እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ 'ዕድመ-ስልጣን ነታንያሁ' ዘናውሕ ዶ ይኸውን?
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ኣብ ዓቢ ጸቕጢ እዩ ነይሩ።
7 ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ዎርልድ ሰንትራል ኪችን ብ1 ሚያዝያ ኣብ ቓዛ ብሰራዊት እስራኤል ድሕሪ ምቕታሎም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስቲ መሓዛኡ ዓቕሉ ዝተጸንቀቐ ይመስል ነይሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ እስራኤል ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ዲፕሎማስያዊ ቀጽሪ ኢራን መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ሓደ ላዕለዋይ ጀነራልን ብውሕዱ ካልኦት ሽዱሽተ መኮንናትን ምቕታላ ድማ እቲ ጸቕጢ ኣጋዲድዎ ነይሩ።
እስራኤል፡ ነቲ ዘዕነወቶ ቆንስላዊ ህንጻ 'ኢራን ናብ ወተሃደራዊ ድፋዕ ብምቕያራ እዩ' ዝብል- ዘየእምን ሞገት ኣቕሪባ።
ክልቲኦም ፍጻመታት፡ ቍጥዐ ፈጢሮም። ዋይት ሃውስ ካብ ፕረዚደንት ባይደን ተሪር መግለጺ ኣውጺኡ።
እስራኤል ንሰራሕተኛታት ረድኤት ይዅን ንሰላማውያን ፍልስጤማውያን ኣይትግደስን - ኢሉ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ ዓበይቲ ሕድገታት ክግበር ሓቲቱ።
ቓዛ ብሰብኣዊ ሓገዝ ክተዕለቕልቕ፣ እስራኤል ተወሳኺ መሳገሪ ዶባት ክትከፍት ተላብዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ፡ ነገራት ክቕየሩ ምዃኖም ቃል እንተኣተወ’ኳ፡ ብኣፍ ጨለ ብተግባር ዘየለ ዀይኑ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ነታንያሁ፡ ካብቶም ኣብ ባይቶ እስራኤል ዝርከቡ መላፍንቱ፡ ኣዝዮም ሃገራውያን ኣኽረርቲ እውን ጸቕጢ ይወርዶ ነይሩ።
ናብ ቓዛ ጥር ትበል ሓገዝ ከይትሓልፈ ይደልዩ። እቲ ኲናት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዳግማይ ኣይሁድ ንምስፋር ብዋጋ ዘይትመን ዕድል ከምዝፈጠረላ ይኣምኑ።
ኣብኡ ዝነበሩ ሰፈራታት ኣይሁድ፡ እስራኤል ኣብ 2005 ከም ኣካል ናይቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ስምምዕ እዮም ፈሪሶም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሪካ ጸቕጢ ምግባር እናወሰኸት ትኸይድ ነይራ።
ዝሓለፈ ሓሙስ ላዕለወይቲ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመሪካ ሳማንታ ፓወር፡ ጥሜት ኣብ ገለ ክፋል ቓዛ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ተዛሪባ።
ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝተኣወጀ ‘ዕጽዋ’፡ ቅልውላው መግቢ ከም ዝፈጠረ ንፈተውቲ ይዅን ንጸላእቲ ርዱእ’ዩ ነይሩ።
ኣመሪካ ንእስራኤል እተቕርቦ ኣጽዋር ኣብ ኣጠቓቕማ ቅድመ ኵነት ከተቐምጥ እያ ዝብል ስግኣታት ነይሩ።
ብቐዳም ንግሆ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት መጥቃዕቲ ኢራን፡ ብፍላይ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ዝርከቡ ጸለውቲ ዲሞክራትስ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ቍጥዐ ከምዘሰምዑ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ኣቃሊሓ።
ናብ ንእስራኤል ዝውሕዝ ኣጽዋር ደው ክብል ጸዊዖም።
ወተሃደራዊ ሓገዝ ንእስራኤል ብዘይ ቅድመ ኵነት ክኸውን ኣይክእልን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣሰናዳኢ ቦርድ እታ ጋዜጣ፡ ንሚስተር ነታንያሁን መሻርኽቱን፡ ምስ ኣመሪካ ‘ብዘይምትእምማን’ ነቒፍዎም።
ኣመሪካ ንእስራኤል ዘለዋ ሓልዮት፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ሚስተር ነታንያሁ ድርብ ጸወታታቱ ክጻወት ክፈቅድ ኣለዎ" ማለት ከምዘይኰነ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕድመኡ ከይሓጽር ገይራ።
ኣብ ዘደንቕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሃገራትን እስራኤል፡ ብኢራን ዝተወንጨፋ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ከተውድቕ ሓጊዘንኣ።
ንኲናት እስራኤል ኣብ ቓዛ ካብ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ንላዕሊ ተሪር ነቓፊ ዝዀነ መራሒ ዓረብ የለን።
ሓይሊ ኣየር ዮርዳኖስ ግን ናብቲ ስርሒት ተጸንቢሩ፡ ናብ እስራኤል ዘቕንዕ ዝነበረ ሚሳይላት ኣውዲቑ።
ንእስራኤል ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ቅድመ ኵነት ክግበረሉ ጽዒቑ ዝነበረ ጻውዒታት፡ ብድምቕ ዝበለ መግለጺ ምትሕግጋዝ ተተኪኡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ሓድሽ ፖለቲካዊ ዕድላት ቀሪቡሉ። ቓዛ ካብ ኣርእስታት ዜና ወጻኢ ኰይና፡ እንተወሓደ ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተጀሚሩ ዝነበረ ጸቕጢ ግን መልክዑ ቀዪሩ ‘ምበር፡ ኣይጠፍአን።
ዝቕጽል ስጕምትታት እስራኤል ናብ ቦታኡ ክመልሶ ይኽእል እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ‘ቀጺሉ እንታይ ክኸውን ኣለዎ’ ኢሉ ዝሓስቦ ኣዝዩ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ።
እስራኤል፡ ዓወት ክትእውጅ ኣለዋ፡ መሊሳ ክተጥቅዕ ድማ የብላን። ንሱ፡ ሕጂ'ውን፡ ኣመሪካ ንእስራኤል እትገብሮ ደገፍ "ከም ሓጺን ድልዱል" ምዃኑ ኣዊጁ።
እዚ ምስቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝነበሮ ቀጻሊ ፖሊሲ ይሰማማዕ እዩ።
እስራኤል ነቲ ኣጽዋርን ነቲ ምስኡ ዝኸይድ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ደገፍን ተቐቢላ ነቲ ጆ ባይደን ዘስመዖ ሕግታት ኲናት ከኽብርን ሲቪላት ውሕስነት ክረኽቡን-ዝብል ቍጥዐ ዝመልኦ ጻውዒታት ሸለል ኢላቶ።
ሕጂ’ውን፡ እስራኤል ዳግማይ ሕነ ከይትፈዲ ጥራይ ዘይኰነ ጆ ባይደን፡ ካብተን ካልኦት ብቐዳም ምሸት ዝሓገዛ ሃገራት ኣዝዩ ተመሳሳሊ ስምዒታት ይንጸባረቕ ኣሎ።
ልክዕ ከም ጆ ባይደን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን ሪሺ ሱናክ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ክልቲኦም ንኢራን ኮኒኖም፡ ነፈርቲ ውግእ ’ውን ኣዋፊሮም እዮም፤ ክልቲኦም ድማ ሕነ ከይትፈዲ ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ኣብ እስራኤል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እምነትን ባህርያዊ ድሌታትን ይመጹ ኣለዉ። እቲ ሓደ፡ ምድሓን እስራኤል ኣብ ልዕሊ መጥቃዕቲ ብዝተዓጻጸፈ ሓይሊ ምላሽ ምሃብ ዝብል ዓሚቝ እምነት እዩ።
ካልእ ድማ፡ በንያሚን ነታንያሁ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ዝተገልጸ፡ 'ኢራን ኣዝያ ሓደገኛ ጸላኢት እስራኤል'ያ' ዝብል እዩ፤ ብዙሓት እስራኤላውያን ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኣለዎም።
ሕጂ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ጽልኢ ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ 1979፡ ኢራን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ፈጺማ ኣላ። ነዊሕ ዝጸንሐ ድጉል ኲናት ተጻሕቲሩ ኣሎ።
እስራኤል፡ ከመይን መዓስን ‘ምበር ሕነ-ምፍዳያ ዘይተርፍ ይመስል።
ንካቢነ ሚኒስተራት ኲናት፡ ኵለመዳያዊ ኲናት ከይውላዕ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ከካትዕ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መንጐ ክልቲኦም 'ጸላእቲ' ሓደገኛ እምነታት ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ንዕላማ ናይቲ ካልእ ብሕማቕ ገምጊሞም ኣለዉ።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቲ ሰብኣዊ ዕንወት ኣብ ቓዛ ይቕጽል ኣሎ። ዓለማዊ ትዅረት ርሒቑዋ ኣሎ ግን ክምለስ ይኽእል እዩ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ይንቀሳቐስ ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ሰላማውያን ሰባት ይቐትል ኣሎ። ኣብ መንጐ ፍልስጤማውያንን ሰፋሮ ኣይሁድን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ጎነጽ ቀጺሉ ኣሎ።
እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ እትገብሮ ዶባዊ ኲናት ብቕልጡፍ ክጋደድ ይኽእል እዩ።
ኢራን፡ እስራኤል እንተድኣ መሊሳ መጥቃዕቲ ፈጺማ ብዝያዳ ሓያል ሕነ ክትፈዲ ምዃና ተሓንያ ኣላ።
ሓላፊ ስታፍ ሑሴን ባቄሪ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ውሱን" ምንባሩ ብምግላጽ፡ እስራኤል ሕነ እንተፈድያ ግን፡ "ኣዝዩ ዝዓበየ" ምላሽ ከምዝወሃብ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ኣመሪካውያን እስራኤል ንኢራን እንተድኣ ኣጥቂዓ ከምዘይሕግዙ ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ከም ‘ሓጺን-ዝደልደለ’ ዝብል ድጋፍ ኣመሪካ ክሳብ ክንደይ ርሕቐት ከምዝኸይድ ቀጺሉ ዝረአ ዩ።
እቲ ኵነታት፡ ናብ መላእ ኲናት ማእከላይ ምብራቕን ዓሚቝ ዓለማዊ ቅልውላውን ሸተት ክብል ይኽእል እዩ።