ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ርክባቱ ዘስጥም ዘሎ መራሒ ግብጺ ምስ ኣልቡርሃን እንታይ ዘትዩ?

ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብሰኑይ ናብ ካይሮ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ። ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ከኣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንተፋሰስ ሩባ ኒል ዝምልከት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ሓቢሩ።

ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ኣብ ተፋሰስ ኣባይ "ውሕስነት ማይ ብሓባር ንምርግጋጽ" ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ'ሎ።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ኣብ ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት ሱዳንን ድሕነት ማይን ከምዝተዘራረቡ ሓቢሮም።

ድሕነት ማይ ንምሕላው ከምዝተዘራረቡ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ፡ "ኣብ ማይ ሩባ ኒል ብሓደ ወገን ንዝውሰድ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ንቃወም" ምባሎም ኣመልኪቱ።

ኣብ ተፋሰስ ኒል (ሩባ ኣባይ) ንዝርከባ ሃገራት ዝጠቅም ዓለምለኻዊ ሕጊ ንክኽበር ብሓባር ንምስራሕ እውን ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ኣብቲ ኢትዮጵያ ክትዛዝሞ ቀሪባ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ተቓውሞኣ ከተስምዕ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ንዞባዊ ሃገራት ኣንጻር እቲ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መእተዊ ንምርካብ ዘለዋ ባህጊ ደው ክብላ ተታሓባብር ምህላዋ ይግለጽ።

ግብጺ ኣብ ምምላእ ምፍናውን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሕጋውን ቀያድን ዝዀነ ስሉሳዊ ስምምዕ እንተዘይተፈሪሙ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ትሃንጾ ዘላ ግድብ ማይ ምምላእ ክትቅጽል ከምዘይብላ ክትቃወም ጸኒሓ እያ።

ኢትዮጵያ ብወገና ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ሩባ ኣባይ ኣብ ዘለወን ብጽሒት ማይ ክሰማምዓ እንተኽኢለን ካብ ግድብ ህዳሰ ዝፍኖ መጠን ማይ ብዝምልከት ኣብ ቀያዲ ስምምዕ ምብጻሕ ከምዝከኣል መርገጺኣ ትገልጽ።

ነቲ ግድብ ብዝምልከት ብመንጐኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ስሉሳዊ ዘተ ብዘይ ውጽኢት ከምዝተበተነ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዓመት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የፍሪ እኳ እንተሎ፡ ግብጺ ግን እቲ ግድብ ካብ ሩባ ኣባይ ንእትረኽቦ መጠን ማይ ከጉድል ስክፍታኣ ክትገልጽ ጸኒሓ።

'ንጎረባብቲ ሃገራት ቀይሕባሕሪ ጥራይ . . .'

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ግብጽን ጅቡትን "ምሕደራን ጸጥታን" ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን "ብሕታዊ ሓላፍነት" ናይተን ብማይ ዝዳወባ ሃገራት ምዃኑ ኣብ ስምምዕ ምብጸሐን ይዝከር።

ኣብ ታሕሳስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ሞዓሊም ፈኪ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን እውን መንግስቲ ግብጺ ተመሳሳሊ መርገጺ ኣቃሊሑ ነይሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደላቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ክጥቀማሉ ዘለወን "ጐረባብቲ ሃገራት ጥራይ" ክኾና ከምዘለወንን "ካልእ ኣካል ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክኣቱ ክፍቀደሉ ከምዘይግባእን" ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ናብ ግብጺ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ተራኺቡ ነይሩ።

ሽዑ "ምሕደራን ድሕነትን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ጐረባብቲ ሃገራት ጥራይ እዩ" ኣብ ዝብል ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ።

ኣብ ቤተ-መንግስቲ ፕረዚደንት ግብጺ ዝተራኸቡ ኤል-ሲሲን ኣልቡርሃንን፡ ክልተኣዊ ዝምድና ሃገራቶም ንምጥንኻር ዘትዮም ኣለዉ።

ግብጺ ነታ ብኲናት ዝደቐቐት ሱዳን ዳግም ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከምእትሳተፍ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተኻየደ ዘተ፡ ሰራዊት ሱዳን ንርእሰ ከተማ ካርቱም ዳግም ምሓዙ ስዒቡ ኣብ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ዘተኮረ ምንባሩ ኣብያተ ጽሕፈት ፕረዚደንታት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣመልኪቶም።

ኣልቡርሃን ሃገሩ ምስ ግብጺ ዘለዋ ርክብ ታሪኻውን ሱር ዝሰደደን "ስትራተጂያዊ" ከምዝዀነ ምዝራቡ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣል-ሲሲ ብወገኑ፡ ንምርግጋእ ሱዳንን ምሕያል ትካላት መንግስትን "ደገፍ" ከምዝገብር ብምግላጽ፡ ኣብ መስርሕ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ።

ኤርትራን ግብጽን

ግብጽን ኤርትራን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘይዳወባ ሃገራት ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከይህልወን ከም ዝተሰማምዓ ማዕከናት ዜና ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ምግላጸን ይዝከር።

ነዚ ዝገለጻ ድማ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ካይሮ ተረኺቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደላትን ድሕሪ ዝገበሮ ክልተኣዊ ርክብ እዩ።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ መሓመድ ኣ'ሸናዊ፡ እቲ ርክብ፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ገማግም ባሕሪ ኣብ ምሕደራን ጸጥታን ዝግበር ምትሕብባር ኣብ ምምሕያሽ ዘተኰረ ምንባሩ ኣብሪሁ።

"ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘየሎዋ ሃገራት ኣብዞም ጉዳያት ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከም ዘይህልወን ተሰማሚዖም፡" ኢሉ።

ሱዳን፡ ዞባ ሳሕል፡ ቀይሕ ባሕሪ ሓዊሱ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት'ውን ተዘራሪቦም እዮም።

ንጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝምልከት ኤርትራን ግብጺን፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምውልዑ ኣብቲ ጉዳይ ብተደጋጋሚ ክዛተያ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እታ ንጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ደገፍ ከም ዘለዋ ብሰፊሑ እትግለጽ ግብጺ፡ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝጸውዓቶ ዋዕላ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም ዝተሳተፈ ዝዝከር እዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንርክብ ክልተኦም ምኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ኣተኵሩ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ምምኽኻር፡ "ድሕነት ቀይሕ ባሕርን ካልኦት ሓድሕዳዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን፡" ዘጠቓለለ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢምግረሽንን ግብጺ በድር ዓብደላቲ፡ ከምኡ'ውን ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሓሰን ራሻድ ኣብ ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ድልዱል ምዃኑ ብምስማር፡ ነቲ ሽርክና ኣብ ኵሉ ጽላታት ዝያዳ ንምሕያሉ ሃገሩ ክትጽዕር ምዃና ደጊሙ ንምኒስተር ዑስማን ከም ዘረጋገጸሉ ሚኒስትሪ ዜና ናይታ ሃገር ምሕባሩ ይዝከር።