እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መውዐሊ ህጻናት ዝተሓብአ ሓሽሽ ሓደ ህጻን ቀቲሉ
ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ መውዐሊ ህጻናት፡ ኣብ ትሕቲ መደቀሲ ዝተቐመጠ ሓደ ኪሎ ፈንታኒል ዝተባህለ እጽ ሓደ ህጻን እንትቐትል ካልኦት ሰለስተ ህጻናት ተመሪዞም ሆስፒታል ኣትዮም።
ኒኮላስ ዶሚኒክ ዝተባህለ ወዲ ሓደ ዓመት ህጻን ናብቲ መውዓሊ ምኻድ ካብ ዝጅምር ሓደ ሰሙን ጥራሕ ዝገበረ ኮይኑ፡ ዓቐን ዝሓለፎ መድሓኒት ክኾን ብዝኽእል ምኽንያት ብዓርቢ ህይወቱ ሓሊፉ።
ካልኦት ሰለስተ ህጻናት ድማ ነቲ ሓያል ኣደንዛዚ እጽ ብምቅለዖም ናብ ሆስፒታል ኣትዮም።
ምስዚ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ክልተ ሰባት ሓደገኛ እጽ ብምሓዝን ቅትለትን ተኸሲሶም።
እቶም ካብ 8 ወርሒ ክሳብ 2 ዓመት ዕድሚኦም ህጻናት፡ እቲ ፈንታኒል ዝተባህለ እጽ ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ብትንፋሶም ከምዝወሰድዎ ፖሊስ ይኣምን።
እቶም ሰለስተ ህጻናት ንህጹጽ እዋን ዝወሃብ መጠን ዝሓለፎ እጽ ዘዝሕል ናርካን ዝተባህለ መድሓኒት ተዋሂብዎም።
መርማሪ ፖሊስ ጆሴፍ ኬኒ፡ ኣብቲ መውዓሊ ብዝተኻየደ ፍተሻ፡ “ ኣብ ትሕቲ እቶም ህጻናት ደቂሶምሉ ዝነበሩ ምንጻፍ” ሓደ ኪሎ ፈንታኒል ከምዝተረኸበ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ሓሽሽ ንምእሻግ ዝጠቕሙ ሰለስተ መሳርሒታት ከምዝረኸቡ እውን መርመርቲ ሓቢሮም።
ወናኒት ናይቲ መውዓሊ ህጻናትን ሓደ ተካራይን እጽ ብምሓዝ ናብ ሕጊ ዝቐረቡ ኮይኖም፡ እጽ ንምሻጥ ኣብ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ህይወት ሰብ ብምጥፋእ ተኸሲሶም።
ዓቃቢ ሕጊ መንሃታን ዳምያን ዊልያምስ፡ “ እቶም ተኸሰስቲ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ናይ መዐወኒ ሓሽሽ ንግዲ የካይዱ ብምንባሮምን ኣርባዕተ ህጻናት ብምምራዝ ሓደ ህጻን ቀቲሎም ብዝብል ከሲስናዮም” ኢሉ።
“ህጻናት ድሕነቶም ዝሕለወሉ መውዓሊ፡ ክቐትሎም ብዝኽእል መድሓኒት ክመልእ የብሉን።”
እቲ ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ዝተረኸበ መድሓኒት 500 ሽሕ ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል ፖሊስ ይገልጽ።
ካብ ሄሮይን 50 ግዘ ዝብርትዕ ጸረ ቃንዛ ፈንታኒል፡ ኣብ ኣመሪካ ቀንዲ ምኽንያት ብእጽ ዝበጽሕ ሞት ኮይኑ ኣሎ።
ወናኒት እቲ መውዐሊ ህጻናት ዝኾነት ግረይ መንደዝ፡ እቶም ህጻናት ሓሚሞም ምስረኸበቶም ቅድሚ ናብ ፖሊስ ምድዋላ ናብ በዓል ገዝኣ ከምዝደወለት ምስልታት ካሜራ ሓለዋ የመልክቱ። ድሕሪኡ በዓል ገዝኣ ድማ ካብቲ መውዓሊ ብዙሓት ዘንቢላት ከምዘህደመ ሰብመዚ ገሊጾም።
ፖሊስ ነቲ ተሓባባሪኣ ከምዝኾነ ዝተገለጸ በዓል ቤታ ንምሓዝ ኣለሻ የካይድ ኣሎ።
ጠበቓ መንደዝ፡ ዓሚሉ ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት እጽ ምንባሩ ከምዘይትፈልጥ ምግላጻ ሓቢሩ።
“ብሕታዊ ገበና ገዝኣ ንሓደ ኪሎ እጽ ዘለዎ ሰብ ምክራያ እዩ።”
እቶም ተኸሰስቲ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ክሳብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረዱ ይኽእሉ።
ኣብ 2010 ኣብ ኣመሪካ ትሕቲ 40 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ብምጥቃም ካብ ልክዕ ዝሓለፈ እጽ ዝሞቱ ኮይኖም፡ ካብዚኦም ትሕቲ 10 ምኢታዊት ምስ ፈንታኒል ዝተሓሓዝ ነይሩ።
ኣብ 2021 ግና ልዕሊ 100 ሽሕ ብሰንኪ እጽ ዝሞቱ ኮይኖም ካብዚኦም ናይቶም 66 ምኢታዊት ምስ ፈንታኒል ዝተተሓሓዘ እዩ።