህወሓትን ምስቲ ሰልፊ ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላትን ዝህሉ ፋይናንሳዊ ምልውዋጥ ጠጠው ንምባል ብዝብል ዝወተስደ ስጕምቲ ምዃኑ ኣብቶም ናይ መጀመርታ እዋናት ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ እቶም ፋይናንሳዊ ትካላት ንኸይዝመቱ ንምክልኻል ከም ዝዀነ ይገልጽ።
እቲ ውሳነ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ዘለው 616 ጨናፍር ባንክታት ከም ዝዕጸው ስለ ዝገበረ፡ ናብቶም ባንክታት ገንዘብ ከተእቱ ይዅን ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኸፈቱ ሕሳባት ባንክ ብኤቲኤም ገንዘብ ከተውጽእ ኣይክኣልን።
እቲ፡ ብኣስገርቲ ገንዘብ ዝቐጸለ ሰንሰለት ምልኣኽ ገንዘብ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣካላት ጸጥታን ምምሕዳር ከተማታትን ቍጽጽር ዝገብርሉን ስለ ዝዀነ፡ ቍጽሮም ዘይነዓቕ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ገንዘቦም ኣብ ኢድ እቶም ክልእኩሎም ዝተቐበሉዎም ውልቀሰባት ጠፊኡ ከም ዝተረፈ ይግለጽ።
ኣብ ግንቦት እዚ ዓመት [2022]፡ ምምሕዳር ከተማ ቈቦ፡ በታ ከተማ ኣቢሉ ዝሓልፍ ዝነበረ ሰለስተ ሚልዮን ብር ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቍጽጽር ከም ዝኣተወ ገሊጹ ነይሩ።
በዚ መሰረት እቶም ኣስገርቲ’ውን፡ ኣብ መገዲ ተፍትሽ ክግበር እንከሎ ዝሓዝዎ ገንዘብ ከም ዝውረሶም ይገልጹ።
ሰላም፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ብ16 ሚያዚያ 2022 ብሸነኽ ዓፋር ንዘሎ ምንቅስቓስ ተጠቒማ ናብ ትግራይ ዝልኣኸቶ ሽዱሽተ ሽሕ ዩሮ፡ ኣብ ኢድ እቲ ገንዘብ ከብጽሕ ዝተቐበለ ውልቀ ሰብ ጠፊኡ ከም ዝተረፈ ትዛረብ።
ገገሊኡ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ወርሒ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚታት እንተሃለወ’ውን፡ ዝልኣኹዎ ገንዘብ ዝጠፍኦም ተጋሩ ውሑዳት ከም ዘይኰኑ ሓቢራ።
“ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ መምህር’ዩ፤ ንሱ፡ ሓደ መሓዛና ዝሰደዶ ሓደ ሽሕ ዩሮ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ናብ መቐለ ኣብጺሑሉ። እቲ ኮሚሽን ድማ 22 ሚኢታዊት ስለ ዝነበረ ዝነከየ ረኺብና ኢልና ደስ ኢሉና። ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ እንተሂብኩምኒ፡ ንዓኹም እቲ ሚኢታዊት ይንክየልኩም፤ ኣነ’ውን ኣይመላለስን ስለ ዝበለና፡ ንብዙሕ ሰብ ሓቲተ ሽዱሽተ ሽሕ ዩሮ ኣኪበ ሰዲደሉ” ትብል።
በዚ መሰረት፡ እቲ ገንዘብ፡ ናታ 3 ሽሕ ዩሮ ከምኡ’ውን ካልኦት መሓዙታ ዘዋጽኡዎ ተደሚሩ ሽዱሽተ ሽሕ ዩሮ ከም ዝሰደደትሉ ትዛረብ።
እዚ ገንዘብ፡ በቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ስሩዕ ሸርፊ ወጻኢ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 327 ሽሕ ብር ይግመት።
“ባንክታት እንተዝኽፈቱ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸገም ኣይምወደቕናን፤ ግን ክኣ ቤተሰብካ ብህይወት ክጸንሑልካ ስለ እትደሊ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዝውሰድ ኣማራጺ ኰይኑና፡ ሕዚ’ውን ንጥቀመሉ ኣለና” ክትብል ሰላም ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ባንኪ፣ ስልክን ኢንተርነትን ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱን ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብሉን ሓቲቱ ነይሩ።
መንግስቲ፡ እቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንክምለሱ “ብዘይ ቅድመ ኩነት” ዝርርብ ክግበር ክጠልብ እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ክኣ ኣቐዲሙ እቶም ኣገልግሎታት ስራሕ ክጅምሩ ይሓቱ።
‘ኵሉ ገንዘብን መድሃኒትን’ዩ ዝሓተካ’
ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ፡ ከም ሳተላይት ስልኪ ዝበሉ መሳርሒታት ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ትካላት ረድኤት ቀንዲ መሳርሒ ኰይኖም እዮም።
ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሳተላይት ተሌፎን ተጠቂሙ ነበርቲ ደሃይ ምስ ዝርሓቘም መቕርባቶምን ኣባላት ስድራኦምን ንምርኻብ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።
ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ማሕበር፡ “ብሰንኪ ጐንጽን ናዕብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት” ኣስታት 116 ሽሕ ጻውዒታት ተሌፎንን ናይ ቃል መልእኽትን ከም ዘሳለጠ ይሕብር።
ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተቓልዐ ኰይኑ፡ ሰባት ብሕታዊ መራኸቢ መገዲ ገይሮም ዝጥቀምሉ ዘለው ኣማራጺታት ደብዳበን ናይ ቈጸራ መዓልታት ብምምችቻእን ከም ዝዀነ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ናብቲ ክልል ረድኤት ጽዒኑ ዝመላለስ ዝነበረ ንድሕነቱ ሽሙ ዘይንጠቕሶ መራሒ መኪና፡ ሰራዊት ፌደራል ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበርሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ እቲ ሳልሳይ ዙርያ ኲናት ዝውላዕ ኣብ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ግዜያት፡ ረድኤት ከም ዘብጽሐ ሓቢሩ።
“ኣብ መገዲ ብዙሓት ነገራት ኣለው፤ እቲ ኲናት ዘውረዶ ዕንወት ኣብ ኵሉ ቦታ እዩ ዝርአ። ዝተቓጸላ መካይን፡ ዝዓነው ኣባይቲ ብዙሓት’ዮም። እቲ ኲናት ኣብቲ መገዲ ዝርኣይ’ዩ ዝመስል” ብምባል እቲ ኲናት ዘብጽሖ ዘሎ ክሳራ የረድእ።
ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ዘጋጠመ ሰፊሕ ማሕበራዊ ቅልውላው ከም ዝተዓዘበ ዝገልጽ እቲ መራሒ መኪና፡ ገሊኦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገሱ እንከለው ገንዘብ ክበጽሓሎም ናብ ዝድለ ስድራ ቤታት ገንዘብ ሒዞም ይኣትው ከም ዝነበሩ ጠቒሱ።
“ኣብ ትግራይ፡ ኵለ መዳያዊ ጸገም ኣሎ፤ ኣብ መገዲ በጃኻ ገንዘብ ወይ መድሃኒት ኣምጽኣለይ ኢሉ ዝሓትት ብዙሕ’ዩ -ብፍላይ ሕሙማት መንሽሮ። ኣብኡ ክገዝኡ’ውን ዓቕሚ የብሎምን፤ ኵሉ ሰብ ገንዘብ እዩ ዝሓትት” ኢሉ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ንኣዋርሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከም ዘበለ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣፍሊጡ’ዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ልዕሊ 5.2 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮም፡ መረዳእታ ፕሮግራም መግቢ ዓለም የመልክት።
“ከምዚ ዓይነት ኲናት ክህሉ’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ኣብዚ ዘመን፡ ኣደኻ ብህይወት እናሃለወት ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ቃላ ብስልኪ ዘይምስማዕ ከቢድ’ዩ። መዓልታዊ ክኣ፡ ሰባት ሞይቶም፡ ደብዳብ ተፈጺሙ፡ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው ስለ እትሰምዕ ይድንጽወካ፡” እትብል ሰላም፡ ኲናት ደው ክብል ተምኒታ ከም ዝዀነ ትገልጽ።