እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ዓባይ መርከብ ኣብ መረባኡ ዝጸንሓቶ ሰብኣይ
ኣብ ድቃስ ጸኒሕካ ምስ ተበራበርካ ኣብ መረባኻ ዓባይ መርከብ ክትጸንሓካ ንምእማኑ ዘጸግም እዩ።
ምናልባ'ውን ትሓልም ከይትህሉ ጥራሕ ኢኻ ክትጠራጠር እትኽእል። ኣብ ኖርወይ ንሓደ ሰብኣይ ከምኡ እዩ ኣጓኒፉዎ።
እቲ ሰብኣይ ካብ ድቃሱ ምስ ነቕሐ፡ ሓንቲ ኮንተይነራት ዝጸዓነት ዓባይ መርከብ ናብ ገማግም ባሕሪ ወጺኣ ኣብ ቅድሚ መረባኡ ተጋጭያ ረኣየ።
እታ 135 ሜትሮ ዝንውሓታ መርከብ፡ ትማሊ ሓሙስ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 5፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ንገዛ ዮሃን ሄልበርግ ክትሃርሞ ዳርጋ ተቓሪባ ነይራ።
እቲ ፍጻመ ከጓንፍ እንከሎ ዮሃን ኣብ ዓሚቝ ድቃስ እዩ ነይሩ። ሓደ ጐረቤቱ ግን እታ መርከብ ናብ ቤት ዮሃን ተቕንዕ ከም ዝነበረት ተዓዘበ እሞ ልቡ ብስንባደ መልአ።
ዮሃን ንመርበብ ተለቪዥን ቲቪ-2 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ማዕጾይ ክኸፍቶ ኣብ ዘይደልየሉ መዓልቲ እዩ ተደዊሉ፡" ኢሉ።
ወሲኹ ምስ ጋርድያን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ብመስኮት ምስ ተቐልቀልኩ ዓባይ መርከብ ምርኣየይ ኣዝየ ተገሪመ፡" ኢሉ።
"ላዕለዋይ ክፋላ ክርኢ ክሳደይ ከንቃዕርር ነይሩኒ። ኣዝዩ ዘይክውንነታዊ እዩ ነይሩ" ክብል ወሲኹ።
ጐረቤት ጆስተይን ጆርገንሰን፡ እታ መርከብ ብምሉእ ፍጥነት ናብ መሬት ገጻ ክትምርሽ ከላ ብድምጺ ከም ዝተበራበረን ናብ ገዛ ዮሃን ሄልበርግ ብናህሪ ትኸይድ ከም ዝነበረትን ገሊጹ።
"ካብ ገዛ ወጺኡ ኣብ ደገ ክህሉ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ነይረ፤ እንተዀነ ኣይኰነን። ብዙሕ ግዜ ደወል ማዕጾ ደዊለ ዋላ ሓንቲ መልሲ ኣይነበረን፡" ይብል ጆርገንሰን።
"ተለፎን ምስ ደወልክሉ ጥራሕ'የ ድማ ክረኽቦ ዝኸኣልኩ፡" ክብል ንቲቪ-2 ተዛሪቡ።
እታ ባንዴራ ቆጵሮስ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መርከብ 16 ሰባት ዝነበራ ኰይና፡ ብትሮንድሃይም ፍዮርድ ኣቢላ ንደቡባዊ ምዕራብ ናብ ኦርካንገር ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ካብ መስመራ ኣንደሊሂጻ።
በቲ ፍጻመ ዝዀነ ሰብ ከም ዘይተጐድአ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን፣ ፖሊስ ኖርወይ ድማ ይምርምሩ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
"ኣዝያ ዕብይ ዝበለት ሓዳስ ጐረቤት ኢና ረኺብና፣ እንተዀነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክትከይድ እያ፡" ይብል ዮሃን።
ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ እታ መርከብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2023 ምስ መሬት ተላቲማ ነይራ እያ።