ንናብራ ደቂ ኣንስትዮ ብልጽቲ ዝተባሃለት ሃገር ንምንታይ'ያ ከምቲ ዝተበሃለቶ ዘይኮነት?

ኣይስላንድ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ፆታ ማዕርነት[Global Gender Gap Index] ን15 ዓመታት ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ጸኒሓ።

ንኣዴታትን ኣቦታትን ዝወሃብ ዕረፍቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ብምዃኑ፤ ዳርጋ 90 ምኢታዊት ካብተን ዕድመአን ዝኣኸለ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ብምሓዘን፤ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ኣኽኢሎምዋ።

ብምዃኑ'ውን፡ እታ ሃገር ብቐጻሊ ኣብ ዓለምና እታ ዝበለጸት ጾታዊ ማዕረነት ዝተረጋገጸላ ሃገር ተባሂላ ትጥቀስ።

ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ እታ ሃገር እንታይ ዝነኣዱ ስራሕቲ ትሰርሕ ከምዘላ ከምኡ'ውን ነገራት ብሓቂ ከምቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኾንዎ ጽቡቓት ድዮም ዘለዉ ዝብል ዳህሲሱ ኣሎ።

ኣብ ረይክያቪክ - ዋና ከተማ ኣይስላንድ - ኣብ ሓደ ቁሪ ዝበዝሖ ክረምታዊ ንግሆ፡ ዓሰርተታት ዝኾና ንኣሽቱ ኣዋልድ፡ ከበድቲ ጉንዲ ናብ መሬት ክድርብያ ይረኣያ።

"ኣነ እየ፤ ኣነ ብርትዕቲ!" ይፍክራ።

ኣብ ኣይስላንድ፡ ንልምዳዊ ጾታዊ ጽልዋታት ምሉእ ብምሉእ ዝነጽግ፡ ስብእና ህጻናት ንምምዕባል ዝሕግዝ 'ህጃሊ' ዝበሃል ኣገባብ ካብ ዘካይዳ 17 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብታ ሓንቲ ዝመሃራ ቆልዑት እየን።

"ደቂ ክልተ ዓመት ህጻናት፡ ወዲ ወይ ጓል ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ድሮ ግንዛበ ኣማዕቢለም ኣለዉ" ትብል መስራቲት ናይቲ ኣገባብ ኣስተምህሮ ማርግሬት ፓላ ኦላፍስዶቲር።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ 'ህጃሊ' ዝመሃሩ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበዝሕ መዓልቲ ተፈላልዮም፡ ብባህሊ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝተኣሳሰሩ ተግባራት ክፍጽሙ'ዮም ዝተባብዑ።

ኣዋልድ ምሕረት ዘይብላን ተባዓትን ክኾና ይምሃራ፤ ከምኡ'ውን ኣጉናድ ክድርብያ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ በረድ ጥራይ እግረን ክኸዳ ይግበር።

ኣወዳት ከኣ ነንሕድሕዶም ጽጉሮም ይምሽጡ፤ ነንሕድሕዶም 'ማሳጅ' ይገብሩ፤ ነንሕድሕዶም ድማ ናእዳ ይለዋወጡ።

"ኣወዳት ዝያዳ ውልቃውያንን ናጻን ክኾኑ ይመርጹ። ሕያዎት ክኾኑን ሓልዮት ክህልዎምን ከምኡ'ውን ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን ክሰማምዑን ኢና ነሰልጥኖም" ትብል ማርጋሬት ፓላ።

እቲ ህጃሊ ዝበሃል ስልቲ ወይ ኣገባብ ትምህርቲ ኣብታ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ከም መርኣያ እትቑጸር ኣይስላንድ እናተፈተወ ይመጽእ ኣሎ።

ዓለማዊ መድረኽ ቁጠባዊ (ወርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም) ከምዘመልክቶ፡ ብመዳያት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ዕድላት ቁጠባን ኣብ መንጎ ጾታ ንዘሎ ክፍተት ብልዕሊ 90 ምኢታዊት ዘጽበበት ኣብ ዓለም እንኮ ሃገር እያ።

ኣብ 2018 ከኣ ኣስራሕቲ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንማዕረ ስራሕ ማዕረ መሃያ ከም ዝኸፍሉ ከረጋግጹ ወይ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮም ወግዓዊ ዝገበረት ናይ መጀመርታ ሃገር ኮይና ኣላ።

ዳርጋ 90 ምኢታዊት ካብተን ዕድመ ዝኣኸለ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ኣለወን።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2021 ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ ትሕቲ 68 ሚእታዊት መጠን ዕድል ስራሕ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ይግለጽ።

ፖሊሲ ክንክን ህጻናት ኣይስላንድ ንኣተዓባብያን ክንክንን ቆልዑ ቆላሕታ ዝህብ'ዩ። ነፍሲ ወከፍ ወለዲ 80 ምኢታዊት ካብ ደሞዞም እናወሰዱ ሽዱሽተ ወርሒ ዕረፍቲ ይረኽቡ።

"ብሰንኪ ሞያይ ቆልዑ ከይወልድ ዝከዎነ ጸቕጢ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን" ትብል ኣብ ሓደ ትካል ምርባሕ ሳልሞን ዓሳ እትሰርሕን ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓሙሽተ ቆልዑ ዘለዋን ካትሪን ቶርሃልስዶቲር። \

ንሳ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ማዕረ ምስ በዓል ቤታ ትረክብ።

'ገነት ፈሚኒስት ኣይኮነትን'

ኣባላት ሓንቲ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ግን ብመንግስቲ ኣይስላንድ ኣዝየን ስለ ዝተቖጠዓ፡ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ዝቐረበ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ወሲደንኦ ኣለዋ።

እተን ከሰስቲ ሓደ ዝመሳሰስለን ነገር ኣሎ።

ኩለን ዓመጽ ወይ መጥቃዕቲ ንምሕባር ናብ ፖሊስ ከይደን። ናብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምብጽሐን ግን እቶም ጉዳያት ተቛሪጾም።

ስርዓት ፍትሒ እታ ሃገር ንደቂ ኣንስትዮ ብሜላ ክድቈሳ ይገብር ኣሎ ክብላ ይምጕታ።

ርብዒ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኣይስላንድ ዓመጽ ወይ ፈተነ ምዕማጽ ከም ዘጋጠመንን ኣስታት 40 ምኢታዊት ድማ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመን መረዳእታታት ይሕብሩ።

ፖሊስ ኣይስላንድ ንክስታት ዓመጽን መጥቃዕትን ብግቡእ ክምርምሩ ስለዘይክእሉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ደቂ ተባዕትዮ እዮም ዝፍረዱ። እዚ ድማ ብኸፊል ብሰንኪ ሕጽረት ምወላ መንግስቲ እዩ።

"ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ወሰንቲ ዝኾኑ መሰኻኽር ኣይሕተቱን፤ ካብ ሓካይምን ክኢላታት ስነ-ኣእምሮን ዝመጽኡ ጸብጻባት እውን ዕሽሽ ይበሃል። ካብ ዓመጽቲ ዝወሃብ ኑዛዜ'ውን ብዕቱብ ኣይውሰድን" ትብል ኣብ ሓደ ካብቶም ነቲ ጉዳይ ናብ ቅድሚት ንምምጻእ ዝሕግዙ ዘይመንግስታውያን ትካላት እትሰርሕ ጉድሩን ጆንስዶቲር።

"ክስታት ደቂ ኣንስትዮ ብዕቱብ ክውሰድ ዘይምኽኣሉ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን። ኣይንጻወሮን ኢና" ትብል።

መረዳእታ መንግስቲ ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ዝቐርቡ ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ እቶም 80 ምኢታዊት መረዳእታ ዘይብሎም ወይ ትርጉም ዘይህቡ ይኾኑ።

"ከም ገነት ፈሚኒስት ኢና ንቑጸር፤ ከምኡ ግን ኣይኮናን" ትብል ሁልዳ ሕሩንድ- ሓባራዊት መስራቲት ናይቲ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ንዝደሓና ደቂ ኣንስትዮ ዝድግፍ ፌሚኒስት ትካል ኦፍጋር።

ፖለቲካዊ መልክዕ ዘለዎ ይመስል።

ሓንቲ ካብተን ንመንግስቲ ዝኸሰሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ማርያ፡ ንፖሊስ መሰኻኽርን መርትዖታትን ከም ዘቕረበት ትዛረብ።

በቲ ዝሃረማ ሰብ ዘጋጠማ ቁስሊ ዝገልጽ ስእልታትን እቲ ግህሰት ከም ዝተፈጸማ ዘረድእ ዝለኣኸላ ጽሑፋትን ሓዊሱ መርትዖታት ከምዘቕረበት ትገልፅ።

እቲ ፈጻሚ መጥቃዕቲ ንኽኽሰስ እኹል መርትዖታት ከምዘሎ ዝሕብር ዳይረክተር ዓቃቢ ሕጊ፡ ንምጽራይ ግን ፖሊስ ነዊሕ ግዜ ስለዝወሰደ እቲ ጉዳይ ከምዝተቛረጸ ገሊፁ።

"ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይከኣልኩን። ምሸት በይነይ ኣይወጽእን እየ። እዚኣ ንእሽቶ ሃገር እያ፤ ኩሉ ግዜ ንከባብየይ እናስተብሃልኩ እየ ዘጓዓዝ" ትብል ማርያ።

ኮሚሽነር ሃገራዊ ፖሊስ ኣይስላንድ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ፖሊስ ኣብ ዘርአዮ ውድቀት ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ።

እተን ነቲ ጉዳይ ዘምጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ንፖሊስ ጥራይ ኣይኰናን ዝነቕፋ፤ ንቤት ፍርዲ'ውን ከምኡ።

ኣብ 2019 ሓደ ዳኛ ንሓደ ብዓመጽ ዝተኸሰሰ ሰብኣይ፡ 'ነቲ ስጡምን ክሳብ ላዕሊ ዝተዓጠቐቶን ስርሓት ቆርበት ዝኾነ ስረ እታ ሰበይቲ ከውጽኦ ዝከኣሎ ኣይኮነን ነይሩ' ዝብል ገምጋሙ ስለዘቐመጠ ሓያል ቁጥዐ ተፈጢሩ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዳኛ ግን ከኣ ኣብ ዝተፈለየ ጉዳይ፡ ኣብ ርሕማ ብዝወረዳ መጉዳእቲ ከቢድ መድመይቲ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ፡ እቲ ኩነታት "ዘይስሩዕ ጾታዊ ርክብ" ብምፍጻማ ከምዘጋጠመ ብምግላጽ ውሳነ ሂቡ።

እዚ ንገለ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ነጻ ክወጽኡ ከምዝኽእሉ ዝገብሮም'ዩ ትብል ሁልዳ ሕሩንድ።

"ደቂ ተባዕትዮ፡ እዚ ሕማቕ ተግባሮም ዘስዕበሎም መዘዝ ከምዘየለ እዮም ዝርድኡ። ዋላ'ውን ብዓመጽ ገበነኛ ኮይንካ እንተተረኺብካ ፍርድኻ ኣብ ውሳነ ዳኛ ከምዝምስረትን እግርኻ'ውን ኣፍ ደገ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይረግጽን ትኣምን" ክትብል ተረድእ።

'እኹል ኣይኮነን'

መንግስቲ ኣይስላንድ ነቲ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ንምውጋድ ዝዓለመ ሸቶ ከም ዝድግፍ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።

"ኣይስላንድ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ መራሒት ኮይና ጸኒሓ'ያ። ንምምሕያሽ ግን ኩሉ ግዜ ዝያዳ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ" ይብል ወሃቢ ቃል።

ፕረዚደንት ኣይስላንድ ሃላ ቶማስዶቲር ግን መንግስቲ እኹል ስራሕ ኣይሰርሕን እዩ ትብል።

"መንግስቲ እኹል ስራሕ ዝሰርሕ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ስርዓት ፍትሕን ብሓፈሻ ኣብ ባህልን ብድሆታት ኣለዉና" ትብል።

ኣስዒባ "ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ክሳብ ዘሎ፡ እኹል ስራሕ ኣይንሰርሕን ኢና ማለት'ዩ። እቲ ሓቂ ከምኡ'ዩ" ኢላ።

ኣይስላንድ ክሳብ 2030 ነቲ ኣብ መንጎ ጾታ ዘሎ ክፍተት ምሉእ ብምሉእ ክትዓጽዎ ተስፋ ከምዘለዋ እታ ፕረዚደንት ትዛረብ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እታ ሃገር ክትዕወት ኣብ እትኽእለሉ መንገዲ ከምዘላ ሓቢሩ'ሎ።

ሁልዳ ሕሩንድ፡ ዋላ እኳ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ እንተሃለወት ግን ተስፋ ትገብር። ኣብ ሕብረተሰብ ኣይስላንድ ለውጢ ይረኣይ ከምዘሎ ትዛረብ።

"ኣዋልድ ደቀይ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚረን ጾታዊ ኣስተምህሮ ተማሂረን'የን። ብዛዕባ ገደባትን ፍቓደኝነትን ግንዛበ ኣለወን። 'ኣብ ዕድሚአን ከለኹ እዚ ኹሉ እንተዝፈልጦ ነይረ' ክብል እምነ" ትብል።

እቶም ሎሚ ብመይላ ትምህርቲ ህጃሊ ዝሓልፉ ዘለዉ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለዶ እዚ ዘመን፡ ከኣ እቲ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ብዝያዳ ቅቡል ዘይገብርዎ ጉዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ትኣምን።