ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ መራሒ ህንዲ፡ ናረንድራ ሞዲ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE

ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ መንጎ ኵለ መዳያዊ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ብምዝረርብ ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከም ዝኸተሙ ይግለጽ ኣሎ።

ሞዲ፡ ብረቡዕ 17 ታሕሳስ 2025 ብቐጥታ ብሃገራዊ ተለቪዥን ኣብ ዘይተመሓላለፈ፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ባይቶ ፈደረሽንን ኢትዮጵያ መደረ ኣስሚዑ።

መበል 15 ቀዳማይ ምኒስተር ህንዲ፡ ንኣመሪካ፡ ቻይና፡ ጀርመንን ጃፓንን ስዒባ ኣብ ዓለም መበል ሓምሻይ ዝዓበየ ቍጠባ፡ ከምኡ'ውን ብብዝሒ ህዝቢ ዓለም ቀዳመይቲ ዝዀነት ሃገር ዝመርሕ ናሬንድራ ሞዲ መን እዩ? ገለ ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮ ሓቅታት እንታይ እዩ?

መስመር

ንሱ፡ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ጉጃራት ካብ ዝነበሮ ትሑት ጅማሮ ተላዒሉ ንነዊሕ እዋን ንሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ቍጠባታት ዓለም ይመርሕ።

ሞዲ ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድሚኡ እዩ ናብ ፖለቲካ ኣትዩ፤ ብመሳርዕ ሓያል ሃገራውነት ሂንዱ ባራቲያ ጃናታ ፓርቲ (ቢጄፒ) ኣቢሉ ከኣ ናብ ዝዓበየ ስልጣን ደይቡ።

ኣብ 2001 ርእሰ ምምሕዳር ጉጃራት ኰይኑ፣ ኣብ 2014 ድማ ቀዳማይ ምኒስተር ህንዲ ኰይኑ ተመሪጹ።

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሞዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ተዓዊቱ።

ቀዳማይ ምኒስተር ሞዲ፡ ኣብ ህንዲ ብፍላይ ኣብ ማሕበረሰብ ሂንዱ ሓያል ተኸታሊ ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ህዝቢ ዝረኽቦ ደገፍ ንምጥንኻር ኣብያተ መቕደስ ሂንዱ ይበጽሕ።

ማሕበረሰብ ኣስላም ህንዲ ኣብ ግዜ ሞዲ ኣድልዎ ከም ዝተፈጸመሎምን ከም "ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት" ከም ዝተታሕዙን ዝገልጹ ጥርዓናት የቕርቡ እዮም።

እቲ ገዛኢ ሰልፊ ግን ነዚ ይነጽጎ።

ፖሊሲ ናሬንድራ ሞዲ ምስ ኵለን ዓበይቲ ሓያላት ሃገራት፡ ንኽልቲኡ ዝጠቅም ዝምድና ምህናጽ ዝብል እዩ።

እዚ ድማ ምስ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ሩስያን ጥቡቕ ርክብ ክፈጥር ሓጊዝዎ እዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ እውን ፍሉጥ ሰብ ኰይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያን ካልእን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ወኪሉ ይዛረብ።

ኣብ 2023 ህንዲ ኣብ ዘአንገደቶ ዋዕላ ሃገራት ጕጅለ-20 እውን፡ ድምጺ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብምስማዕ ዓለምለኻዊ ናእዳ ረኺቡ እዩ።

ዋላ እኳ ብሰንኪ ምውሳኽ ሽቕለት ኣልቦነትን ዝቕባበ ዋጋን ነቐፌታ እንተ ገጠሞ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ህንዲ ልምዓት ንምድንፋዕ ብዝገበሮ ተወፋይነትን ብሰፊሑ ክምስገን እንከሎ፡ ተፈታውነት እቲ ዝመርሖ ሰልፊ'ውን እናወሰኸ መጺኡ።

ሞዲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘረባ ኣስሚዑ

ምንጪ ስእሊ, PMO

መግለጺ ስእሊ, ሞዲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘረባ ኣስሚዑ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሞዲ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ንሓጺር እዋን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝጓዓዝ ዝነበረ ፈላሲ እዩ ነይሩ።

ንኽልተ ዓመት ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ህንዲ ብምዝውዋር፡ ዝተፈላለየ ባህልን ፍሉጣት ኣብያተ መቕደስ ሂንዱን ክፈልጥ ክኢሉ።

ብትእዛዝ ስድርኡ ኣብ 1968 ንጃሾዳቤን ሞዲ ተመርዕዩ። እቲ ሳሕቲ ብዛዕባ ህይወቱን ሓዳሩን ዝዛረብ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ውላድ የብሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ "ቈልዑ የብልናን፤ ንደቅኹም ኢና ንሰርሕ ዘለና፡" ክብል ብግልጺ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 1970ታት ቀዳመይቲ ምኒስተር ህንዲ ኢንዲራ ጋንዲ ብደረጃ ሃገር ህጹጽ እዋን ኣጽኒዓ ንውድብ ሞዲ ኣጊዳ ንብዙሓት ኣባላቱ ምስ ኣገደት፡ ሞዲ ፈላሲ ሲክ መሲሉ ኣምሊጡ።

ቀዳማይ ምኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ብዘይካ ፖለቲካዊ ሞያኡ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኰይኑ፡ ብቛንቋ ጉጃራቲ እኩብ ግጥምታት ኣሕቲሙ ኣሎ።

ሞዲ ብዝኽተሎ ስርዓት ጾም'ውን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓደሓደ ግዜ ንትሽዓተ መዓልታት ምሉእ ብምሉእ ብዘይ መግቢ ውዑይ ማይ ጥራይ እናሰተየ ከም ዝጸውም ይዝረብ።

ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዝጸንሕ ጾም ድማ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ብምምጋብ ከም ዝጸውም ይፍለጥ።

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ህንዲ ኰይኑ ዝጸንሐ ሞዲ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ኣይፈልጥን።

ውሑዳት ብጥንቃቐ ዝተዳለዉ ቃለመሕትታት ግን ሂቡ ኣሎ።

ናሬንድራ ሞዲ ኣብ መስከረም 1950 ተወሊዱ።

ህንዲ ናጽነት ምስ ረኸበት ዝተወልደ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ምኒስተር እዩ።

ኵሎም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ቀዳማይ ምኒስተራት ህንዲ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዮም ተወሊዶም።

ንዝርዝር ነገራት ትዅረት ብምሃብ ዝፍለጥ ሞዲ፡ ህዝባዊ ምስሉ ብጥንቃቐ ሰሪሑ እዩ።

ብመንጽር ኣከዳድና፡ ባህላዊ ኣከዳድና ናይቲ ዝተወልደሉ ዞባ ይኽደን፤ ስእሉ ድማ ኣብ ኵሉ ቦታታት ህንዲ፡ ካብ ዓበይቲ ቦርድታት ክሳብ ኣብ ክታበት ኮቪድ ይርከብ።

ሞዲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?

ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ብረቡዕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መደረ ኣስሚዑ።

ንሱ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ብምንኣድ፡ "ኣብ መንጎኹም ብምህላወይ ዓቢ ሓጎስ ይስምዓኒ። ኣብ ኢትዮጵያ -ኣብ ዓዲ ኣናብስ- ብምህላወይ ዓቢ ሓበን ይስምዓኒ፡" ኢሉ።

ብስም 1.4 ቢልዮን ህንዳውያን ድማ "ናይ ምሕነዝት፡ ሰናይ ድሌትን ሕውነትን ሰላምታይ የቕርበልኩም ኣለኹ፡" ኢሉ።

ኩባንያታት ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከም ዝገበራ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ዓለባ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ሕርሻ፣ ጥዕናን ካልኦት ዓውድታትን ከም ዝተዋፈራ ጠቒሱ።

እተን ኵባኒያታት ካብ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ንላዕሊ ወረሪ ከም ዝገበራ፡ ንልዕሊ 75 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጠራ'ዉን ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ከም ዝዓበየን፡ እዚ ድማ ኣብ ዓውድታት ቴክኖሎጂ፡ ምህዞ፡ ዕደናን ሓምለዋይ ቁጠባን ኣብ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ዝንጸባረቕ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህንዲን ዘሎ ኩለመዳያዊ ምትሕብባር ብቐጻሊ ከም ዝጠናኸር፡ ሃገሩ ድማ ድጋፋ ንምሕያል ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ።

ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ሳይበር ሴኩሪቲ፣ ህንጸት ዓቕሚ፣ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት እየን'ዉን ኢሉ።