ኦሮምያ፡ ዕጡቓት ፋኖ ዝኽሰስሉ ዘለዉ 'ዘስካሕክሕ ቅትለታት'

ኣፅዋር ዝተዓጠቐ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ወረዳ ኖኖ፡ 12 ነበርቲን 22 ዕጡቓትን ከምዝተቐትሉ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊፆም።

እቶም 12 ሰባት ነበርቲ፡ ካብ ዞባ ጉራጌ ወጺኦም ተባሂሎም ብዝእመነሎም ዕጡቓት ፋኖ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ፡ 22 ዕጡቓት ድማ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ፡ ሰብመዚ ሓቢሮም።

ኣብ ወረዳ ኖኖ ቁሸት ሃሎ ዲኒቂ፡ ብቀዳም 8 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ነበርቲ በቲ መጥቃዕቲ 22 ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለጹ፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኖኖ ግን 12 ነበርቲ ጥራይ ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ኖኖ ኣቶ ወንዳፍራሽ ሉሌሳ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ስጕምቲ ክምዝወሰዱ ብምግላፅ፡ "22 ነበርቲ ተቐቲሎም ዝብል ሓሶት እዩ። 12 ጥራይ እዮም ተቐቲሎም። ልዕሊ 22 ዕጡቓት እዮም ተቐቲሎም" ክብል ኣረዲኡ።

ነበርቲ እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ዓዲ፡ "ካብ ዞባ ጉራጌ ዝሰገሩ ዕጡቓት ፋኖ ብሰንበት ምሸት ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ" ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም።

ንድሕነቱ ብምስጋእ ስሙ ከይርቋሕ ዝሓተተ ነባሪ፡ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም "ካብ ዞባ ጉራጌ ዝተበገሱ ዕጡቓት፡ ህጻናት ዝርከብዎም ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ኣጥቂዖም" ኢሉ።

ኣብቲ ቅድም ክብል ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝፍፀመሉ ወረዳ ኖኖ፡ ሕጂ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ "ኣብ ውሽጥ ገዛኦምን ኣብ ደገን፡ ዝሞቱ ሰባት ናብ 22 ከምዝበጽሕ"፡ እቲ ነባሪ ይዛረብ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ኖኖ ኣቶ ወንዳፍራሽ፡ ነቲ በቲ ነባሪ ዝተጠቕሰ ብዝሒ ብምንፃግ፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ዞባ ጉራጌ ከምዝመጹን፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ድማ "ተራ ሸፋቱ" ምዃኖም ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ወንዳፍራሽ፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ናይ ጸጥታ ጸገም ዘስዕቡ ዘለዉ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም ይኸስስ።

"ንፋኖ መንገዲ ዝጸረጉ ንሳቶም እዮም። እቶም ብስም ፋኖ ዝንቀሳቐሱ መንግስቲ ንምውዳቕ ዝቃለሱ ዘይኰኑስ፡ ተራ ሸፋቱ እዮም። ብተደጋጋሚ ናብ ባራት ብምኻድ ብለይቲ ብጠበንጃ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ" ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ነበርቲ ድማ፡ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ካብ ወረዳ ኖኖ ናብ ከባብታት ዞባ ጉራጌ ተመዛቢሎም ዝፀንሑ ሰባት ምዃኖም ሓቢሮም።

ካብ ወረዳ ኖኖ ናብ ዞባ ጉራጌ ዝተሰደዱ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ብናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ዝተኣታተወ ሓዱሽ ስርዓት ዋንነት መሬትን ከምዝኾነ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ዘስዓበ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ሻድሻይ" ምዃኑ ሓደ ነባሪ ገሊጹ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ምስ በጽሑ፡ "ንህጻናት፡ ንኣረጋውያን፡ ወይ ንደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣይምሕሩን" ዝበለ እቲ ነባሪ፡ ንዅሉ ዝረኸብዎ ሰብ "ብጅምላ ከም ዝቐትሉ" ይዛረብ።

ኣብቲ ብቐዳም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግዳይ ዝዀኑ፡ብብዝሒ ህፃናት፡ ኣረጋውያንን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ እቲ ነባሪ ይዛረብ።

ምልሻታት እቲ ከባቢ ነቶም ነበርቲ ካብቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እኳ እንተፈተኑ፡ ዓቕሞም ምስቶም ዕጡቓት ስለዘይመጣጠን ክከላኸሉ ከምዘይከኣሉ እቲ ነባሪ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ኖኖ ኣቶ ወንዳፍራሽ ሉሌሳ፡ እዞም ዕጡቓት፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣንጻር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ክወፍሩ እንከለዉ፡ ዕድል ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን መጥቃዕቲ ከምዝፍንዉ ከሲሱ።

"ዕላማኦም ግብሪ ከይከፍሉ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምቕማጥን መሬት ምውራርን እዩ። ካብ መሬትና ተመዛቢልና ሕጂ ክንምለስ ኣለና ብዝብል እዮም ኣጥቂዖም፣ እዚ ግን ሕልሚ'ዩ።"

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ወረዳ ኖኖ፡ ኣብ ኦሮምያ "ዕጡቓት" ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈፀሙሉን ንፁሃት ሰባት ዝቐተሉላን ከባቢታት ሓንቲ ኰይና ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብነታ ወረዳ፡ ንተመዛበልቲ ዒላማ ብምግባር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

ሓላፊ ኮማንድ ፖስት እቲ ከባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብ "ኣኽረርቲ ዕጡቓት ኣምሓራ" ከምዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ፡ ሓደ ነባሪ ድማ ነቲ መጥቃዕቲ መንን ስለምንታይን ከምዝፈጸሞ ንጹር ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ዕጡቓት ፋኖ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር መንግስቲ ዝንቀሳቐሰ ኰይኖም፡ ናብ ክልል ኦሮምያ ብምዝላቕ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ብምፍናውን ብተደጋጋሚ ይኽሰሱ።