እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከም ስጋ ሓሰማን በጊዕን ክሽየጣ ዝተሓሰባ ደማሙ ቻይና
ፖሊስ ቻይና፡ ተሓሪደን ከም ስጋ ሓሰማ ወይ ስጋ በጊዕ ክሽየጣ ዝተዳለዋ ልዕሊ 1000 ደማሙ ከም ዘድሓነ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ምትእስሳር ዘለወን ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።
ፖሊስ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ድሕነት እንስሳታት ብዝተዋህቦ ሓበሬታ፡ ነታ ነቶም ደማሙ ዝጸዓነት መኪና ድሕሪ ምዕጋቱ እተን ድሙታት ድማ ናብ ሓደ መዕቆቢ ከም ዝተወሰዳን ዘ ፔፐር ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።
እቲ ፍጻመ ዘይሕጋዊ ንግዲ ከም ዘቃልዐን ብዛዕባ ድሕነት መግቢ ሓድሽ ስክፍታታት ከም ዘበገሰን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
600 ግራም ስጋ ድሙ 4.5 ዩዋን (0.61 ዶላር) ከም ዝሽየጥን ካብ ሓንቲ ድሙ ካብ 2 ክሳብ 3 ዶላር ከም ዝርከብን ደለይቲ ፍትሒ ገሊጾም።
እተን ዝደሓና ደማሙ ግዳም ሓደር ድየን ወይስ እንስሳ ዘቤት ንጹር ኣይኰነን።
ከም ስጋ ሓሰማን ጥብሲ ዕየትን ክሽየጣ ናብ ደቡብ እታ ሃገር እናተወሰዳ’የን ተታሒዘን።
ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ፔፐር፡ ኣብ ዣንግጂያጋንግ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ሓደ መካነ መቓብር፡ ብዝሒ ዘለዎም ደማሙ ኣብ ሳንዱቕ ተዓጽዮም ኣስተብሂሎም።
ነቲ ኵነታት ድማ ንሽዱሽተ መዓልታት ተኸታቲሎምዎ።
እተን ደማሙ ብዕለት 12 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ተጻዕና ድማ ነታ መኪና ደው ኣቢሎም ናብ ፖሊስ ተሌፎን ደዊሎም።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና ቍጥዐታት ኣበጊሱ’ዩ።
ገለ ተጠቀምቲ ኣብ ኢንዱስትሪ መግቢ ዝያዳ ጽኑዕ መርመራ ክግበር ጸዊዖም።
"እቶም ሰባት ዘስካሕክሕ ሞት እንተዝሞቱ" ይብል ሓደ ተጠቃሚ ዌይቦ ናይ ዝተበሃለ ማሕበራዊ መራኸቢ።
ካልእ ድማ "እንስሳታት ዝከላኸል ሕጊ መዓስ’ዩ ዝህሉ? ህይወት ድሙን ኣኽላባትን ቍምነገር ዘይብሉ ድዩ ዀይኑ?" ክብል ሓቲቱ።
"ድሕሪ ሕጂ ኣብ ደገ ዝተጠበሰ ስጋ ኣይክበልዕን’የ" ዝበለ ተጠቃሚ’ውን ኣሎ።
ኣብ ሰነ፡ ኣብ ኣውራጃ ያንግዙ ኣብ ዝርከብ ኮለጅ፡ ሓደ ተምሃራይ ኣብ መግቡ ርእሲ ኣንጭዋ ድሕሪ ምርካቡ ዕግርግር ከም ዝተለዓለ ይዝከር።
ሰብመዚ እቲ ኮለጅ፡ ኣብ መጀመርታ ስጋ ማይ ደርሆ’ዩ ኢሎም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሒሮም ግን መጀመርያ እቲ ተምሃራይ ሓቁ ምዃኑ ተኣሚኖም’ዮም።