ትግራይ፡ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ 17 ሽሕ ብር ከምዝበፅሐ ነበርቲ ገሊፆም

ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን'ዚ ንሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ 17 ሽሕ ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ትግራይ፡ ምስ ፈደራል መንግስትን መሻርኽቲ ሓይልታትን ኣብ ኲናት ድሕሪ ምጽማዳ፣ ብሰንኩ ዝሰዓበን ምሉእ ዕጽዋ፡ ነበርታ ኣብ ሕሱም ኵነታት መነባብሮን ግዳያት ናህሪ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ኰይኖም ከም ዘለው ይግለጽ።

ኣብታ ክልል ኣብ ንጥፈታት ረድኤት ዝተዋፈሩ ውልቀሰባት’ውን ብወገኖም፡ ሓደ ኩንታል ጣፍ ካብ 15 ክሳብ 17 ሽሕ ይሽየጥ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ሰብመዚ ትግራይ ኣብ መሸጣ ዋጋ ጣፍን ካልኦትን ተመን ምውጽኦም ነቲ ወሰኽ ዋጋ ከምዘጋደዶ ኣረዲኦም።

ዳኒኤል ዝተባህለ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ህዝቢ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታውያን ቀረባትን ምውሳኽ ዋጋ ሸቐጣትን ኣዝዩ ሕሱም ኵነታት መነባብሮ የሕልፍ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብፍላይ ዋጋ ጣፍ ንህሉው ኵነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ ወሲኹ ሓቢሩ።

“ዋጋ ጣፍ ኣዝዩ ወሲኹ’ሎ። ነጋዶ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጨኪኖም፣ ንኵነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘየእተወ ተግባር እዮም ዝፍጽሙ ዘለው። ከቢድ ኵነታት ኢና ንሓልፍ ዘለና። ብዙሓት እንጀራ ክምገቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝገለጸልና ካልእ በርሀ ዝተባህለ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ኲናት ዘስዓቦ ማሕበረ ቍጠባዊ ጸቕጢ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

“ጥሜትን ድርቅን ኣሎ፣ ሰባት ነታ ዘላቶም ተማቒሎም ክሓድሩ ይፍትኑ ኣለዉ። ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዝነበሩ ስድራኦም ገንዘብ ዝለኣኸሎም ሰባት ዝደልይዎ ነገር ክገዝኡ ኣይከኣሉን። ብፍላይ ዋጋ ጣፍ ዝከኣል ኣይኮነን" ኢሉ።

በርሀ ከምዝበሎ፡ ዋጋ ጣፍ ጥራይ ዘይኮነስ ዋጋ ስርናይን ሓርጭን እውን ምስ ዓቕሚ'ቲ ሕብረተሰብ ዝመጣጠን ኣይኮነን።

"ሓደ ሰብ ካብ ስድራኡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ እንተተላኢኹሉ 25 ኪሎ ጣፍ እኳ ክገዝእ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ኢና ዘለና። ርብዒ ኩንታል ንምግዛእ ልዕሊ 4 ሽሕ ቅርሺ ክህልወካ ኣለዎ" ክብል ነቲ ኵነታት የረድእ።

በርሀን ዳኒኤልን ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ትግራይ ዋጋ ጣፍ ብዝለዓለ መጠን ዝወሰኸሉ ምኽንያት፡ ሕፅረት ስለዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነጋዶ ዘይፍትሓዊ መኽሰብ ንምርካብ ዋጋ ስለዝወሰኹሉ እዩ።

“እቶም ነጋዶ ዝነበሮም ጣፍ ሓቢኦም ብምሓዝ፡ ‘የብልናን’ ብምባል ከምኡ’ውን ብደላሎ ኣቢሎም ብዝለዓለ ዋጋ እናሸጡ ንሕብረተሰብ ይምዝምዝዎ ኣለው። መንግስቲ ነዚ ኩነታት ንምቁጽጻር ንጥፈታት ከምዝጀመረ እንተገለፀ’ኳ ክሳብ ሎሚ ግን ዝኾነ ለውጢ ኣይተራእየን" ይብል በርሀ።

ዳንኤል ብወገኑ "ነዚ ኩሉ ተሓተትቲ እቶም ነጋዶ እዮም። መንግስቲ ዋጋታት ንምርግጋእ ዝከኣሎ እኳ እንተገበረ፡ ነጋዶይ ግን 'በቲ ዝወሰንናዮ ዋጋ ክንሸይጥ ኢና' ይብሉ ስለዘለዉ እዩ እቲ ጸገም ተፈጢሩ ዘሎ" ክብል ይገልጽ።

መራሕቲ እቲ ክልል ዋጋ ጣፍ ንምቁፅፃር ተመን ኣቐሚጦም ንግብራውነቱ ፃዕሪታት እንተገበሩ’ውን፡ እቶም ነጋዶ ብወገኖም ናብ ምትህልላኽ ብምእታው መኽዘኖም ናብ ምዕፃውን ዝነበሮም ጣፍ ክሳብ ምሕባእን ከምዝበጽሑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሓደ ኩንታል ካብ 16 ክሳብ 17 ሽሕ ቅርሺ ብምኽፋል እንጀራ ጣፍ ክምገቡ ዓቕሞም ዘይፈቕደሎም ሰባት ነቲ ብሓገዝ ዝረኽብዎ ስርናይን ብዘላቶም ዓቕሚ ዝዕድግዋ ምሸላን እናተጠቐሙ እንጀራ ከዳልዉ ይግደዱ ኣለው።

ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ጣፍ ክውስኽ ካብ ዝገበሩ ቀንዲ ጉዳያት እቲ ሓደ እቶም ነቲ ክልል ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰበስልጣን ኣብ ዋጋ ተመን ከውስኑ ምፍታኖም እዩ።

እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዕዳጋታት ዝቐርብ ዘሎ ጣፍ፡ ነጋዶ ምስ ትግራይ ብዝዳበው ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ኣቢሎም የእትዉ ብምህላዎም ከምዝኾነ እቶም ንቢቢሲ ርእይትኦም ዝሃቡ ነበርቲ አረዲኦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተወሰነ ጣፍ ብነጋዶ ኣቢሉ [ብሕቡእ] ናብ ትግራይ ብምእታዉ ኣብ ዋጋ ምምሕያሽ እኳ እንተተራእየ ነዊሕ ከይፀንሐ ናብ ዝነበሮ ኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ከምዝተመለሰ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ክርዳእ ክኢሉ’ሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ነበርቲ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ጉዳይ ምንሃር ዋጋ ጣፍ ዝምልከት ሕቶ ካብ ተሳተፍቲ ተላዒሉ ነይሩ።

ካብቶም ምስቲ መራሒ ዝተዘራረቡ ነበርቲ ሓንቲ ዝነበራ ኣደ ኣብ ዝሃብኦ ሓሳብ፡ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ጣፍ ንሹመኛታትን ነጋዶን ተሓተትቲ ገይረን።

ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ንዝቐረቡ ሕቶታት መልስን መብርህን ዝሃበ መራሒ እቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን፡ ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋን ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታትን ከምዘሎ’ዩ ኣረጋጊጹ።

“እቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ውሑዳት እዮም። ብዝርዝር ሒዝናዮም ኢና። ህዝቢ ዝነገረና ጥራሕ ዘይኮነስ ባዕል’ውን ኣፃሪናዮ ኣለና። ስጕምቲ እውን ክንወስድ ኢና። ምሉእ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ናብ ሕጊ ከነቕርቦም ኢና" ዝብል ሓፂር መልሲ ሂቡ።

ጣፍ ዝርከቦም ካልኦት ሸቐጣትን ቀረባትን ናብ መቐለ ምስ በፅሑ ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከምዝባጽሑ ይግለፅ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ዋጋ ጣፍ ካብቲ ናይ መቐለ ኣዝዩ ከምዝውስኽ ይግመት።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት ትካል ግራሰ ሰናይ ከምዝሓበርዎ፡ ዝዀነ ሰብ ዋላ በቲ ዝበሃል ዘሎ ክባር ዋጋ ጣፍ ክገዝእ እንተደልዩ ብቐጥታ ካብ ነጋዶ ዘይኮነስ ብደላሎ ኣቢልካ ስለዝኸውን፡ ብሰንኪ'ዚ ዋጋ ናይ ሓደ ኩንታል ልዕሊ 20 ሽሕ ብር ይበፅሕ።

ንምጅማር ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ ከም ቴሌኮም፡ ኤሌክትሪክን ባንክን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዝተቛረፀላ ትግራይ ሓደ ኩንታል ጣፍ ካብ 6-8 ሽሕ ብር ይሽየጥ ነይሩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብቲ ክልል ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥሜት ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

ካብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣትሒዙ ትካላት ረድኤት ናብ ትግራይ ሓገዝ ስርናይ፡ ዕፉንን መኣዛዊ መግብታትን የብጽሑ ምህላዎም ይገልፁ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ ኣብቲ ክልል ዘንፀላለወ ስግኣት ጥሜት ምግታእ ከምዝተኸኣለ ገሊፁ ነይሩ።

እንተዀነ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት በዚ መግለጺ ኣይሰማማዕን።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫንዳክናብ ብ8 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ነዚ ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝበፅሐ’ውን ኣፍሊጡ።

ይዅን እምበር ኣባል መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነቲ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነቲ ስግኣት ጥሜት ተገቲኡ’ሎ ክብል ዝሃቦ መግለፂ ምንቃፉ ይዝከር።

መራሕቲ ህወሓት እቲ ናብቲ ክልል ዝበፅሕ ሓገዝ ምቍርራፅ ከምዘጋጥሞን ናብ ተጠቀምቲ ከይበፅሕ ድማ ሕፅረት ነዳዲ ቀንዲ ማሕለኻ ኰይኑ ከምዘሎን ብተደጋጋሚ ይገልፁ።