መራሕቲ ትግራይ፡ መንእሰያት ክጋደሉ የገድዱ ከም ዘለዉ ንዝገልጽ ጸብጻብ ዘጋርድያን ነጺጐም

መራሕቲ ትግራይ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ይልእኩ ብምህላዎም ብዙሓት መናእሰይ ሓደገኛ መገዲታት ተጠቒሞም ካብቲ ክልል ይወጽኡ ከም ዘለው፡ ዘጋርድያን ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ሓቢሩ ነይሩ።

እቶም መራሕቲ፡ ነቲ ንነበርቲ የብሳብሱ፣ መንእሰያት ብሓይሊ ንውትህድርና ይምልምሉን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝመጽአ እኽሊ ይዘምቱን ኣለው ብምባል፡ ካብቲ ክልል ሃዲሞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ መሰኻኸር ረኺበዮ ዝብል ጸብጻብ እቲ ማዕከን ዜና ነጺጐምዎ።

እቲ ብወገን ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ኣቢሉ ዝወጽአ መግለጺ፡ “እዞም ክስታት መሰረት ዘይብሎም እዮም” ክብል እንከሎ፡ እቲ ክሲ “ህዝቢ ትግራይ ትዅረቱ ካብ ቃንዛኡን ንበደልቱ ተሓተትቲ ካብ ምግባርን ከም ዝእለ ብምግባር፡" ጉድኣት ዘብጽሕ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ጋዜጣ ዘጋርድያን ብዛዕባ ካብታ ብሰንኪ ኲናትን ዕጽዋን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው እትርክብ ትግራይ ንምውጻእ ኣሽሓት ዝኸፍሉን ኣብ መንገዲ ከቢድ ስቓይ ዘጋጥሞም ዘሎን ተጋሩ ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ብሰኑይ ኣዳልዩ።

እቲ “ኵሉ ሞት እዩ” ብዝብል ቃል መሰኻኽር ዝሓዘ ጸብጻብ፡ እቶም ወገናት ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ዕጽዋን ብመራሕቲ ትግራይ ዝወርዶም ምክልባትን ነቲ ዋጋ ሞት ከኽፍል ዝኽእል ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዝተገደዱ ይገልጽ።

ዘጋርድያን እንታይ ኢሉ?

ጸብጻብ ዘጋርድያን፡ ተጋሩ ብሓደ ሸነኽ፡ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ኵለ መዳያዊ ዕግታ ዝፈጠሮ ከቢድ “ጥምየት”፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዝርከቡ መራሕቲ ትግራይን የካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ “ግዱድ ዕስክርና” ንምህዳም፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ካብ መረበቶም ንምውጻእ ሓደገኛ ጕዕዞ ይገብሩ ከም ዘለዉ የመላኽት።

እቶም ተጓዓዝቲ ንደለልቲ ክሳብ 40 ሽሕ ንሓደ ሰብ ከም ዝኸፍሉ ዝገልጹ ኰይኖም፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ሰገሩ'ውን ተኣሲሮም ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ብተወሳኺ ኣብቶም ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽን ማህረምትን ሓዊሱ፡ ብዙሕ ስቓይ ከም ዝበጽሖም ዝገልጹ እቶም ስደተኛታት፡ 'ፋኖ' ብዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለን ነበርትን ምፍርራሓት ከም ዝወርዶም'ውን ይዛረቡ።

ዘጋርድያን ዘዘራረቦም ጃሪ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ገሊኦም፡ መራሕቲ ትግራይ ክጋደሉ ስለ ዘገድድዎም ከም ዝሃደሙ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ንቐለብ ሰራዊትን ምሩኻትን ገንዘብ ከዋጽኡ ከም ዝግደዱን ምምሕዳራዊ በደል ከም ዝበጽሖምን ምግላጾም ሓቢሩ።

ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ዝደልይዎ ይበጽሕ ከም ዘየለ ዝኸሱ'ውን ኣለዉ።

ኣብታ ካብ ምሉእ ዓለም ተገሊላ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ፡ ሰባት ብጥምየትን ስእነት መድሃኒትን ይሞቱ ከም ዘለዉ ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብሕታዊ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን ነዳድን ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከም ዘበለ ኣብ ቀረባ እዋን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ናብ ትግራይ ዝኣቱ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ መጠኑ ምምሕያሽ የርኢ'ኳ እንተሃለወ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምጉዕዓዝ ከም ዘይተኽኣለ መራሕቲ ህወሓት ይገልጹ።

መንግስቲ ትግራይ እንታይ ኢሉ?

መንግስቲ ትግራይ ንጸብጻብ ዘጋርድያን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ክሲ “መሰረት ዘይብሉ” ክብል ነጺግዎ።

ሰባት ብሓይሊ ንውትህድርና ይምልምሉ ከም ዘለዉ ንዝገልጽ ክሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሓይልታቶም “ብወለንታኦም” ኣንጻር እቲ “ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ምጽናት ዓሌት” ዝተለዓሉ እምበር ብሓይሊ ዝተመልመሉ ከም ዘይኮኑ ገሊጹ።

ቅድም ክብል መንግስቲ ትግራይ መንእሰያት ብሓይሊ ናብ ውትህድርና ክኣተዉ የገድዱ ከም ዘለዉን ፍቓደኛታት ዘይኰኑን ዝሃደሙን ድማ ወለዶም ከም ዝእሰሩን ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ሰብመዚ ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ እቲ ተርእዮታት ኣብ ገለ ከባቢታት ከም ዝነበረ ተኣሚኖም፡ ናይ ምስትኽኻል ስጕምቲ ምውሳዶም ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ነቲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝመጸ እኽሊ የጠፋፍእ ከም ዘሎ ዝገልጽ ክሲ እውን “ንስራሕቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምስላጥ ወጻኢ፡ መንግስቲ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምክፍፋል ዝጥቀስ ተራ የብሉን” ኢሎም።

ናብቲ ክልል ዝኣቱ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዐርዩ ትሑት ከም ዀነን፡ እቲ ዝበጸሐ'ውን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ናብቲ ዝድለየሉ ከባቢ ክበጽሕ ከም ዘይከኣለን'ውን ሓቢሮም።

መራሕቲ ህወሓት፡ ነቲ ህዝቢ ብሓይሊ ገንዘብ ከዋጽእ ይግበር ከም ዘሎ ዝገልጽ ክሲ ድማ፡ ነጺጐምዎ ኣለው።

“ኵሉ ትግራዋይ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ዘይኰነ፡ ብዓቕሙን ፍቓዱን ንሓይልታት ትግራይ ኣበርክቶ ይገብር እዩ” ይብል እቲ መግለጺ።

ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ

ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር ኣስታት 19 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ስእነት መሰረታዊ ኣቕርቦት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንኸቢድ ጥምየት ከም ዝተቓልዑን ሚልዮናት ነበርቲ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝዀኑን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ጥዕና እቲ ክልል ዝወረደ ዕንወትን ሕጽረት መድሃኒትን፡ ስርዓተ ጥዕና እቲ ክልል ክወድቕ ከም ዝገበረን ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ከም ዘለዉን እውን፡ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ፍልልዮም ብዘተ ሰላም ንምፍታሕ ፍቓደኛታት ምዃኖም ምግላጾም ስዒቡ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓሰለ ሞትን ምፍንቓልን ከብቅዕ ዝኽእለሉ ተስፋታት ተቐልቂሉ ኣሎ።