ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቂቕ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብመጻምድታ ወይ ኣባል ስድራኣ ከምእትቕተል ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቂቕ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብመጻምድታ፡ ብብዓል ቤታ ወይ ብኣባል ስድራኣ ከምእትቕተል ገሊጹ።
እዚ ማለት ኣብ ሓደ መዓልቲ 137 ደቂ ኣንስትዮ ብመጻምድተን፡ ብዓል ቤተን ወይ ብኣባል ስድራአን ከምዝቕተላ ዘርኢ ኰይኑ እቲ ዝርገሐ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ኣብ 2024፡ ኣስታት 50 ሽሕ ዝዀና ደቀንስትዮን ህጻናትን ብመጻምድተንን ብኣባላት ስድራአንን ከምዝተቐትላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
እዚ ከኣ 60 ሚእታዊት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ዝሽፍን'ዩ።
እቲ ብምኽንያት ኣብ 25 ሕዳር ዝኽበር መዓልቲ ምውጋድ ዓምጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንሰትዮ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ 'ንደቀንስትዮ ገዛአን እቲ ቀንዲ መቕተሊአን ኰይኑ'ሎ' ብምባል እቲ ኣሃዝ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣብሪሁ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንሰትዮ ዝፍጸም ቅትለት ካብ ገዛ ወጻኢ'ውን ዝፍጸም ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት ዘሎ ሓበሬታ ግን ድሩት ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ።
ዳይረክተር ክፍሊ ፖሊሲ ደቀንስትዮ ሕቡራት ሃገራት ሳራ ሀንድሪክስ "ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ንበይኑ ዝፍጸም ኣይኮነን፣ መጀመርታ ክትዕብልል ወይ ክትቈጻጸር ካብ ምድላይን፡ ብኣካልን ብኦንላይንን ዝርከቦም ምፍርራሕን ምግፋዕን ጀሚሩ'ዩ ናብ ቅትለት ዝበጽሕ" ትብል።
ዓለማዊ ቅልውላው
ኣፍሪቃ፡ ብመጻምድተን ወይ ኣባላት ስድራአን ዝቕተላ ደቀንስትዮ ኣብ ቅድሚት'ያ ትስራዕ።
ካብ 100 ሽሕ ደቀንስትዮ ኣዋልድን እተን ሰለስት ብመቕርበን ወይ መጻምድተን ይቕተላ፣ ኣመሪካ 1.5፡ ኦሻንያ 1.4 ፡ ኤስያ 0.7 ኣውሮጳ ከኣ 0.5 ኣሃዝ ሒዘን ንኣፍሪቃ ይስዕባኣ።
ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዕጸፋርስን ገበናትን ሕቡራት ሃገራት ጆን ብራንዶሊኖ "ኣብ መላእ ዓለም ንደቀኣንስትዮን ኣዋልድን ገዛአን እቲ ቀንዲ መቕተሊአን'ዩ ኰይኑ ዘሎ" ይብል።
ኣብ 2024 ኣውሮጳን ኣመሪካን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝተፈጸመ ቅትለታት እቲ ዝበዝሐ ብመጻምድተን ዝተፈጸመ'ዩ።
ኣብ ኣውሮጳ 64 ሚእታዊት ኣብ ኣመሪካ ከኣ 69 ሚእታዊት ካብ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝተፈጸመ ቅትለት ብመጻምድቲ እተን ግዳያት ዝተፈጸመ'ዩ።
ዘቤታዊ ዓመጽ ምስ በዝሐ ናብ ቅትለት ከምዝበጽሕ ከኣ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ንኣብነት ኣብ ኣልባንያ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ካብ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ እተን 90 ሚእኢታዊት ኣቐዲሙ ካብቶም ቀተልተን [መጻምድተን ወይ መቕርበን] ግፍዕን ምፍርራሕን በጺሕወን ዝነበራ'የን። ብተወሳኺ ገሊአን'ውን እቶም ቀተልተን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት ዝቐተሉወን'የን።
ቅንኢ፡ ንምፍልላይ ዘይምቕባል፡ ንፖሊስ ስለዝሓበራ ሕነ ንምፍዳይ፡ ድሕሪ ምፍልላይ ንዳግማይ ዕርቂ ምእባይ፡ ገለ ካብቲ መንቀሊ ቅትለት ኰይኑ ተሰኒዱ ዘሎ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የነጽር።
ለሴቶ እታ ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ብመጻምድተን ዝግፍዓላን ዝህረማላን ሃገር'ያ።
44 ሚእታዊት ካብ 15 ክሳብ 49 ዕድመአን ተወለድቲ ለሴቶ ብመጻምድተን ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ከምዝበጽሐን ሕቡራት ሃገራት ንጸብጻብ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከም ምንጪ ብምጥቃስ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ገለ ካብቲ ብመጻምድቲ ወይ ኣባል ስድራ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ዘቤታዊ ዓመጽ፡ ኣልኮላዊ መስተን ግጭትን ካብ ቀንዲ መንቀሊ እቲ ቅትለታት ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣጽዋርን ቴክኖሎጂን
እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ብኣጽዋርን ቴክኖሎጂን ከምዝፍጸም'ዩ ዝሕብር።
ኣብቲ ጸብጻብ "እቶም ዘለዉ መርትዖታት ከም ዝሕብርዎ፣ እቶም ፈጸምቲ ገበን መብዛሕትኦም ነቲ ቅትለት ብብረት'ዮም ዝፍጽምዎ። እዚ ንቍጽሪ እተን ኣብ ገዛአን ወይ ቀጽረን ዝቕተላ ግዳያት ብ70% ከም ዝውስኽ ገይርዎ'ዩ።"
ብተወሳኺ ቴክኖሎጂ'ውን ከም መቈጻጸሪ ኣጽዋር ይውዕል ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ የነጽር።
እቲ ጸብጻብ፡ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ውልቃዊ ሓበሬታ እተን ግዳያት ብዘይ ፍቓደን ኣብ ኦንላይን ክዝርግሖ'የ ኢልካ ምፍርራሕ፣ ብኦንላይን ምጕዕባዕን ካልእን'ውን ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘቤታዊ ዓመጻት ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
"ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ 2011 ክሳብ 2014 ካብ ዝተፈጸመ 41 ናይ ዘቤታዊ ቅትለት ገምጋማት ዝተገብረ ትንተና ከም ዘመልክቶ፡ 58.5% ካብተን ጉዳያት፡ እቶም ፈጸምቲ ገበን ቅድሚ ቅትለት ግዳይ ብግዴታ ምቍጽጻርን ምክትታልን ንምፍጻም ቴክኖሎጂ ይጥቀሙ ነይሮም።"
ብፍላይ እተን ስርሐን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ንኽርኣያ ዝድረኸን ከም ጋዜጠኛታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲከኛታትን ካብ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግህሰታትን ዓመጻትን ምዃነን'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብመጻምድተንን ኣባላት ስድራአንን ዝፍጸም ዓመጻትን ቅትለታትን፡ተረርቲ ፖሊሲታት ኣብ ግዚኦም ብምትእትታው ክውገድ ከምዝኽእል'ዩ ደምዲሙ።
ሰባት ውልቃዊ ብረት ከይውንኑ ምኽልካል'ውን ንቝጽሪ ግዳያት ከጉድሎ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ተሪር ሕጊ ግን ሓደ ካብ ቀንዲ ነቲ ቅትለት ቅድሚ ምፍጻሙ ደው ከብሎ ወይ ከጕድሎ ካብ ዝኽእል ረቋሒ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስሚሩሉ።
እተን ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
- ረቤካ ቸፕተጋይ፡ ጓል 33 ዓመት ኡጋንዳዊት ኦሎምፒካዊት ጎያይት፡ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ ገዛኣ እንከላ ብመጻምድታ ዝነበረ ዲክሰን ንዴማ ተጠቒዓ። ኣብ ኣካላታ ላምባ ብምንስናስ ብሓዊ ኣቃጺልዋ፡ ንሳ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት በቲ ዘጋጠማ ቃጸሎ ክትመውት እንከላ መጻምድታ ነበር ዲክሰን ንሴማ ንዓኣ ከቃጽላ እንከሎ ንሱ'ውን ስለዝነደደ ድሕሪ ሞት ረቤካ ቻፕተጋይ ቅሩብ መዓልታት ጸኒሑ ሞይቱ። ክልቲኦም ብመሬታ ይከራኸሩ ከምዝነበሩ ከኣ ጸብጻባት ይሕብሩ።
![ከይል ከይል ክሊፎርድ ንካሮል ሁንት [ጸጋም] ብኻራ፡ ንደቃ ኩወስ [ማእከለይትን] ሃና [የማነይትን] ከኣ ብቀስቲ ኣብ ገዛአን ቀቲልወን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/f728/live/c9aa7830-c959-11f0-9fb5-5f3a3703a365.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Contributed
- ጓል 25 ዓመት ሉዊስ ሃንትን ጓል 28 ዓመት ሓፍታን ሃናን፡ ብመጻምድቲ ልዊስ ሃንት ዝነበረ ከይል ክሊፎርድ ተቐቲለን። ከይል ንጓል 61 ዓመት ወላዲተን ካሮል'ውን ቅድሚ ንሉዊስን ሓፍታን ምቕታሉ ብኻራ ቀቲልዋ።ሉዊስ ሃንስት ምስ ከይል ክሊፎርድ ዝነበራ ርክብ ደው ምስ ኣበለቶ፡ ከይል ክሊፎርድ ኣብ ሓምለ 2024 ኣብ ልዕሊ ሉዊስ ሃንት ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምፍጻም ንዓኣን ንሓፍታን ብቀስቲ ገይሩ ቀቲልወን። ሰለስት ትንፋስ ዘሕለፈ ከይል ንሕልፈት ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። እዘን ግዳያት ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ንተንታኒ ውድድር ኣፍራስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆን ሁንት'የን።

ምንጪ ስእሊ, Kristina Joksimovic/Instagram
- ክሪስሪና ጆክሲሞቪክ ጓል 38 ዓመት ሞዴልን ንወይዘሪት ስዊዘርላንድ ናብ መወዳእታ ውድድር በጺሓ ዝነበረትን ኰይና ኣብ ለካቲት 2024 ብብዓል ቤታን ኣቦ ክልተ ደቃን ኣብ ገዛኣ ዝተቐተለት'ያ፡ ብዓል ቤታ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, UN Women/Radhika Chalasani
- ኖርማ ኣንድራደስ ጓላ ሊልያ ኣለጃንድራ ኣብ ሜክሲኮ ተጨውያ ተሳቕያ ምስ ተቐተለት፡ ኣብ ሜክሲኮ ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ደው ንኽብል ዝጽውዕ 'Nuestras Hijas de Regreso a Casa' [ደቅና ናብ ቤተን ብሰላም ይመለሳ] ዝተሰመየ ዘይመንግስታዊ ትካል መስሪታ።
"ሓደ መዓልቲ ጓለይ ሊልያ ኣለጃንድራ ካብ ገዛኣ ምስ ወጽአት ናብ ገዛኣ ኣይተመለሰትን። ድሒራ ከኣ ናብቲ ፈጺመ ክርእያ ዘይክእል ከምዝግዓዘት ፈሊጠ። ሽዑያ ዓለመይ ፈሪሳትኒ። ሊልያ ተጨወያ፡ ተሳቕያ'ያ ተቐቲላ። ድሕሪ ቅትለታ እቲ ቅትለት ኣብ ሱዳድ ጁዋረዝ [ሜክሲኮ] ኣብ ልዕሊኣ ጥራይ ዝተፈጸመ ኣይነበረን፡ ስለዚ ነቲ ሓዘንና ናብ ቃልሲ ንፈትሕን ናብ ቃልሲ ኣንጻር ቅትለት ደቂ ኣንስትዮ ንቐይሮ ኢልና" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







